ጣልቃ ምእታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ህዝቢ የመንን ጠንቅታቱን
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳያት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዝርከባ ሃገራት ኢዱ ከተኣታቱ ጸኒሑን ኣሎን። ሓደ ካብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ እዚ ስርዓት ክቐርብ ዝጸንሐ ክስታትን ከም ሳዕቤኑ ድማ ንእገዳ ዘቃልዖ ጉዳይ ነቶም ብእስላማዊ ጥሩፍነት ዝኽሰሱን ብኣልሸባብ ዝፍለጡን ኣኽረርቲ ምንቅስቓስ ሶማል ብምሕጋዙ እዩ። እምበኣር ኪኖ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝበና ዘካየዶ ዘሎ ገደብ ኣልቦ ምግሃስ መሰል ደቂ…