Home
ቅሉዕ መግለጺ ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ !! PDF Print E-mail
Written by ሃይለ ተኪኤ   
Tuesday, 11 April 2017 21:58

ኣነ ሃይለ ተኪኤ ዝተብሃልኩ ከም ቡዙሓት ተጋደልቲ ኣብ 70ታት ዝተሰልፍኩ ምእንቲ ነጻ ኤርትራ ኣብ ዝተፋላለየ ዓውደ ኹናት ክሳብ 5ተ ጊዜ ከቢድ መውጋእቲ ዘጋጠመኒ ብሰንኩ 80 % ፐርሰንቲ ብሓኪም ዝተረጋገጸ ናይ ስንክልና ሰነድ ዘለኒ ተቃላሳይ ኤርትራዊ እየ።

ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስንክልና ተሰኪመ ምእንቲ ፍትሒ ብድሌተይ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ተሰሊፈ ኣንጻር ዲክታቶራዊ ስርዓት ህግደፍ ንልዕሊ 10 ዓመት እናተቃለስኩ ከለኩ፤ ነቲ ባዕለይ ዝፈንፈንኩዎ ስርዓት ህግደፍ፤ ቅድሚ 10ታት ዓመታት ምስ ህግደፍ ዝምድና ነይሩኒ ዝበልኩዎ እናመዝመዙ ብዘይፈልጦም ሕቡአት ዝተዋፈረ ፎሮ12

ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሕቡእ ውልቀ ሰብ፤ ንዓይ ናይ ህግደፍ ስለያ እዩ ኢሉ ተሓቢኡ ብሓሶት ከሲሱኒ። ነዚ መሰረት ዘይብሉ ናይ ሕቡአት ስራሕ ማክሮፎን ዝኾኑ ተቃለስቲ ኢና ዝብሉ ምህላዎም ዘሕዝን ተዋስኦ ይሰርሑ ምህላዎም ብሓቂ እሓዝን። ንብኣካል ምሳካ ዘሎን እትፈልጦን ሰብ ዘይኣመንካ ?፤ ንዘይትፈልጦ ሕቡእ ሰብ ዝበሎ ክትኣምን ብሓቂ ሕፍረት'ዩ። ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ዝከሰሩ ውልቀ ሰባት መጥቃዕቲ ኣብ ልዕለይ እናተመገቡ ዝዛናግዑ ከምዘለዉ'ውን እርድኣኒ እዩ። ነዚ ስክፍታታት ንምውጋድ ብፈጻሚት ሽማገለ ሰልፊ ጉባኤ (ስትራተጂ ዓዲ) ዝወጸ መግለጺታት'ውን ኩሉ ዝተከታተሎ ቅኑዕ መግለጺ እዩ። ኣብ ዝኾነ ይኩን ግዜ ኩነታትን ንእምነታተይ ኣብ እዋኑ እናመረጽኩ'የ ክመጽእ ጸኒሔ። ሕጂ'ውን ቅሰኑ ኣይትሰከፉ ዝሕብአሉ ዝኾነ ይኩን ገበን የብለይን። ካብዚ ብምብጋስ እምብኣር ነብሱ ዘይኣምን ሰብ፤ ንሰባት ክኣምን ከምዝጽገም ኣብ ገለ ሰባት ዝርኤ ተርእዮ እየ። ዝጠራጠር ደላይ ፍትሒ ከይህሉ መታን ኣብ ውሽጢ'10 ዓታት ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ይኩን ርክብ ከም ዘይብለይ ደጊመ ደጋጊመ ከረጋግጽ እፈቱ። ተጋጊካ ምስ ህግደፍ ርክብ ኣለካ ዝብል ሰብ እንተሃልዩ ድማ ጭብጡ ሒዙ ኣብ ኣደባባይ ብቅሉዕ ወሪዱ ክገጥመኒ ሕጂ'ውን ብድሆ እብል አለኩ።

 

ኣነ ከም ቡዙሓት ኤርትራ ክትህሉ እደሊ፤ ብዘይኾነ ሰባት ክጥቅዑ ኣይደልን፤ ሓድነት ኤርትራውያንን ታሪኾምን ድማ የገድሰኒ፤ ምእንትኡ ድማ እቃለስ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

 

ሃይለ ተኪኤ ጀርመን

 
Copyright © 2017 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.