በዓል ናጽነት ንዘክሮ ግንከ ብኸመይ ኣገባብ፧
ሃገርና ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ትግዝኣሉ ዝነበረት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሰፍ ዘይብሉ በደላት በጺሖም እዮም። ንኣብነት መንግስቲ ጥልያን ንኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሊብያ ብምውሳድ መዝሓል ዓረር ኮይኖም ንኽሓልፉ ፈሪድዎም ነበረ፡ ነቶም ለውጢ ንምምጻጽ ዝተቓለሱ ሓርበኛታት ድማ ኣደዳ ስደት፣ ማእሰርቲ ናኹራ ከምኡ ድማ ሞት ጌርዎም እዩ። ምሕደራ እንግሊዝ ንመግዛእቲ ጥልያን ኣብ ዝተክኣሉ እውን እቲ ሕሱምን…