ሓበሬታ ካብ ውሽጢ ሃገር

ኣብ ሃገርና ብርክት ዝበሉ ዜጋታትና ብጥርጠራ ጥራይ ግዳያት ማእሰርትን ስደትን ይኾኑ ምህላዎም ዓለም ምሉእ ዝመስክሮ ዘሎ ሓቂ እዩ። ከም ሕሱም ዝጉሕጓሕ ዘሎ ሃብቲ ሃገር ኣብ ክንዲ ኣብ ረብሓ ኤርትራውያን ዝውዕል ብስም ውሑዳት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሃገር ወጻኢ ኣብ ባንክታት ይግዕዝ፤ መሬት ደቂ ሃገር ንሰብ ሃብቲ ይሽየጥ፤ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ጉልበት መንእሰያት ኤርትራ ይምዝመዝ ወዘተ ወዘተ። እዚ ኣብታ ብሕግን ስርዓትን ዘይኮነስ ብዊንታ ሓደ ወልቀ መራሕን ውሑዳት ተሓባበርቱን እትምሓደር ዘላ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ ሕሱም ምሕደራ ምዃኑ ሎምስ እቶም ምስዚ ስርዓት ንዓመታት ክትሓባበሩ ዝጸንሑ ኣባላት ከይተረፉ ክዛረቡሉን ክእመንሉን ዝጀመሩ ሓቅታት እዩ።

ኣብዚ እዋን ድማ ሓደ ዘስደምም ተርእዮ ይኽሰት ከም ዘሎ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይገልጽ። ስሩዓት ስርዓት ህግደፍ ከም ኣሰጋገርቲ ሰባት ተመሲሎም ናብ ሱዳን ከነስግረኩም ብማለት በብጉጅለ ንሰባት ብምጥርናፍ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና ወዲቦም ናብ መንገዲ ሱዳን የበግስዎም እሞ ኣብ ክንዲ ናብ ሱዳን ኣብቶም ንዕኦም ክኣስሩ ተዳልዮም ዝጽበዩ ዝጸንሑ ሰራዊት ከም ዝትሓዙ ይገብርዎም። ቅድሚ ሕጂ ስግሪ ዶብ ክኸይድ ንዝተታሕዘ ሰብ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጉንዎ እንከለዉ ኣብዚ እዋን እዚ ግን ንነፍሲ ወከብ በቲ ጐስጓስ ተደናጊሩ ቀይዲ ካብ ዝኣተወ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ካብ 25000 ክሳብ 50000 ናቕፋ ንክኸፍሉ የገድድዎም ኣለዉ። እቲ ዘገርም ዝርፋ ድማ ነዞም ግዳያት ዝኾኑ ዜጋታትና ወይ ካብ ወጻኢ ዝርከቡ ስድራቤቶም ገንዘብ ብምሕዋል ነዚ ዝተባህሎም ገንዘብ ከፊሎም ክወጹ እንተዘይኮይኑ ግን ዕጭኦም ኣብ ማእሰርቲ ቤት ምድጓን ኮይኑ ምህላዉ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ዜጋታትና ካብዚ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ጐስጓስ ክጥንቀቑ ንሕብር!!

ኤዲቶርያል ቦርድ ምንጪ ሓበሬታ ግዳያት ካብ ዝኾኑ ኤርትራውያን ዜጋታት