ኣልኮላዊ መስተ ዝሸይጥ መንግስታዊ ትካል ንምልካዊ  ስርዓት ህግደፍ ይድግፍ ኣሎ ተባሂሉ ይኽሰስ

ኣብዚ ሰሙን እዚ ብስርዓት ህግደፍ ዝምወልን ዓመት ዓመት ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዚካየድ ፈስቲቫል ብዝምልከት ኣፍቶንብላደት ዝተባህለ ናይ ሽወደን ጋዜጣ ሰፊሕ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

ናይዚ ዓመት ፈስቲቫል ኣብ ክተማ ስቶክሆልም የርቫ ፈልት ኣብ ዝብሃል ከባቢ ከምቲ ልሙድ ተጀሚሩ ኣሎ። እቲ ካብዚ ፈስቲቫል ዝርከብ ኣታዊ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዚኸየ ኮይኑ፡ ኣብ ዓመተ 2023 ዝተኻየደ ፈስቲቫል አቓልቦ ማዕከና ዜና ዝሰሓበ ኮይኑ፡ ተቓወምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ነቲ ቦታ ድሕሪ ምውራሮም ብዝተፈጥረ ናዕቢ ሽዱሽተ ሰባት ከም ዝተኣስሩ ይፍለጥ።

ሓደ ካብ ኣዳለውቲ እቲ ፈስቲቫል ተመስገን ኢሳያስ ዝተባህለ ሰብ ምስ ጋዜጣ Nyhetsbyrån Järva ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ናይ ሎሚ ዓመት መደብ ከምቲ ልሙድ ይመስል። እዚ ማለት ካብ ሃገረ ኤርትራ ወከልቲ ከም ዝዕደሙ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኣረጋጊጹ። ብተመሳሳሊ ኣብ ኦስሎ ኣብ መጽናዕቲ ሰላምን ግጭትን ዝነጥፍ ዘሎ ፕሮፌሰር ክጅቲል ትሮንቮል፡ ኣብ ፈስቲቫል 2023 እቲ የማናይ ኢድ ኢሳያስ ዝኾነ የማነ ገብርኣብ ተዓዲሙ ምንባሩ ይጠቅስ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ መንግስቲ ኤርትራ ተቓወምቲ ይኣስር፡ ርእይቶኻ ናይ ምግላጽ መሰላት ይግህስ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ሕጂ’ውን ዓመጽ ዝመልኦ መልክዕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ይጥቀም፡ እዚ ማለት ድማ እቲ ኣገልግሎት መዓስ ከም ዝውዳእ ናይ ግዜ ገደብ ዝብሃል ከም ዘይብሉ እዩ። ገለ ካብቶም ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ዝገብሩ ዜጋታት ድሮ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣገልጊሎም እዮም። እምበኣር እዚ ፈስቲቫል ኣብ ሽወደን ንኽካየድ ብመግስንቲ ሽወደን ካብ ተፈቕደ፡ መንግስቲ ሽወደን ንስርዓት ኣስመራ ይድግፍ ምህላዉ፡ እቲ ኣልኮላዊ መስተ ዝሸይጥ መንግስታዊ ትካል “ሲስተም ቡላገት” ድማ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝውነን ቢራ ኣስመራ ኣብ ምሻጥ ይተሓባበር ብምህላዉ ብቐጥታ ደጋፊ ስርዓት ኣስመራ ኮይኑ ከም ዘሎ ንርዳእ ክብል ኩርዶ ባክሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ይሕብር።

እቶት ናይዚ ዚካየድ ፈስቲቫል ነቲ ኣብ ኤርትራ ብምልኪ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ኣታዊ ምንጪ ከም ዝኾኖን፡ ንሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝኣሰረ ስርዓት ካብ ምብዳህ ልኡም ዝኾነ መርገጽ ሒዞም ኣለዉ ብማለት ድማ ይኽሰሱ።

ምንጪ ጋዜጣ ኣፍቶን ብላደት

ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ