ንጥፈታት ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስትራተጂ ዓዲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ
ብዕለት 18 -20 ኦክቶበር 2016 ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስትራተጂ ዓዲ ብውክልና ሕሩይ ተድላ ባይሩን ብተሳታፍነት ኣባል መሪሕነት ብርሃነ ተስፋዝግን ዝተኻየዱ ንጥፈታት እዞም ዝስዕቡ እዮም:- ቻታም ሃውስ ኣብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ኣድህቦ ብምግባር መንግስታት፣ ወከልቲ ትካላትን መራሕቲ በርገሳዊ ማሕበራትን ኣብ ክፉትን ስቱርን ክትዓት ብምስታፍ፡ ኣብ ዓለምና ማዕርነት ደቂ ሰባት ብምስፋን ምዕባሌ ንምውሓስ ዝነጥፍ ትካል እዩ። በዚ ትካል ዝተገብረ ዕድመ መሰረት ብዕለት 18 ኦክቶበር…