ሓገዝ ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ደው ይበል ከምኡ’ውን ኣብ ባንክታት ዓለም ተቐሚጡ ዘሎ ገንዘብ ስርዓት ህግደፍ ንኸይንቀሳቐስ እገዳ ይገበረሉ፡ ዝብሉ ጠለባት ብምልዓል ኣባላት ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ኣባላት ፓርላማን ንደገፍ እሱር ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ሓደ ኮሚቴ ብምቛም ይነጥፉ ምህላዎም ዳገንስ ኒሀተር ዝተባህለ ጋዜጣ ሽወደን ኣፍሊጡ።
ዳዊት ኢሳቕ ኣብ ኤርትራ ብዕለት 23 መስከረም 2001 ብሞያ ጋዜጠኝነት ንምስራሕ ካብ ሽወደን ንኤርትራ ምስተመልሰ ተኣሲሩ። ዳዊት ኢሳቕ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ምህላዉ ይፍለጥ። ዝሓለፈ ቀዳም ንደገፍ ዳዊት ኣብ ሸሞንተ ዝተፈላለየ ከተማታት ሽወደን ናይ ዝኽሪ ሰልፊ ተጌሩሉ ውዒሉ። ኣብ ከተማ ጉተንበርግ ዝምቕማጡ ሓዉ ኢሳያስ ከም ዝሓበሮ ድሕሪ 2005፡ ምስ ዳዊት ዝኾነ ርክብ ከምዘይጸንሖ ይሕብር። ኣስዒቡ ኢሳያስ ሓዉ ዳዊት ኣብየናይ ማእሰርቲ ቤት ምህላዉ ከም ዘይፈልጥ ይኹን ድኣ’ምበር፡ ዘይተረጋገጸ ወረታት ከምዝሕብርዎ ዳዊት ናብ ዝተፈላለያ ማእሰርቲ ቤታት ከግዕዝዎ ከም ዝጸንሑ ይፍለጠ። ናይ ሽወደን ሜድያ ብጥርኑፍ ሓይሊ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ማእሰርቲ ነጻ ንኽልቀቕ ጻዕርታት ከካይዳ ጸኒሐን ከምኡ ድማ እዛ ንደገፍ ዳዊት ኢሳቕ ዝቖመት ኮሚቴ፡ ስርዓት ህግደፍ ንዳዊት ካብ ማእሰርቲ ነጻ ንኽለቆ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ሓያል ጸቕጥታት ክግበር ኣብ ባይቶ ሽወደን ጠለብ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ካብቲ ኣቕሪቦሞ ዘለዉ ጠለባት፡ ንኤርትራ ክውሃብ ዝጸንሐ ሓገዛት ሕብረት ኤውሮጳ ደው ክብል፣ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ንኽበጽሑ ከይፍቀዶም፣ ጥቡቕ ርክብ ገለ መራሕቲ ጥልያን ምስ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ደው ንኽብል ከምኡ ድማ ኣብ ባንክታት ኤውሮጳ ዘሎ ገንዘብ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ከይንቀሳቐስ ንኽእገድ ዝብሉ ጠለባት ይርከብዎም። ሕብረት ኤውሮጳ ነዞም ዝተጠቕሱ ጠለባት ንምትግባር ሓያል ዓቕሚ ዝወነነ ከምምዃኑ መጠን፡ ነዚ ሓይሊ ሕብረት ኤውሮጳ ብግቡእ ክንጥቀመሉ ኣሎና ብምባል መግለጺ ዝሃበት ኣባል ሊበራል ሰልፊ ዝኾነትን ኣደ ወንበር ኮሚቴ ንደገፍ ዳዊት ኢሳቕ ወይዘሮ ሰሲልያ ቪግሰተረም እያ። በዚ ኣጋጣሚ ቀዳማይ ምኒሰተር ሃገረ ሽወደን ፍሬድሪክ ራይንፈልት፡ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ተኣሲርዎ ዘሎ ቤትማእሰርቲ ንኽፍታሕ መንግስቲ ሽወደን ዘየወላውል መርገጽ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።
ምንጪ ሓበሬታ Dagens Nyheter Söndag 20 sep 2009