ሕጽረት ቀረብ ማይ ኣብ ከተማ ኣስመራ

ማዐከን ዜና ቢቢሲ ኣብ ኣስመራ ኣጓኒፉ ንዘሎ ሕጽረት ቀረብ ማይን ሳዕቤናቱን ብዝምልከት ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብሕጽረት ማይ ዜጋታት ማይ ንምርካብ ጀሪካናት ብምሓዝ ኣብ ሪጋ ክጽበዩ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሕጽረት ቀረብ ማይ ነዊሕ ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኮይኑ ነበርቲ እዛ ከተማ ማይ ንምርካብ ጻዕርታት ካከዪዱ መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ።

ቢቢሲ ንሚኒስተር ዜና ኣቶ የመን ገብረመስቀልን ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራን ጠንቂ ናይቲ ጸገምን ክህሉ ዝኽእል መፍትሒታትን መብርሂ ክህቡ ሓቲቱ። ክልቲኦም ወገናት መልሲ ክህቡ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። እዚ ጸገም ኣብ ልዕሊ ጥዕና ነበርቲ ጸገም ይፈጥር ከም ዘሎ ድማ ይግለጽ። ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ኣካላቶምን ክዳውንቶምን ንምሕጻብ እኹል ቀረብ ብዘይምርካቦምን ብጽሬት ዘይተታሕዙ ሸቓቓት ንጥዕና ሓደጋ ከየስዕቡ ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።

ደቁ ከፊሉ ነጻነት ዘምጽአ ህዝቢ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከምዚ ዓይነት ሕሰም ከሕልፍ ካብ ተፈርደ እቲ ፍታሕ ካብ ህዝቢ ክመጽ ይግባእ። ክብሪ ህዝብና ኣብ ንቡር ዝምለስን ብግዝ ኣተ ሕጊ ዝምሓደር መንግስቲ ንምውናን ቃልሲ ምክያድ ድማ ሓላፍነት ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ምዃኑ ብምርዳእ ሓላፍነት ንውሰድ።

ምንጪ ሓበሬታ ቢቢስ

ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ