ሕብረት ኣውሮጳ፡ ‘ንኤርትራ ክህቦ ዝሓሰበ ልዕሊ 50 ሚልዮን ዩሮ ስሒብዎ’

Written by the BBC
ኣብ ሆላንድ ዝመደበሩ ትካል ሰባዊ መሰላት ንኤርትራውያን፡ ነቲ ኣንጻር ሕብረት ኣውሮጳ ከፊትዎ ዝጸንሐ ሕጋዊ ክሲ ከምዝሰሓቦ ኣፍሊጡ። “እቲ ውሳነ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ድሕሪ ተኸታታሊ ነቐፌታታት ‘ብሕጂ ጽርግያ የለን’ [‘no more roads’] ዝብል መርገጺ ድሕሪ ምውሳዱ’ዩ ተወሲዱ” ክብል ጠበቓ ናይቲ ተሓላቒ ጉጅለ መሰላት፡ ከነዲ ቫን ደር ላን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። እቲ ጠበቓ ከምዝበሎ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ብሕጂ ንተመሳሳሊ ዕላማ ክወሃብ ተሓሲቡ ዝነበረ ገንዘብ፡ ንካልእ መዓላ ከምዝወሃብ ኣፍሊጡ ኢሉ። ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኤርትራ ግዱድ ስራሕ ‘ኣይመወልኩን’ ይብል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ: ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዕደና ቢሻ ኣብ ካናዳ ክረአ ወሲኑ ቃለ-መሕትት ምስ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ዳይረክተር ትካል ሰባዊ መሰላት ንኤርትራውያን ኣቶ ሙሉብርሃን ተመልሶ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኤውሮጳዊ ሕብረት ብንጹር ዝተሰማምዓሉ፡ ንብድሕሪ ሕጂ ዝኾነ ኣብ ጽርግያ ዝውዕል ባጀት ከምዘይሕግዝን ከምዘይምውልን ብኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ብንጹር ኣፍሊጡ’ሎ” “ብመንጽር’ቲ ዝኸድናዮ ሕጋዊ መስርሕ፡ ብዙሓት ኣባላት ሃገራት ቅሬታአን ስለዝገለጻ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ዝገበሮ ናይ ባይትኡ ኣኼባ’ውን ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣልዒሉ ስለዝተራደዳኣሉን፡ ንብድሕሪ ሕጂ ነቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዘይቅጽሎ ስለዘፍለጠና’ዩ” ኢሉ። “ብቐንዱ ግን፡ ብመንገዲ መንግስቲ ኤርትራ ዝተሓተ ናይ 50 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝን፡ ካልእ ነቲ መደብ ቀኒዑ ዝነበረ ገንዘብን ስለዝሰሓቦን፡ ከምዘይሰዶ’ውን ስለዘፍለጠና ኢና ተሰማሚዕና ነቲ ሕጋዊ መስርሕ ጠጠው ከነብሎ ዝፈተና” ክብል ኣቶ ሙሉብርሃን ተዛሪቡ። ካብቲ ሕብረት ግን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን። ሕብረት ኣውሮጳ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ሓምለ 2018 ዝተፈጸመ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝህሉ ቁጠባዊ ርክባት ዝሕግዝ’ዩ ዝበሎን፡ ንመስርሒ ጽርግያ ዝኸውን ልዕሊ 80 ሚልዮን ዩሮ ንኤርትራ ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ተጣበቕቲ መሰላት፡ እቲ ዝተባህለ ጽርግያ በቶም ኣብ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለዉ መንእሰያት ይስራሕ ምህላዉን፡ እዚ ድማ ግዱድ ስራሕ ምዃኑን ክነቕፉ ጸኒሖም። እቲ ሓገዝ ንመግስቲ ኤርትራ ከይወሃብ ድማ፡ ሕጋዊ ምጉት ክሳብ ምኽፋት ዝበጽሐ ተቓውሞታት ከካይዱ ጸኒሖም። “ንልምዓት ኤርትራ ዝኸይድ ኩሉ ዓይነት ገንዘብ፡ ጉልበት፡ ሓገዝ፡ ሓሳብ ብምልኡ ደገፍና እምበር ተቓውሞና የብሉን” ዝበለ ኣቶ ሙሉብርሃን፡ ግሉጽነት ኣብ ዘይብሉ መዓላታትን፡ ንምዝመዛ ዜጋታትን ዝውዕል እንተኾይኑ ግን ኣትሪሮም ከምዝቃወምዎ ገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትካል ሰባዊ መሰላት ንኤርትራውያን ጥርዓኑ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምስ ኣቕረበ: ኣፈኛ ናይቲ ሕብረት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ሕብረት ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዘይድግፍን፡ ኩሎም ፓሊሲታቱ ሰባዊ መሰላት ማእከል ዝገበሩ ምዃኖምን ገሊጹ ነይሩ። ሰዊዘርላንድ ‘ኩነታት ሰባዊ መሰላት ንምምሕያሽ’ ንኤርትራ ገንዘባዊ ደገፍ ትህብ መንግስቲ ኤርትራ ‘ግፋ መንእሰያት ደው ከብሎ’ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ “እቶም ኣብቲ ፕሮጀክት ዝሰርሑ ሰባት ብዝግባእ ይኽፈሉ ምህላዎምን ግቡእ ኣተሓሕዛ ይግበረሎም ምህላዉን ንምርግጋጽ፡ እቲ ፕሮጀክት ጥቡቕ ምቁጽጻር ክግበረሉ እዩ” ኢሉ ምንባሩ’ውን ይዝከር። እንተኾነ ግን እቲ ሕብረት ነቲ ጥርዓን “ዕሽሽ ብምባል” ኣብ መዛዘሚ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተወሳኺ ናይ 60 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ብምግባሩ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዶሞ። እዚ ፕሮጀክት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንግዲ ዘደንፍዕን ንዕብየት ክልቲኡ ህዝብታት ሓጋዚ ምዃኑን ኣውሮጳዊ ሕብረት ይገልጽ። በዚ ድማ ነዚ ሓገዝ ምቅዋም ንልምዓትን ምዕባለን ኤርትራን ህዝባን ምጽራር ምዃኑ ዝገልጹ ወገናት ኣለው። ይኹን እምበር፡ ዋላ’ኳ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ኣየር ርክባት እንተሃለወን፡ ዶባተን ዳግም ካብ ዝጽዕጾ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ብሰንኪ’ዚ ድማ ንግዳዊ ርክባት ክሳብ ሕጂ ዘይምጅማሩ ነቲ ዝተፈረመ ሰላም፡ ዘይምሉእ ገይሩዎ ኣሎ። ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብመሰረት ኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ዝተዋህበ ከባቢታት “ተጎቢጡ” ኣሎ ክብሉ መረሮም ኣስሚዖም ነይሮም። መንግስቲ ኤርትራ፡ “ሓያሎ ናይ ፓሊሲ ለውጥታት ክመጽእ ይኽእል’ዩ” መንግስቲ ኤርትራ፡ ብምግሃስ መሰረታዊ ሰባዊ መሰላት፡ ግዱድ ዕስክርናን ግዱድ ስራሕን ክኽሰስ ምጽንሑ ይፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ንኤርትራ “ንምስይጣን” ዝዓለመ ክስታት’ዩ ብምባል’ዩ ዝነጽጎ። ሕጂ’ውን፡ “ንጉዳይ ግዱድ ስራሕ ኣብ ኤርትራ መርመራና ክቕጽል ምዃኑን፡ ሓደስቲ ጭብጥታት እንተ ተረኺቦም ድማ ደጊምና ነቲ ጉዳይ ክንምለሶ ኢና” ክብል ዳይረክተር ናይቲ ትካል ኣቶ ሙሉብርሃን ተመልሶ ኣጠንቂቑ። እቲ ንምህናጽ ጽርግያ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ 80 ሚልዮን ዩሮ፡ ብመገዲ ንግዳዊ ትካል ህግደፍ ዝኾነ ኩባንያ ንግዳዊ ኮርፖሬሽን ቀይሕ ባሕሪ ዝመሓደር ምዃኑ ተወሳኺ ምጥርጣራት ከምዝፈጠረ ይግለጽ።