ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ
ዓመት ወጸ ዓመት መጸ መራሕ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሽግራቱ ብግቡእ ብምልላይ ግቡእ ፍታሕ ንኸየምጽእ ብሽሓጥን ኣደናገርትን ቃላት ኣድህቦ ህዝቢ ንምኽሳብን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ነዊሕ ምድላዋት ብዝተገብረሉን ኣቐዲሙ ብነጋሪት ዝተነግረሉን ቃለ-መሕትት (interview) ከምዝገብር ክዝረበሉን ክንገረሉን ቀነየ። ከምቲ ልሙድ ድማ ኣብ ክንዲ ንኤርትራን ኤርትራውያን ዝምልከቱ እዋናውያን ሕቶታት ምድሃብ፡ ንኣብነት ናይ ንእስነት መቓልስትኻ ኣብ ኮንተይነራት ተኣሲሮም ብዘስካሕክሕ…