Home Party Documents Party Documents ኤርትራዊ ቃል ኪዳን (covenant)
ኤርትራዊ ቃል ኪዳን (covenant) PDF Print E-mail
Written by ECP   
Tuesday, 30 March 2010 09:52

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይ ኪዳን ወርከሾፕ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ርእይቶኡ ኣቕሪቡ ነበረ፡ ንሱ ድማ ቅድሚ ኣብ ቻርተራትን ቅዋማትን ፕሮግራማትን ምእታውና ኣብ ቃል ኪዳናዊ ኣተሓሳስባ (covenant) እንተኣቶና ዶ ኣይሓይሽን ዝብል እዩ ዝነበረ። መሰረት ኣበሃህላና ሰለስተ ተመኩሮታት ህዝቢ ኤርትራ ተጠቒሱ እቲ ቀዳማይ ተመኩሮ ፈደረሽን ኮይኑ እቶም ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰማማዓሎም ትካላት/ኣቕዋማት ድማ እዞም ዝስዕቡ ተጠቕሱ፦

1. እቲ ፈደረሽን ንህዝቢ ኤርትራ ጠርኒፉ ብዓለም ለኻዊ ትካላት (ብሕቡራት መንግስታት) ክኽበር

2. ስርዓተ-መንግስቲ ድማ ባይቶውን ቅዋማውን ክኸውን

3. ዕላውያን ቋንቋታት ኤርትራ ትግርኛን ዓረብኛን ክኾና ከምኡ መበሊኡ ድማ ጠለብ ኣመንቲ ምስልምና ብዙሓት ነገዳት ስለዝኾኑ ምእንቲ ብቛንቋ ዓረብኛ ክጥርነፉ ክኽእሉ ተባሂሉ ነበረ፡ ነዚ ሓሳብ ድማ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝነበሩ ተቐቢሎሞን ኣኽቢሮምዎን ።

ይኹን ድኣ'ምበር ንጉስ ሃይለ ስላሰ ነዘን ዝተጠቕሳ ሰለስት ነጥብታት ዝሓቖፈ ቃል-ኪዳን  (covenant)  ኣፍሪሶመን።

ካልኣይ ቃል-ኪዳን ህዝቢ ኤርትራን ድሌትን ነቶም ዝፈረሱ ረቛሒታት ቃል-ኪዳን ስለ ክኽበሩ ኣብ ካልኣይ ቃል-ኪዳን፤ ማለት ኣብ ናይ ነጻነት ብረታዊ ቃልሲ አተወ። እንተኾነ ግን ገና ብኣጋኡ እቲ ቃልሲ ብምስጢራውያን ሰልፍታት ስለ ዝተጨውየ እቲ ምእንትኡ ዝተቓለሱ ቃል-ኪዳን ብምውቱ ተወልደ። ማለት ድሕሪ ነጻነት ስልጣን ዝጨበጠት ውድብ ብደሞክራስያ ቃል-ኪዳን ህዝቢ ኤርትራ እተሐድስ ብሓደ ውልቀሰብ ዝምወልን ጭው ዝበለ ምልካዊ ስርዓት ስለዝተኸለት እንሆ  ህዝቢ ኤርትራ ብተቓወምቲ ደቁ ንሳልሳይ ቃል ኪዳን ንኸዐውት ይቃለስ ኣሎ።

እምብኣር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ቃል-ኪዳን ህዝቢ ኤርትራ ክብደቱን እዋንነቱን ኣብ ግምት ብምእታው ወኪል ሰልፍና ኣብ ሳልሳይ ኪዳን ኣተኲሩ፡ ሳልሳይ ቃልኪዳን ማለት ህዝቢ ኤርትራ ዕላውያን ቋንቋታቱ ትግርኛን ዓረብኛን ክኾና ከምዘለወን፡ ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ደሞክራስያዊ ክኸውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ኣብ ቅዋማትን ቻርተራትን ፕሮግራማትን ምእታዉ ኣብ መትከላት ቃል-ኪዳን ክሰማማዕ ይግብኦ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላለፈ። እቲ ምኽንያት ድማ ኣብ ቃልኪዳን ምእታው ንኣብ ብሓንሳብ ምንባር ማዕጾ ይኸፍት፡ ጉዳይ ድሌት ሓቢርካ ምንባር ምስተፈትሐ ድማ ጉዳያት ቅዋማትን ቻርተራትን ፕሮግራማትን ብመሰረት ቃል-ኪዳን ይጸድቁ ምኽንያቱ ቃልኪዳን ማለት ውዕል ሓቢርካ ምንባር ክኸውን እንከሎ ቻርተራተን ቅዋማትን ፕሮግራማትን ድማ በየኖት ኣገባብ ሓቢርና ንንበር ይብል።   

ኣድላዪነት ቃል-ኪዳን  (covenant)  ብምግንዛብ ቅድሚ 10 ዓመት ህዝቢ ኤርትራ ብሰላም ክነብረሉ ይኽእል ዝበልናዮ ቃል-ኪዳን  ብኢንተርነት ከም ዝዝርጋሕና ዝዝከር ኮይኑ ሕጂ ድማ ኣድላዪነቱ ኣብ ግምት ብምእታው ከም እንደገና ኣብ ወብ ሳይትና ተዘርጊሑ ኣሎ። እዚ ብሰልፍና ዝቐረበ ቃል-ኪዳን  ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ተመሳሰልቲ ሰነዳት ምስ ዝቐረቡ ነቲ ዝድለ ዘሎ ቃል-ኪዳን  የሀብትሞ እዩ ብዝብል እምነት ኣብ ወብ ሳይትና ዝተላእከ ሰነድ ካብዚ እምነት ተበጊስና ድሮ ኣውጺእናዮ ኣሎና  ካልኦት ሓሳባት ምስ ዝልኣኹ ድማ ኣብዚ እምነት ተሞርኲስና ከነውጽእ ኢና።

ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ

25/03/2010
 
Copyright © 2018 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.