መእተዊ ገለ ክቡራት ደቂ ሃገር ብዛዕባ ዋዕላ ናይሮቢ ስግኣቶም ከም ዘቐመጡ ይፍለጥ፣ ካልኦት ሰዓብቲ ፖለቲካ ኣናጹ ግን ንመርካቶ ጸለመን ምንእኣስን ምንሻውን ክምበድብድዎ ይርኤ ኣሎ። ክቡራት ደቂ ሃገር ኣብ ፖለቲካ ኣናጹ ሰብ ብፎርማጆ ከም ዝሕበል ኣይትዘንግዑ። ዋዕላ ናይሮቢ እንተዀነ ይደገፍ ብዝተረፈ ግን ዕድል ይውሃቦ! ሃገራዊ ዋዕላ ንምኽሪ መቕድም መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ንሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ናብ ህልው “ሃገራዊ ዋዕላ ንምኽሪ” ስለ ዝዓደመ ምሉእ ምስጋና ይብጻሓዮ። ኣሰናዳእቲ ዝተጠቕሰ ዋዕላ ከም ወኪል ሰልፍና ስለ ዝዓደሙኒ እውን ብተመሳሳሊ የመስግን። ኣብ ዝተላእከልና ዘዋሪ መልእኽቲ ሰለሰተ ዓውደልዝብ (ፓኔላት) ተሰሪዐን ከምዘለዋን ኣብ ነፍሰወከፍን ድማ ሰሰለስተ ተዋሳእቲ ከም ዘለወን ከይተረፈ እውን ተሓቢርና። ብግብራዊ ኣዘራርባ ኣባል ሳልሰይቲ ዓውደልዝብ ኰይነ መጽናዕታዊ–ወረቐት ከቕርብ ስለ ተመራሕኩ እውን ሕጉስ እየ። ሳልሳይ ዓውደልዝብ ሰለስተ ኣርእስትታት ዝሓዘለ እዩ፣ ንሳቶም ድማ እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ እዮም፥ ጠርናፊ ሃገራዊ ራእይ ጠርናፊ ግብራዊ ፕሮግራም ንሓባራዊ ዕላማታት መሰጋገሪ ፖለቲካዊ ከይድታት ድሕሪ ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ቀዳማይ ጠርናፊ ሃገራዊ ራእይ ደምክራስያዊ ለውጥን ስኒትን ሀ) ስኒት ህዝባዊ ስልጣን ክረጋገጽ ዝኽእል ኣብ ሕገ–መንግስቲ ዝተመስረተ ብዝሃ–ሰልፍታት ምስ ዝቐውም ጥራይ እዩ። ኣብ መንጎ ውድባት ዘለዉ ተጻብኦታት ኣሉታዊ ጽልዋ ከቐምጡ ስለ ዝኽእሉ መርሆ ሃገራዊ ዕርቂ ካብ ህንጸት ድሞክራስያዊ ስርዓት ተነጺሉ ክርኤ ኣይግባእን። ብኻልእ ኣዘራርባ ሃገራዊ ስኒት ምስ ደሞክራስያዊ ሕገ–መንግስትን ብዝሃ–ሰልፍታትን ተሰንዩ ዝምዕብል ተርእዮ እዩ። ቀዳማይ ዕማም ህልዊ “ሃገራዊ ዋዕላ ንምኽሪ” ንኹሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ብዘዕግብ መንገዲ ዲክታቶራዊ ስርዓት ዝውገደሉ ባይታ ምጥጣሕ ኰይኑ፡ ካልኣይ ዕላማኡ ንተቓወምቲ ሓይልታት ዝጥርንፉ ትካላትን ቅርጻን ምስንዳእ እዩ። ለ) ደሞክራስያዊ ለውጥን ስምረትን ውሽጣዊ ዲክታቶራዊ ስርዓትን ግዳማውያን ውግኣትን ኣብ ኩሎም ጸፍሕታት ሕብረተሰብን መንግስታዊ ምሕደራን ዘመዝገብዎም ዕንወትን ዝገደፍዎ ስምብራትን ከበድቲ ስለ ዝዀኑ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት ማእከላይ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ኣብ ቅድሜና ኩድጭ ኢሉ ዘሎ ሕቶ፣ “መቖምያታት ኤርትራዊ ሃገራውነትና እንታይ እዮም ዝብል” እዩ። ዲክታተራዊ ስርዓት ንሓድነትን ህዝብን ሃገርን ዝጠምሩ ማሕበራዊ ፈትልታት ስለ ዝበተኾም ነቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተዀኲአ ሃገራውነት ኣዳኺምዎ ይርከብ። ብሓደ ሸነኽ ኣብ ግዜ ቃልሲ መንፈስን ኣእምሮን ህዝብናን ነጻ ኣውጻእቲ ውድባቱን ኣንጻር ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን ስለ ዝነበረ፣ ብኻልኣይ ሸንኹ ድማ ኣንጻር ሃጸይነት ስለ ዝነበረ፣ ሃገራውነትና “ተጻራሪ ሃገራውነት” ተብሂሉ ክስመ ይኽእል። ድሕሪ ነጻነት ተጻራሪ ሃገራውነት ግደኡ ጸንቂቑ ጥራይ ዘይኰነ ደርባውን ብሄረሰባውን እምነታውን ረቛሒታት ቀዳምነት ሒዞም ይርከቡ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እዞም ዝተጠቕሱ ፍልዩነታት ከም ሃገራዊ ሃብቲ ክንዲ ዝዕንብቡ እሞ ኣወንታዊ ሞቖምያታት ሃገራውነትና ክንዲ ዝዀኑ ኣርእስትታት ሰሓቦ–ጉተቶ ኰይኖም ተረኺቦም ኣለዉ። ኣብ ክሊ ደሞክራሲ ንኹሎም ኤርትራውያን ክጥርንፍ ዝኽእል ሃገራውነት ንረቛሒታት ውህደትን ፍሉይነትን ከዛምድ ዝኽእል ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ዕማማት ስምረትን ስኒትን ክረጋገጹ ዝኽእሉ። ብቑንጹብ ኣዘራርባ መሰላት ብሄራትን ሃይማኖትን ብስም ሃገራዊ ስምረትን ስኒትን ክግሃሱ የልብሎምን፣ ከምኡ እውን መሰላት ሃገራዊ ስምረትን ስኒትን ብመሰላት ፍልዩነታት ክዕብለሉ የልብሎምን። ስለዚ ቀዳማይ ትርጉም ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሕገ–መንግስቲ ዝተመስረተ ብዝሃ–ሰልፋዊ ደሞክራሲ ክኸውን ከሎ፣ ካልኣይ ትርጉሙ ኣብ መንጎ ሃገራዊ ስምረትን ስኒትን ፍልዩነታትን ዘሎ ዝምድና ምንጻር እዩ። ንውህደታውነት ዝምልከት ሃገራዊ ነጻነትን ልኡላውነትን ምእኩል መንግስትነትን ክኸውን ከሎ፣ ንፍሉይነት ዝመልከት ግን መሰላት “ብሄራትን” ሃይማኖታትን ኢማእከላዊ መንግስትነትን እዮም። ነዞም ክልተ ሓቅታት ዝጥርንፍ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ምህናጽ ሓላፍነት ህዝቢ ኤርትራን ውድባትን ሰልፍታትን እዩ። ኤርትራዊ ቃል ኪዳን ሀ) ንቛንቋታት ኤርትራ ዝምልከት እሞ ኣብ ሕገመንግስቲ ፈዴራልዊት ኤርትራ ዝጸደቐ መትከል እቲ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተማእከለ ቃልኪዳን እዩ። እቶም ኣገደስቲ መትከላት ቀዳማይ ቃልኪዳን እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚቶም ዘለዉ ኣርእስትታት እዮም፥ ምርጻ ንሃገራዊ ባይቶ ኣብ ምሕዳራዊ ቦታታት እምበር ኣብ ሃይማኖታውን ዘርኣውን ኮማት ከይምስረት ሕገመንግስቲ ኤርትራ ኣብ መትከላት ቻርተር ሕቡራት መንግስትታት ክመስረት ፌዴራላዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓልማናዊ መትከላት ክመስረት ለ) ካልኣይ ቃለኪዳን ኣብ ፕሮግራማት ሰውራ ኤርትራ ተማእኪሉ ይርከቡ። ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ከም ዘሎ እቲ ቀዳማይ ቃለኪዳን ብዛዕባ መሰላት ኣቐልያት (minorities) እዩ ዝገልጽ እምበር ንኣርእስቲ ብሄራት ወይ ዘርእታት ኣየልዕልን እዩ። ዝተዋህበ ምኽንያት ድማ ቋንቋ ዓረብ ንሕብረት ኤርትራውያን ኣስላም ከደልድል ከሎ፡ ረቛሕቲ ዓሌትን ዘርእን ግን ይፈላልይዎም እዮም ዝብል መርትዖ ነበረ። ካልኣይ ቃለኪዳን ንመትከል ማዕረነት ብሄራዊ ኮማት (national groups) ኣጥቢቑ ይማጐት፣ እዚ ማለት ድማ ሓደ ብሄራዊ ወይ ዘርኣዊ ኮም ንኻልኦት ተመሳሰልቲ ኮማት ክዕብልል ምስ ዝፍትን ሻቡ ይንጸግ። ስለዚ ኸኣ እዩ ድሕሪ ነጻነት እዞም መትከላት ኤርትራዊ ቃለኪዳን ኣይተኸብሩን ብምባል ተጣበቕቲ ሃይማኖትን ብሄራትን ካልኣይ ቃለኪዳን ዝጠልቡ ዘለው። ሐ) ጉራጉራ ሕብረተሰብን ኣገዳሲ ግደ ሓባራዊ እንካንሃባን ተደልዩ ዘሎ ስነሓስባዊ መርሃ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክጥርንፍ ዝኽእል ቃለኪዳን ምሕንጻጽ እዩ። ኩሎም ወገናት ኤርትራ ብትምህርትን ተሞክሮን ልቦናን ዝጸገቡ ባእታት ኣለዉዎም፣ ከይዲ እንካንሃባን ኣዝዩ ዝተጠላለፈ ስለ ዝዀነ በቶም ብትምህርትን ተሞክሮን ልቦናን ዝጸገቡ ባእታታት ካብ ብሕጂ ክጽናዕን ክምራሕን እዩ ዝግባእ። ቀዳማይ ስጒምቲ ኣብ ታዕሪፍ (definition) ብሄርን ብሄርነትን ምስምማዕ ከድልየና እዩ፣ ብተመሳሳሊ ታዕሪፍ ዘርእን ዓሌትን ዝምድንኦም ምስ ብሄርነትን እውን ከድልየና እዩ። ኣብ ታዕሪፍ እዞም ዝተጥቕሱ ከይተስማማዕና ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ምስምማዕ ኣጸጋሚ ክኸውን እዩ። እዚ ማእከላዊ ዕማም ንጽባሕ እዩ ዝጠቅም፣ እንተ ሎሚ ግን ዕማምና ንዲክታቶርነት ምውዳቕን መተከላት ግዝያውን መሰጋገሪ መንግስቲ ምስንዳእ እዩ። ኣብ ጥርዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘልዉ ዛዕባታት ኣብ ግምት ይኣትዉ፥ ኤርትራ ልኡላዊትን ጥርንፍትን ሃገር እያ። ንገዛኢ ደርቢ ህግደፍ ነጺልካ ስምረት ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ። ኣብ ውሽጢ ስምርቲ ኤርትራ ኩለእንተናዊ መሰላት “ብሄራት” ምኽባር። ኣውራጃታት ኤርትራ ኣብ ንቡር ቦትኦም ምስ ተመልሱ መደበር ኢማእከላዊ ባዕለ– ምሕደራ ክዀኑ። ፖለቲካዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ቅዋማውን ደሞክራስያውን ብዝሀ–ሰልፋውን መትከላት ክምስረት። ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ንጹር ዶብ ክቕመጥን ኣብ ውሽጦም ድማ ጣልቃዊ ምትእትታው ክውገድ። ሃገራዊ ሃብቲ ብፍትሓዊ ኣገባብ ክዝርጋሕ፥ ንዝተመጣጠነ ምዕብልና ዝኸውን ግምጃ ብፍትሓዊ ኣገባብ ክዕደል። ካልኣይ ጠርናፊ ፕሮግራም ንግብራዊ ንጥፈታትን ሓባራዊ ዕላማታትን ሓባራዊ ዕላማታት ሓባራዊ ዕላማታት ንኹሎም ኣብ ልኡላውነትን ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ ብዝሃ–መንነትን ዝምርኰሱ ዕላማታት ይጥርንፉ፣ ንሳቶም ድማ እቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰብዓተ ሸቶታት እዮም። ስትራጊ ዝድለ ዘሎ ስትራተጊ ግን ንኹሎም ድላይን ዓቕምን ዘለዎም ውድባትን ሰልፍታትን ክጥርንፍ ዝኽእል ልፍንቲ ምህናጽ እዩ። እዚ ማእከላዊ ዕላማ ብገለ ጐድናዊ ፕለቲካ ተቓወምቲ ምስ ዝዕንቀፍ እቶም ድላይን ዓቕምን ዘለዎም ሓይልታት ሕጂ ተጠርኒፎም ንኤርትራን ህዝባን ከድሕኑ ምውድዳብ ከድልዮም እዩ። ዝቀላቐል ዘሎ መድረኽ “ጽኑዕ ስትራተጊ ልዝብ” ተባሂሉ ክስመ ይኽእል። እንተ ተኻኢሉ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ዝተጠቕሰ ስትራተጊ ክድግፍዎ ይጥለብ። ኣብ መንጎ ስርዓትን ተቓወምትን ዘሎ ተናቚድ ፍታሕ–ኣልቦ ዝዀውን ገዛኢ ደርቢ ከም ቀደሙ ምግዛእ ምስ ዝስእን፡ ከምኡ ድማ ንዕኡ ዝጻረሩ ሓይልታት ብኹሉ ኣገባብ ቃልሲ ክገጥምዎ ምስ ዘይክእሉን እዩ። መበገሲ “ስትራተጊ ጽኑዕ ልዝብ” ዝፍጠር ኣብ ውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ብድልዱል ኣገባብ ምስ ዝጥርነፍ እዩ። ጥርናፈ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ደገን ክትግበር ዝኽእል ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ጉዳዩ ምስ ዝዀውን እዩ። ኤርትራዊ ጉዳይ ብጐረባብቲ ምስ ዝጽለው “ስትራተጊ ጽኑዕ ልዝብ” ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ክትግበር ኣይክእልን እዩ። ጽኑዕ ስመረት ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዝፍጠር ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ዝለዓለ ናሕሱ ክበጽሕ ይኽእል። ከምኡ እውን ቅኑዕ ዝምድና ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራትን ጥርኑፍ ህዝቢ ኤርትራን ክዕንብብ ይኽእል፣ ውድባውን ህዝባውን ጥርናፈ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ምስ ዝበጽሕ ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ሓይልታትን ጥርኑፋት ሓይልታት ተቓውሞን ሰፊሕ ሃገራዊ ልዝብ ክኽፈት ይኽእል። ውጽኢት ዝተጠቕሰ ልዝብ “ኤርትራዊ ውዕል” ተባሂሉ ክስመ ይኽእል። ኣሰላልፋ ሲቪካዊ ማሕበራትን ግዴኦምን እንታይ ይመስል? ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓፋሽ ውድባቱ ንዕጥቃዊ ቃልሲ ክሳብ ነጻነት ዘበርከቶ ግደ ዘይርሳዕ እዩ። ከምኡ እውን ሰብኣዊ ማሕበራት ሰውራ ኤርትራ ንዕጥቃዊ ቃልሲ ዘበርከትዎ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ምዝጉብ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ግን ሞዴላት ሓፋሽ ውድባትን ሰብኣዊ ማሕበራትን ብሲቪካዊ ማሕበራት ተተኪኦም ይርከቡ። ርግጽ ግደ ሲቪካዊ ማሕበራት ዝንኣኣስ ኣይኰነን፡ እንተዀነ ግን ሎሚ ከም ሎሚ፡ ህዝባዊ ሰልፍታት ኣብ ጀኒቫን ኣብ ኒውዮርክን ከም ዘምስክርዎ፡ ንግደ ሲቪካዊ ማሕበራት እንዳ ተክእዎ ይኸዱ ኣለዉ። ህልዊ ኲነታት ዝጠልቦ ህዝባዊ ማዕበል ብሞዴል ሓፋሻዊ ኣወዳድባ ተሰሪዑ፡ ብጉጅለታት ተግባራዊ ንጥፈታት (Action Groups) ተመሪሑ፡ ኣብ ኩሎም ሃገራትን ከተማታትን ኣብ “ሎቢዪንግ”ን ምውጻእ ገንዘብ ንፖለቲካዊ ቃልስን ሃገራውን ደሞክራስያዊ ኣስተምህሮ ንህዝቢ ምዝርጋሕን ክዋፈር ምትብባዕ እዩ። ኣንተዀነ ግን ሲቪካዊ ማሕበራት ካብ ፖለቲካ ነጻ ኢና እንዳበሉ ከነሶም ኣብ ፖለቲካዊ ጉባኤታት ክዋስኡ ይራኣዩ፣ ብተወሳኺ እውን ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ነናቶም በርጌሳዊ ማሕበራት ኣለዎም። ቤርጌሳዊ ማሕበራት ንቓልሲ ህንጸት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ከበርክቱ እንተዀይኖም ኣገዳሲ ምርጻ ክገብሩ ይግደዱ፣ ንሱ ድማ ፖለቲካዊ ወይ ሰብኣዊ ጐደና ምምራጽ እዩ። ሲቪቢካዊ ማሕበራት ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰብኣዊ ማሕበራት ምስ ዝቕርቐሩ፡ ንሳቶም ኣይስስኑ፡ ፖለቲካዊ ማሕበራት ኣይጥጥዑ፡ ሰብኣዊ ማሕበራት ኣይዕንብቡ። ኩሉሳብ ክዝከር ዝግባእ ነጥቢ፥ ማሕበራት መንእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ፖለቲካዊ ሓይልታት እምበር በርጌሳዊ ጓርድያታት ሰብኣዊ መሰላት ጥራይ ኣይኰኑን። ግብራዊ ንጥፈታት ግብራዊ ንጥፍታት ንሰለስተ ስጒምትታት የማልኡ፡ ንሳቶም ድማ ስትራተግን ቅርጻን ትካላዊ ንጥፈታትን እዮም፥ ስትራተጊ ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ደሞክራስያውያን ኣብ “ኤርትራዊ ውዕል” ምእታው ምስ ኣብ ድያስፖራ ዝርከቡ ደገፍቲ ህግደፍ ሃገራዊ ልዝብ ምክያድ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ማሕበራዊ እብየትን ፖለቲካዊ ተቓውሞን ምውዳብ ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ተቓወምቲ ብምስጢራዊ መርበብ ምትእስሳር ንገዛኢ ኣካል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምንጻል ንኤርትራውያን ካብ ፖለቲካዊ ህጻንነትን ኣምልኮ ዲክታቶርን ነጻ ከም ዝዀኑ ምግባር ንኤርትራውያን ካብ ነጋዶ ህዋስት ሰውነተሰብ ምክልኻል ንመሰላት ኤርትራውያን ስደንያታት ምክልኻል ምስ ዓለመለኻዊ ማሕበረሰብ ጽኑዕ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምፍጣር ምንጽታት ግምጃ ምንዳይ ነዞም ዝተዘርዘሩ ዕማማት ንምትግባር ፕለቲካዊ ቅርጻን መሪሕነትን ምቕዋም ግድን ይኸውን። ፖለቲካዊ ቅርጻ ኣብ ህልዊ መድረኽ ንተቓወምቲ ሓይልታት ክጥርፍ ዝኽእል ቅርጻ “ሰፊሕ ልፍንቲ ውድባትን ሰልፍታትን እዩ ((Broad Coalition of Eritrean Political Forces) ዝተጠቕሰ ልፍንቲ ብፈጻሚ ኣካልን ማእከላውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ይቐውም፥ ፈጻሚ ኣካል ሀ) ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ለ) ቤት ጽሕፈት ዜናን ፖለቲካዊ ኣስተምህሮን ሐ) ቤት ጽሕፈት ቊጠባ መ) ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ሰ) ካብ ኣባይቲ ጽሕፈታት ዝተዋጽኤ ሽማግለ ሃገራዊ ልዝብን ድርድርን ኣብያተ ዝሕፈታት ምውሳኽ ይከኣል እዩ ዋዕላ ንኣቦ መንበራት ይመርጽ ኣቦ መንበራት ኣባይቲ ጽሕፈታት ይምረጹ ብግዴኦም ኣቦ መንበራት ኣባይቲ ጽሕፈታት ንኣቦ መንበርን ምክትሉን ጸሓፍን ይመርጹ “ሕጋዊ ኣካል” ዝበሃል ጾር ይተርፍ፣ ብውሽጣዊ ሕጊ ስራሕ ልፍንቲ ይትካእ ማእከሎት ኣብያተ ጽሕፈት ልፍንቲ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምስራቕን ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ይቐውሙ። ሳልሳይ መሰጋገሪ ፖለቲካዊ ከይድታት ድሕሪ ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ስትራተጊ ስልጣን ኣብ ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ ክመለስ ኣለዎ ክብሃል ከሎ ኣብ ኢድ እቶም ንመላኺ ስርዓት ዝተክኡ ሓይልታት (ኣብ ውሽጢ ይኹን ወይ ኣብ ደገ ዝርከቡ ተቓወምቲ) ክተርፍ የብሉን ማለት እዩ። ትሕዝቶ ስትራተጊ ሃገራዊ ልዝብ ኣብ “ኤርትራዊ ውዕል” ዘብጽሕ ክኸውን እዩ ዝድለ። ትርጉም እዚ ስትራተጊ ምእንተ ክዕወት ኣብ ደገ ዝርክቡ ጥርኑፋት ፖለቲካዊ ሓይልታት ምስ እቶም ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ደሞክራውያዊ ሓይልታት ካብ ሕጂ ምልዛብን ምትሕባርን ምጅማር ማለት እዩ። ኣብ መንጎ ውድቀት መላኺ ስርዓትን ህንጸት ደሞክራውያዊ ስርዓትን ማእከላይ (Interim Period) መድረኽ ኣሎ፣ ንሱ ድማ እቲ ካብ ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ጀሚሩ ክሳብ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ዝምረጽ ዘሎ ግዜ እዩ። ማእከላይ መድረኽ ክልተ ዕማማት ኣለውዎ፣ ንሳቶም ድማ ግዝያዊ ዕማምን መሰጋገሪ ዕማምን እዮም። ዕድመ ማእከላይ መድረኽ ዕድሜኡ ክልተ ዓመታት እዩ። ኣብ ቀዳማይ ዓመት ግዝያዊ ባይቶን ግዝያዊ መንግስትን ይቐውሙ፤ ኣብ ካልኣይ ዓመት መሰጋገሪ ባይቶን መሰጋገሪ መንግስትን ይቐውሙ። ግዝያዊ ባይቶን መንግስትን ነቲ ዝተወስነሎም ግዜን ዕማማትን ምስ ኣማልኡ፡ ነቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝምረጽ ባይቶን መንግስትን ስልጣኖም የሰጋግሩ። ቅርጻ ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ብመሰረት ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ውሽጢ ንዲክታቶር ተኪኡ ግዝያዊ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ኣካልን ሰፊሕ ልፍንቲ ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝተበጽሐ “ኤርትራዊ ውዕል” ይቀውም። ኣብ ውሽጡ ድማ ብኣቦ መንበር ባይቶን ምክትሉን ብኮሚሺናትን ይቐውም። ዕማም ግዝያዊ ባይቶ ክሳብ ዳግመ ርእይቶ ዝግበርሎም፡ ኣብያተ ፍርዲ ብህልዊ ሕግታት ይካየዱ። ግን ብብክልና ዝፍለጡ ዳያኑ ብቅኑዓትን ሰበ ዓቕምን ይትክኡ። ክሳብ ህዝባዊ ቅዋም ዝጸድቕ በቲ ተሰናዲኡ ኣሎ ዝብሃል ቅዋም ምጥቃም። ኩሎም ቅርጻታት ምምሕዳር ብወከልቲ “ሃገራዊ ውዕል” ይጠናኽሩ። ምኒስተራት ብኣባላት “ሃገራዊ ውዕል” ይምረጹ። ኮሚሽን መሬት ይቐውም። ከምኡ እውን ቤት ፍርዲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ይቐውም። ካብ ሊቓውንትን ሙክራትን ዝቐወመ ኮሚሽን ድርድር ይቐውም። ሓደ ኣገዳሲ ዕላማ እዚ ኮሚሽን ኣድማዒ ዝምድና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምፍጣር ኣዋጅ ኲናት ከም ዝልዓልን ንቡር መንግስታዊ ዝምድናን ምፍጣር። ካልኣይ ዕላማ ናይ ዝተጠቕሰ ኾሚሽን ምስቶም ኣብ ግዜ ቃልሲ ኤርትራዊ ነጻነት ምሳና ጠጠው ዝበሉ ኣዕራብ ጐረባብትና ዝምድናና ምጥንኻር እዩ። ብተመሳሳሊ ኮሚሽን ምንዳይ ሓገዝ ብሊቃውንቲ ዓለመለኻዊ ርክባትን ሙክራት ዲፕሎማትን ይቐውም። ሃገርን ሃገራውነትን ኣብ ስኒትን ምክብባርን ስለ ዝምስረት ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ንሃገራዊ ስኒት እውን ማእከላዊ ግደ ኣለዎ። ከምኡ እውን ኣብ ዝሓላፈ እከይ ዘመን ህዋሳት መንእሰይ ኤርትራን ኤርትራዊ ክብርን ሞራልን ኣብ ባይታ ስለ ዝተዛሕዝሐ፡ ግደ ዝተተቕሰ ኮሚሽን ንመጻኢ ወሎዳታት ዝሃንጽ ቻርተር የሰናድእ። ብተወሳኺ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ንእከይ ትካላት ማእቶትን ግዴታዊ ምዕስካር መንእስይ ዝስርዝን መምርሒ ዝሕንጽጽን ንኡስ ሽማግለ የቕውም። ግዝያዊ ሽማግለ ምርጻን ሕግታት ሰልፍን ንመሰጋገሪ ጉባኤን መንግስትን የቕውም። ግዝያዊ ባይቶ ኮሚሽን ቤርጌሳዊ ምሕደራ (Commission for Civil Admnistration) የቕውም። ኣብ መወዳእታን ልዕሊ ኹሉን ግዝያዊ ባይቶ ሽማግለ ንንድፊ ቅዋም የቕውም። ግዝያዊ መንግስቲ ግዝያዊ መንግስቲ ኣሳታፍን ብመትከላት ዝተመጣጠነ ውክልና ዝምራሕ ሰፊሕ ልፍንቲ ይቐውም። ቀዳማይ ዕላማ ግዝያዊ መንግስቲ ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶራዊ ስርዓት ሓደስቲ ዲክታቶራት ኣብ ስልጣን ከይውጥሑ ደሞክራስያዊ ትካላት ክመቕጽበት ምትእትታው እዩ። ካልኣይ ድሕሪ ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ኣጸገምቲ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሕብረተሰባውን ወጥሪታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክፍትሑ ስለ ዝድለ፡ ከምኡ እውን ዝርጋሔ ሰላምን ምርግጋእን ኣገደስቲ ስለ ዝዀኑ ምቛም ግዝያዊ መንግስቲ ወሳኒ ይዀውን። ግዜ መዝነት ግዝያዊ መንግስቲ ሓደ ዓመት እዩ። ዕማማት ግዝያዊ መንግስቲ ቀዳማይ፡ ዕማም ግዝያዊ መንግስቲ ትካላት መንግስቲ ካብ ወከልቲ “ሃገራዊ ውዕል” ዝተመርጹ ዜጋታት ብምዕያን ካቢኔ ምቕዋም እዩ። ካልኣይ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ንስራሕ ኮሚሽናት ይትግብር። ግዝያዊ መንግስቲ ንፖለቲካዊ ኡሱራት ይፈትሕን ይከናኸንን። ቅርጻ መንግስታዊ ትካላትን ምሕደራን ይሰርዕን የጽፍፍን። ንመንእሰያት ኤርትራ ካብ ግዴታዊ ዕስክርና ሓራ ብምውጻእ ካብ ሰደት የድሕን። ንደገኣውን ውሽጣውን ሰላምን ምርግጋእን ዝሕልዉ ስጉምትታት ይወሰድ። ንስእነት ምግብን ጥዕናን ትሕተ–ቅርጻን ዝጽግኑ ህጹጽ ስጒምትታት ይወስድ። ገለ ካብቶም ግዝያዊ መንግስቲ ኣብ ግብራዊ መዓላ ዘውዕሎም ደብተረ–ዛዕባታት ንጠቅስ፥ ንሃገራዊ ነጻነትን ልኡላውነትን ሓደነትን መሬት ኤርትራን ስምረት ህዝባን ምዕቃብ ኣብ ፍትሕን ደሞክራስን ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ስርዓት ምቛም ኣብ ክሊ ልኡላውነትን ስምረት ኤርትራን መሰላት ብሄራት ምሕላው መሰል ብሄራት ኤርትራ ቋንቋታተን ከማዕብላን ከዘውትራን ምሕላው ኤርትራ ምስ ኩለን ጐረባብታ ብሰላምን ብምትሕብባርን ክትነብር ምጽዓር ምስ ጐረባብታን ካልኦት ዓለምለኻዊ ኣካላትን ዝኣተወቶም ውዕላት ምኽባር፡ ንኽትግበሩ ድማ ምቅላስ። ኣብ መንጎ ግዝያውን መሰጋጋርን ባይቶን መንግስትን ሓደ ዓቢ ፍልልይ ኣሎ፡ ንሱ ድማ፡ ሃገራዊ ባይቶን መንግስትን ብህዝባዊ ምርጻ እዮም ዝቐውሙ። መሰጋገሪ መድረኽ ብምርጻ ውልቀ ዜጋታት (ኣባልነቶም ኣብ ትካላት ብዘየገድስ) ይቐውም። መሰል ሰልፍታትን ውድባትን ካልኦት ትካላትን ንውልቀ–ሕጹያት ስለ ከምርጹ ወፈራ ከካይዱ መሰሎም ሕልው እዩ። ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉእትና! ዓወት ንደሞክራስያዊ ለውጢ! ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ስቶኮሆልም/2015-11-17 >>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>> |
Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved