መርሓባ ንይኣክል ድሕሪኡ ኸ?
ኣብ ዓለም ከምቲ ”ነባሪ ረብሓ ድኣ እምበር ነባሪ ዓርኪ የልቦን” ዝብሃል ሃገራት መርገጻተን ንሃገራዊ ረብሕአን ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝኸውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እንዕዘቦ ፍጻመታት እዩ። ንኣብነት ካልኣይ ውግእ ዓለም ብስዕረት ስርዓት ናዚን ተሓባበርቱን (ጀርመን፣ ጥልያን፣ ጃፓንን ቱርክን) ምስ ተዛዘመ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ መንግስቲ ጥልያን ካብቲ ብመግዛእቲ ሒዝወን ዝጸንሐ ሃገራት ክለቅቕ ተገደደ። እተን ብጥልያን ዝምሓደራ ዝነበራ…