ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ንሕድሕድ ኲናት ትቃላዕ
ሰልፍና ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክሕብሮ ዝጸንሐ፡ ናይ ዝኾነ ኣካል ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጉዳይ ጎረባብቲ ዝካየድ ኢድ ኣእታውነት እንተኾነ እውን ዘይሕጋውን ዘይቅቡልን ምዃኑ ከነስምረሉ ጸኒሕና ኢና። እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዚካየድ ርክባት እንተኾነ እውን ዓለምለኻውን ኣህጉራውን ሕጋጋት ብምኽባር ከምኡ ድማ ክልተ መንግስታትን ባይቶታት ሃገራቶምን…