ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኖርወይ ዕቕባ ይሓቱ ከም ዝጸንሑ ተፈሊጡ
ህዝቢ ኤርትራ ብምሕደራ ስርዓት ህግደፍ ተበሳቢሱ ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ ኣብ ፈቐድኡ የመርሕ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሽግር ኤርትራውያን ካብተን ኣቓልቦ ብምሃብ ስደተኘታት ኤርትራውያን ካብ ዝቕበላን ዘአንግዳን ዘለዋ ሃገራት ስካንዲናቭያ ሓንቲ ኖርወይ እያ። እንተኾነ ካብቶም ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ዝድሓኑን ዑቕባ ዝረኸቡን ኤርትራውያን ዋላ ኣብ ስደት ዝነብርሉ ሸግራቶም ብምልላይ ፍታሕ ንኸየናድዩ ካብኡ ሓሊፎም ድማ ንምዝመዛ ስርዓት ህግደፍ ንክቓልዑን…