An Assassination Attempt on President Isaias Afewerki

ብዕለት 13 ነሓሰ 2009 ከባቢ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ማይ ኣጣል ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ሞት ፈተነ ተኻይዱ፡

ኣብዚ ዝፈሸለ ፈተነ ቅትለት ፕረሲደንት ኢሳያስ ካብ ሞት ከምልጥ ክኢሉ ኣሎ። ነዚ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ዘካየደ ዜጋ ተጋዳላይ ዝነበረ ትለንተ ሃብተ ይሕደጎ ዝብሃልን ወዲ 43 ዓመት ዝኾነ፡ ኣብ ዝተኻየድ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ከም ዝተሰውአ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዳንኤል ብ1966 ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ ኣቡኡ ሃብተ ይሕደጎን ኣዲኡ ምልእተ ብጹእኣምላኽን ተወልደ። መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ ኣማኑኤል ትምህርቲ ቤት ድሕሪ ምጥንቓቕ ብ1984 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንምቅላስ ተጸንበረ። ከም ተጋዳላይ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓደ ካብኡ ድማ ከም መምህር ኣብ ትምህርቲ ሰውራ ኣገልገለ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሰራዊት ተመዲቡ ኣብ ከባቢ ሽላሎ፣ገርገርን መንሱራን ብሞያ ምምህርና ኣገልገለ። ኣብ 1990 ድማ ኣብ ክፍለ-ሰራዊት 85 ተመዲቡ ክሳብ ነጻነት ኤርትራ ኣገልገለ። ድሕሪ ነጻነት ኸኣ ኣብ ሚግረሽን ተመዲቡ ከገልግል ዝጸንሐ ዜጋ እዩ። ኣብ 2009 ደስኪልካ ብዝብል ምስምስ ካብ ስርሑ ደው ኢሉ ጸንሐ። ዳኒኤል ሃብተ ይሕደጎ ሓው እቲ ብ1996 ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንጉዳይ ፍሉይ ፍርዲ ብዝምልከት ኣገደስቲ ሕቶታት ድሕሪ ምሕታቱ ብዘይ ተፈልጠ ኣገባብ ብሓደጋ መይቱ ዝጸንሐ ዜጋ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።

ምንጪ ሓበሬታ ኣስማሪኖ መርበብ ሓበሬታ 14 ነሓሰ 2009