ህልዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ዘካየድዎ መደረ

ሓንቲ ካብ ወከልቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝገበረቶ መደረ፡ ምኽባር መሰረታውያን መሰላት ደቂ ሰባት ሓደ ካብ እምነ ኩርናዕ መትከል ሕብረት ኤውሮጳን መሰረት ምስ መንግስታት (ንኤርትራ ሓዊስካ) ዝካየድ ፖለቲካዊ ዘተ እዩ። እዚ መሰረት ብምግባር ድማ ጥሕሰት ምኽባር መሰል ደቂ ስባት ብምልዓል ዘሎና ዕቃበታት ንዛረበሎም ኤርትራ ድማ እቶም መሰረታውያን መሰል ደቂ ሰባት ከተኽብር ከም ዘለዋ ንጠልብ። ብተወሳኺ ኤርትራዊ ሽወድናዊ ዜጋ ዝኾነ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለዉ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ንኽፍትሑ ጠለብና ነቕርብ። እዚ እነቕርቦ ጠለባት ድማ ምስ ሃገራት ኣብ ዘተ ብም እታው ንኽትግበር ጻዕርታትና ነካይድ። መትከላት ሕብረት ኤውሮጳ እንታይ ዓይነት ስርዓታት ኣለዉ ብዘየገድስ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ሓገዛቶም ብምቕጻል እቲ ዘቕርብዎ ጠለባት ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ጻዕርታቶም ከም ዝቕጽሉ ድማ ኣፍሊጦም ኣለዉ።