መራሕ ስርዓት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብጠመተ ዓለም
ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ንመራሕ ስርዓት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዝምልከት ኣብቲ ብ 11 ሓምለ 2014 ንንባብ ዘብቅዖ ሕታሙ ሰፊሕ ሓተታ ኣቕሪቡ ኔሩ። እንሆ ትርጉም ሓተታ ብትግርኛ ንነበብትና ይቐርብ። እዚ ብኣዝዩ ክቱር ኣንነትን (narcissism) ተጠራጣሪ ምዃኑን ዝልለ መራሒ ኣዝዩ ጨካንን ብዝኾነ ነገር ብቐሊሉ ዝቑጣዕን እዩ። እዚ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝኣሰረ ውልቀመላኺ ብቅሩጽ ፍርሂ (paranoia) ዝሳቐ ኮይኑ…