ዕደና ወርቂ ኣብ ኤርትራ ኣብ ደቂ ሰባትን ኣካባብን ዘስዕቦ ዘሎ ጸገማት !!
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ በደልን ግፍዕን፣ እዚ ኢልካ ክጽብጸብ ኣሸጋሪ ኢዩ። ሎሚ ብዛዕባ ዕደና ወርቅን ሳዕቤናቱን ኣብ ኤርትራ ኣልዒልና፣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝርከቡ ውፉያት ተቓለስቲ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝተላእከልና ብስእሊ ዝተሰነየ ጽጹይ ሓበሬታ ከነቕርብ ንፈቱ። ጉጅለ ህግደፍ፣ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ጠቕሚ ህዝብና ዘይውዕል፣ ልዑል ናይ ወጻኢ ሸርፊ (Hard Currency) ዝርከቦ፣ ዕደና ወርቂ፣ ኩባንያታት ወጻኢ፣ መሻርኽቲ ብምግባር፣ ሃብቲ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ ክቡር ማዕድን፣ ብሓላፍነት ዝጎደሎ ኣገባብ ይምዝመዝ ከም ዘሎ ርዱእ ኮይኑ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሓፈሻ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ክፍሊ ዕደና ዝሰርሑ ዜጋታትና ድማ ብፍላይ፣ ብዘውርዶ ዘሎ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ከይኣክል፣ ኣብ ጥዕነኦም ዓቢ ጉድኣት የስዕብ ብምህላዉ፣ ብዙሓት ጉዱሳት ሃገራውያን ኣብ ሕጋዊ መጋበእያታት ማሕበረ–ሰብ ዓለም ጥርዓንን ክስን ከቕርቡ ጸኒሖምን ኣለዉን። ኣብዚ መዳይ’ዚ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ብገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ዘመናዊ ባርነትን (Modern Slavery)፣ ኣብ ምቅልዕ፣ ግዱሳት ኣካላት ዓቢ ተራ ይጻወቱ ኣለዉ። ብዝገብርዎ ብዘለዉ ኣበርክቶ ድማ፣ ዓቢ ምስጋና ይብጻሓዮም። ሓደ ካብ’ዚኣቶም፣ ነቨሱን (Nevesun)ዝተባህለ ባእታ፣ ኣብ ዕደና ቢሻ ንዝነጥፍ ኮባንያ ኣብ ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ክሲ መስሪቱ ከም ዘሎ ፣ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይካኣል። ናይ ህዝብን ሓልዮት ዘለወን ሃገራት፣ ተረፍ ናይ’ቲ ዝተጻረየ ማዕድን፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባትን እንስሳን፣ ከምኡ’ውን ንብምሉኡ ኣከባቢ ጉድኣት…