ፈስቲቫል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጸገም (Eritreansk festival i blåsväder)

ስርዓት ህግደፍ ንሽወደናዊ ዜጋ ዝኾነ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ቤት ዳጒንዎ ይርከብ፡ ዓብደላ ጃብር ዝተባህለ ሓደ ካብ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ድማ  ኣብቲ ብስም ህዝባዊ ፈስቲቫል ዝፍለጥ ዓመታዊ በዓል ከም ናይ ክብሪ ጋሻ ብምዃን ተኻፊሉ።   ኤርትራ ብዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት ዝኾና ማሕበራት፡  ካብተን ብዝኸፍአ ኣገባብ ምልኪ ዲክታቶርነት ዝምሓደራ ዘለዋን ብቐጻሊ መሰል ዜጋታት ዝግህሳ ሃገራት ብቐዳምነት ተሰሪዓ ትርከብ።

ብኣዳለውቲ በዓል ነዚ ዝካየድ ፈስቲቫል ካብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ሓገዝ ብምሕታት ብዝተለገሰሎም ገንዘብ ከካይድዎ ጸኒሖም እዮም፡፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ነዚ ፈስቲቫል 50 000 ክሩኑር ከም ዝተዋህቦም ይፍለጥ።  እቲ ብሽፋን ህዝባዊ በዓል ክካየድ ዝጸንሐ ፈስቲቫል ንድጋፍ እዚ ጸረ ግዝኣተ ሕጊ ብምዃን ንጹሃት ዜጋታት ዝኣስር ዘሎ ስርዓት ከም ምዃኑ መጠን ንምንታይ ሓገዝ ተፈቒድዎም ዝብል ተረርቲ ሕቶታተ ብሽወደናውያን ጋዜጠኛታት ንዝምልከቶም ሰበስልጣን ስለዝቐረበሎም ፡ እዚ ክውሃብ ዝጸንሐ ሓገዛት ብኸመይ ከምዝተዋህቦምን ኣብ ምንታይ ከምዝወዓለን ድሮ ኣብ ምጽራይ ዘሎ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ። እዚ ካብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ክውሃቦም ዝጸንሐ ሓገዛት ወይ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ናይ ስርዓት ህግደፍ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ዘይተደልየ መዓላ ከም ዝውዓለ እንተተረጋጊጹ ፡ ኣካየድቲ ናይዚ ፈስቲቫል ንዝተዋህቦም ሓገዝ ክመልስዎ ክግደዱ ምዃኖም ኣመሓደርቲ ከተማ ስቶክሆልም ኣፍሊጦም ኣለዉ። በዚ ጉዳይ ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት ንኣቦ ወንበር ኣካየዲ በዓላት ዝኾነ ኣቶ ኣለም ተስፋጊዮርጊስ ዝብሃል ውልቀሰብ በዚ ጉዳይ ንክሓትዎ ፈቲኖም ግን ክረኽብዎ ከምዘይክኣሉ  ሓቢሮም ኣለዉ።

ምንጪ ሓበሬታ (SvD Måndagen 10 agusti 2009)   

ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ