Home Democracy Club መንግስቲ
መንግስቲ PDF Print E-mail
Written by ECP   
Thursday, 11 February 2010 19:34

ካልኣይ ክፋል

መንግስቲ

 

መበቆልን ባህርይን መንግስቲ

ብዛዕባ መንግስትነት ክዝረብ እንከሎ ብዛዕባ ስልጣን እዩ ዝዝረብ ዘሎ። ንስልጣን ዝምልከት ድማ ኣብ ደውላን ኣብ ደውላ ኣልቦን ሕብረተሰባት ጉዳይ ስልጣን በየናይ ዓይኒ ብኸመይ ይርአ ዝብሃል ሕቶ የበግስ።

ንምሳለ እተን ደውላ ኣልቦ ዝኾና ሕብረተሰባት ናብርኦም ዳርጋ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ተባሂሉ ክስመ ይኽእል። እንተ ብሃድን እንተ ብግፋ ዓሳ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ቁሩብ ምዕብል ዝበለ ሕብረተሰባት ድማ ኣብ ናይ ሕርሳ ደረጃ ምስ በጽሑ፡ ጭቃ ከምኡ ድማ ስዩመ ጭቃታት (paramaount chiftency) ተባሂሉ ንኻብቶም ንእስ ዝበሉ ማሕበረኮማት ናብ ስፍሕ ዝበለ ማሕበረሰባት ናይ ምስራዕ ዓቕሚ ተረኺቡ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ደረጃ’ዚ እቲ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝነበረ ቁጠባ፡ ኣብ ቁሩብ ምትራፍ፡ እኽሊ ናይ ምቕማጥ፡ ፍርያት ከብቲ ምምዕባል ስለዝኾነ ምናልባት እቶም ኣገልገልቲ ናይቲ ሽዑ ዝፍጠር ስልጣን ክሳብ ስዩመ-ጭቃ ምስ ዝበልናዮ ንምምሕዳር ዝሕግዝ ትርፊ ሃብቲ ተፈጢሩ ኣሎ ክብሃል ይክኣል። ከምኡ ድማ ነዚ ዝኣመሰለ ዝቖሙ ማሕበረ ኮማት ኣብ ትሕቲ ጸብጻብ ስልጣንካ ንምእታው ዓቕሚ ተረኺቡ ክብሃል ይክኣል እዩ። እዚ ደረጃ ምስ ተበጽሐ ካብ ስዩመ-ጭቃታት ምናልባሽ ኣብ ንግስነት ገጹ ተገማጊሙ ማለት እዩ እቲ ስልጣን። ስለዚ ክሳዕ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ኣልቦ ደውላ (stateless) ይኹን ድኣም’ብር እቲ ስልጣን እቲ፡ ኣብ ደውላዊ ስልጣን ክበጽሕ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ስልጣን ብሓይሊ ስለዝቐውም እሞ ሕጋውነት ስለዘድልዮ መብዛሕትኡ ጊዜ እቲ ሕጋውነት ካብ ሰብ ዝመንጨወ ዘይኮነስ እንታይ ድኣ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ ኮይኑ ቀሪቡ እቲ ብዓል ስልጣን ስድራቤቱን ወይ ስዓብቱ በቲ ንስዩመ-እግዚኣብሔር (ብእግዜኣብሔር ዝተመርጸ) ስልጣን ሓይሉ ካብ ሰማያት ዝትዓደለ ስለ ዝኾነ እቶም ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዓይነት ስልጣን ዝግዝኡ ነቲ ዝገዝእ ዘሎ ስድራቤት ሕጋዊ ብምቑጻር ይግዝኣሉ ማለት እዩ። ክሳብ ሕጂ እምብኣር እንታይ ተረዲኡና ኣሎ ማለት እዩ፡ ደውላዊ ስልጣንን ደውላ ኣልቦን ርኢና ኣሎና። እምብኣር ብመሰረቱ መንግስትነት ማለት ስልጣን ማለት እዩ። ንርእሱ’ውን እቲ ስነ-ፖለቲካ (political Science) ዝብሃል ትምህርቲ ወይ ፍልጠት ኣብ ስልጣነ ደውላን ኣብ ስልጣነ መንግስትን ዝተመስረተ እዩ። ኣብ መንጎ መንግስትን ደውላን ፍልልይ ኣሎ። ቅድም ከምዝተጠቕሰ እታ ደውላ ትብሃል ስተይተ (state) እያ እቲ ዘመሓድራ ስልጣን ድማ መንግስቲ  (government) ይብሃል። ሓደ ትርጉም ስልጣን ድማ ናይ ምውሳን መሰል ማለት እዩ። ንሓደ ንጉስ ብዓል ሰበ-ፍትሒ እዩ ኔሩ ነቲ ካልኣይ ድማ ፍትሒ ኣልቦ ኔሩ ክብሃል እንከሎ እቲ ውሳኒኡ ቅኑዕ ኔሩ፡ እቲ ሓደ ድማ ውሳኒኡ ክፉእ ኔሩ ስለዝኾነ ካልኣይ ምስጢር ናይ ስልጣን ማለት ዓቕመ-ውሳነ (the right of decision) እዩ። ታሪኽ ከምዚ ዓይነት መልክዐ-ስልጣናት ክሳብ ኣብ ሓድሽ ዘመን ንኣቱ፡ ሃጸይነት ንእምባራጦርነት ዝገዝእዎ ስፍሐ-መሬት ኣብ ትሕቲኡ ተቛሪኖም ዝነብሩ ልኡላንን ነገስታትን ብዙሃን ምስ ዝኾኑ እታ ትፍጠር ደውላ ስማ ሃጽያዊት ወይ ድማ እምባራጦርያዊት ትብሃል። እምብኣር እዚ ሕጂ ከም ውሁብ ንወስዶ ደውላነትን መንግስትነትን ኣብዚ ሕጂ ንነብረሉ ዘሎና ዘበን እንሆ ዳርጋ ኣብ ሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት ዝገማገም ዘሎ ተርእዮ እዩ። ንሱ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ዝጀመረ ምስታ ብቛንቋ እንግሊዝ (nation state) ትብሃል ሓደ ንጉስ ንብሄረይ ናይ ምምሕዳር መሰል ንውሱን መሬት ናይ ብሄረይ ናይ ምሕንጻል መሰል ኣብ ውሽጡ ድማ ነቲ ስልጣን ኣብ ትሕቲ ልጓሙ ብምጭባጥ ናይ ምምሕዳር መሰል ኣውራ ኣውራኳ ቀረጽ ናይ ምኽፋል መሰል ክውንን ምስ ዝጅምር እዩ። ትርፊ እቶት እዚ ንብሄራዊ ትካላት (national institutes) ንኽትከሉ ዓቕሚ ይህብ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ደሞዝተኛ ሰራዊት ከቕውም ይኽእል፣ ከምኡ’ውን እቲ ቋንቋ ብሄራዊ ቋንቋ፡ ኣጀማምርኡ እኳ ናይቲ ንጉስን ኣብ ዙርያ ንጉስን ዝዛረብዎ ቋንቋ ማለት እዩ ኩሉ ከም ዝዛረቦ ናይ ምግባር እቲ ባህሊ እውን ናይ ንጉሳዊ ስልጣን ካብኡ ዝምንጩ ከም ብሄራዊ ባህሊ ናይ ምቑጻር፡ እሞ ስልጣን ምሉእ ስልጣን ናይቲ ንጉስ ብምዃን ድማ ብሄረ-ሃገር (nation state) ትብሃል ከም ሓንቲ ፍልይቲ ፖለቲካዊት ኣሃዱ ዳርጋ ኣብ መበል ዓሰርተው ሸሞንተ ሽሕ ብጉሉሕ ኣገባብ፡ ትርአ እሞ ብፍላይ አብ ኤውሮጳ ዝተራእየ ተርእዮ እዩ። ምስኡ ግን ዝማዕበለ ድማ ብፍላይ እኳ ሓድሽ ዓለም ፈትሽካ ናይ ምርካብ ንምሳለ ከም ብዓል ሎሚ ኣሜሪካ ሰሜንን ደቡብን ወሲኽካ፡ ከምኡ እውን ብዓል ኣውስትራልያ ካብኡ ዝድለብ ወርቅን ብሩርን ወይ ድማ ብጉልበት ኣፍሪቃውያን ከም ባራዩ ተሸይጦም ዘፍረይዎ ሃብቲ ጡጥን ሽኮርን፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሃብቲ ክድለብ ምስ ጀመረ ምስቲ ሽዕኡ ዝካየድ ዝነበረ ተክኒካዊን ስነፍልጠታውን ሰውራ ተዛሚዱ ምስቲ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ዝብሃል ተዛሚዱ ሓደ ሓድሽ ሓይሊ ይኸወን እሞ ህብረተሰብ ብግልጺ ኣብ ግዙፋን ደርብታት ይግማዕ። አብ ታሕቲ እቶም ትማል ትማል ሓረስቶት ዝነበሩ ሎሚ ሎሚ ድማ ሰራሕተኛታት ዝኾኑ፡ ትማል ትማል ብማሕረስ ዝነብሩ ዝነበሩ ሎሚ ሎሚ ግን ናብርኦምን እቶቶምን ካብ ፋብሪካታት ዝኾኑ ሂወቶም ምስቶም ሰበ-ርእሰማል ተነጻጺሩ ኣብ መንጉኦም ዝተረኽበ ጋግ ሰፊሕ ብምንባሩ ካብ ታሕቲ ዝደንፍዐ ጠለባት ደሞክራስያዊ ይኸውን እሞ ኣብ ኤውሮጳ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ደርባዊ ምግምማዕ ዝተመስረተ ፖለቲካ ይትኣታቶ ማለት እዩ። እዚ እምብኣር እቲ ታሕተዋይ ደርቢ ብፍላይ እቲ ሰራሕተኛ ደርቢ፡ ማእከላዊ ሕቶታት ከምእኒ ማዕርነት ከምእኒ መሰል ዋኒነ-ንብረት ተራዱኣዊ ምትሕብባር (solidarity)፡ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ፖለቲካ ዘመናዊ ዓለም ይቃላቐላ እሞ ብኡ መሰረት ስልጣን መልክዑ ናይ ሕብረተሰብ ናይ ፓርቲ መጸብረቕታ ይኸውን ማለት እዩ። ከምኡ እውን እቲ ስልጣን ንርእሱ ካብ እግዚኣብሔር ዝመንጨወ ዘይኮነስ ካብ ደቂ ሰባት ዝመንጨወ መዃኑ ይግለጽ። በዚ ዝኣክል ብነገስታት ዝካየድ ፖለቲካ ንጹግ ይኸውን እሞ ኣብ ውክልና ዝተመስረተ መንግስቲ (representative government) ይፍጠር። ስለዚ ንርእሳ እታ ደውላን(the state) እቲ መንግስትን(the government) ኣብዚ ሓድሽ ሓሳብ ዴሞክራስያዊ ኢልና ክንጽውዖ ንኽእል ይምስረት።

 

 

 

ዓይነታት መንግስቲ

ኣብ ምዕራብ ንምሳሌ ኣብ ኣሜሪካን ኣብ ኤውሮጳን እዚ ማሕበረሰባዊ ቃልሲ ስሩዕ ኣገባብ ስለክሕዝ ኣብ ቅዋማትን ኣብ ካብ ቅዋማት ዝምንጩ ሕግታትን መሰረት ብምግባር ሰላማዊ ውድድር ኣብ ሞንጎ እዞም ፓርቲታት ተፈጢሩ ስልጣን ንርእሱ ኣብ ሕጊ ኣብ ንጹርነት ኣብ ተቖጻጻርነት ዝተመስረተ ስልጣን ይኸውን። ኣብ ምስራቕ ግን ኣብ መወዳእትኡ ድሓር ሶቭየት ህብረት ዝተባህለ እዚ ዴሞክራስያ ዝብሃል ሓሳብ እቶም ሰራሕተኛታት ንበይኖም እንተተቖጻጺሮሞ ጥራይ እዩ ክፍጠር ዝክእል ብምባል እቲ ገዛኢ ሰልፊ ንስልጣን ንሓላለይ ኢሉ ይብሕቶ እታ ደውላ ድማ ንርእሳ (the Soviet State) ከምዚ ዳስ ወይ መዕቆቢት ወይ ምንጪ ስልጣን ናይቲ ስልጣን ዝብሓተ (dictatorship of the proletariat) ትኸውን። እቲ ቅድም ዝጠቐስናዮ ኣብ ፈተሻ ሓድሽ ዓለም ኣብ ምንታይ ኣምርሐ፡ ኣብ ኮሎንያሊዝም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወይ ዓለማዊ ግዝኣት ክንብሎ ንኽእል ወይ ድማ ሃጸይነት (imperialism) ክንብሎ ንኽእል  ይቕየር እሞ እቲ ተሪፉ ዘሎ ዓለም ግን ከም ግዝኣተን ወኒነን ብሰንኪ’ዚ ክለተ ኲናታት ዓለም ዘእትዋ ይኸውን እሞ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጦርነት እቶም ኣብ ግዝኣት ውትህድርና ዝትሓንገረ ፖለቲካዊ ስልጣን ይፈጥሩ ማለት እዩ። እዚ መእተዊ ከም መጠመቲ ስልጣን ብደረጃ ደውላን መንግስትን ወሲድና ነቲ ቅድም ዘምበብናዮ እኩብ ፍልጠት መጠመትን መመይን መስርዕን ጌርና ከም መእተዊ ንምቕራብ ክሕግዘና ይኽእል።

 

እምብኣር ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዝተፈላለየ መልክዕን ዕላማን ዝሓዛ ክኾና እንከለዋ ንኣብነት ተርእዮ ብዙሓት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ብሓፈሻ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ፡ መራሕቲ ሰውራ ዝነበሩ ስልጣን ኣብ ዝጭብጥሉ እዋን ወይ ድማ ብፍላይ ሞይኦም ኣብ ውትህድርና ዝኾኑ ወይ ብናቶም ድፍኢት ወይ ድማ ብምትሕብባር ምስ ገለ ኣባላት ሕብረተሰብ ዕልዋ ብምክያድ ስልጣን ምስ ዝጭብጡ ዘቑምዎ ዓይነት ሰልፊ፡ ዘየሳትፍ፣ ስልጣን ዝብሕትን ንዉሑዳት ጥራይ ኣገልጋሊ ዝኾውን ሓደ ሰልፊ የቑሙ፡ ብኣንጻሩ ብዴሞክራስያውን ሕጋውን ኣገባብ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ተዓዋቲ ዝኾነ ሰልፊ ወይ ሰልፍታት ዝፈላልዮም ፕሮግራማት ስለዘለዎም ብፖለቲካዊ መግለጺ ክርኣዩ እንከለዉ ብግዙፍ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ክርኣዩ ይኽእሉ፡ ጸጋማውያንን የማናውያንን ተባሂሎም ይጽውዑ። ብመንጽር ፍሉይነት ዝሰርዕዎ ፖለቲካዊ ፕሮግራሞም ምስ ዝጥመቱ ድማ እቶም ክብርታት ባህልን ልምድን ክዕቀብ ኣለዎ ዝብል እምነት ዘለዎም ዓቃባውያን፡ እቶም ፖለቲክኦም ንውልቀሰብ ማእከል ዝገበረ ማለት መሰል ውልቀሰብ ብመጀመርያ ክስራዕን እቲ ውልቀሰብ ንዘለዎ እምነት፣ ልምዲ ይኹን ዝመርጾ ኣገባብ ኣነባብራ ክኽበረሉ ኣለዎ ዝብል እምነት ዘለዎም ሊበራልያውያን፡ እቶም ብከላ ናይ ከባቢታተ ደው ክብል ኣለዎ ብምባል ተፈጥሮን ከባቢታትን ዘለዎም ተፈጥሮኣዊ መልክዕ ተዓቂቡ ኣግራብ ከይበርስ ተፈጥሮ ድማ ካብ ቀመማውን ብኻልእ ብከላታት ከይበላሾ ዝቃለሱ ድማ ናይ ሓምላይ ሰልፊ እናተባህሉ ብዝህልዎም ፖለቲካዊ ኣጀንዳታትን ዝህብዎ ቀዳምነትን ስያመታት ይውሃቡ።
 
Copyright © 2018 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.