ሂውማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ኣየርአየትን ክብል ነቒፉ

written by BBC
ዓለም ለኸ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሂውማን ራይትስ ዎች፤ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ ዓመታዊ ጻብጻብ፡ ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ምምሕያሽ ኣየርአየትን ክብል ነቒፉ። ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቂ ምውራዱን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ምልዓሉን ስዒቡ፡ ኣብታ ሃገር አወንታዊ ለውጢ ክረአ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ ይብል። “እንተዀነ፡ ወላ እዚ ለውጥታት እዚ ይገበር እምበር፡ እቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ እተካይዶ ሓያል ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰታት ከተማሓይሽ ኣይተራእየትን” ክብል ኣፍሊጡ። ኣስዒቡ ሕጂ’ውን ኣብታ ሃገር፡ ነጻ ሚድያ ፡ሲቪካዊ ማሕበረሰባት፣ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ነጻ ቤትፍርዲ ዝበሃል ከም ዘየለ ሓቢሩ። ሚኒስተር ነበር ብርሃነ ኣብርሀ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ብትሪ ነቒፉ ቃለ መሕተት ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ምስ ቢቢሲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስርሑ ጀሚሩ “ብሃበተረኽበ ኣብ ቀይዲ ምውዓል ሕጂ’ውን ልሙድ እዩ” ኢሉ። ዜጋታት መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ አገልግሎት ክገብሩ ይግደዱ ምህላዎምን፤ በዚ ድማ በብእዋኑ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ዓዶም ገዲፎም ይስደዱ ምህላዎም እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ። ብኣንጻሩ ግና ኣብዚ ውሕስና ሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባት እናንቆልቆለ ይመጽእ ኣሎ ዝተብሃለሉ ዞባ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ብዝወሰዶም ስጉምትታት፤ ዓቢ ምምሕያሽ ኣርእያ ክብል እቲ ጉጅለ ይገልጽ። ቅድም ክብል፤ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ሂውማንራይትስ ዎች፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣድኒቑዋ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ክትከውን የብላን ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣይረኣኹን ኢሉ ይኹን’ምበር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዓሌታውን ዶብ መሰረት ዝገበረን ጎንጽታት ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝብታት ከምዝተፈናቐሉ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ትካላት መረዳእታ ዝቐረበ ‘ኳ እንተኾነ፡ ሂውማን ራይትስ ዎች ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይመስልን። ቅድሚ ምርጫ 2020፡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ እቶም ጎበጥቲ ዝበሃሉ ኣዋጃት ምምሕያሹ፡ እሱራት ፖለቲካ ምፍትሑን ተቓወምቲ ሓይልታት ብነጻነት ክንቀሳቐሱ ምፍቃዱን፡ ወሰንቲ ስጉምታት’ዮም ኢሉዎም። ብሓፈሻ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሰላት ሰባት እናቆንቆልቆለን ምስፍሕፋሕ ፖለቲካ እናጸበበን ምምጽኡ’ውን እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ። እቲ ትካል ከምዝብሎ እንተኾይኑ፤ ብፍላይ ኣብ ሱዳን፤ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓት ጉጅለታትን” ንጹሃት ዜጋታት ብሃበ ተረኽበ ይቐትሉ ኣለዉ። ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ኤርትራ ድሕነት ብርሃነ ኣብርሀ ከረጋግጽ ጸዊዑ ኤርትራ-ኣመሪካ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ኣለዎ ይብል ብሰንኪ ኣብዘን ሃገራት ዝካየድ ውግእን ዝፍጠር ጎንጽን፤ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዶብ ሰጊሮም ክመዛበሉ ምኽንያት ኮይኑ ድማ ይብል። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬንያ ምስ ዝተኻየደ መርጫ ተኣሳሲሩ፡ ሓይልታት ጸጥታ ካብ 100 ንላዕሊ ሰልፈኛታት ምቕታሎም፤ ደቂ ኣንስትዮ ምዕማጾምን ጋዜጠኛታት ምጥቅዖምን እቲ ጸብጻብ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኣብቲ ትካል ሓላፊ ክፍሊ ኣፍሪቃ ማውሲ ሰጉን፡ “መንግስታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላማዊ ተቓውሞታት ደው ንምባል ሓይሊ ኣብ ምጥቃም ይርከቡ” ኢሉ።

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.