ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ድሕሪ 13 ዓመት ድምጾም የስምዑ
ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ካብ ሐላፍነቶም ተኣልዮም፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ካብ ዝኣትዉ ከባቢ 13 ዓመት ኮይኑ’ሎ። ብዛዕምኽንያት መእሰሪኦምን ኩነታት ኣተሓሕዝኦምን ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተፈላለየ ዘረባታት ክስማዕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሎሚ ግን ድሕሪ 13 ዓመት እዞም ኣቦ ድምጾም ኣስሚዖም ኣለዉ። ኣብቲ ካብ መንበሪኦም ካብ ኣስመራ ከም ዝተቐረጸ ዝግለጽ ቪድዮ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ መጀመሪ ናይቲ…