መልሲ ንነጋድራስ ዳዊት ገብረዝጊኣብሄር ዘቢሄር ትግራይ፡ ኢትዮጵያ።

እዚ ክቡር ነጋዳይ!!!!

ኣብ ሃገሩ ዝተርኽበ፡ ሕግን ስርዓትን፡ መሰል ሓሳብ ናይ ምግላጽ፡መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ፖለቲካ ኢትዮጵያን፡ ሕቶን ርእይቶን፡ ኮነ ትዕዝብቱን ክህብ ካብ ዝጅምር ዓመታት ኮይኑ ክብል እደፍር። ሕጂ ድማ፡ ትዕዝብቱ ናብ ኤርትራ ገይሩ ኣሎ። እንተኾነ፡ እኹል ኣፍልጦን፡ ሓበረታን ስኢኑዶ! ይኸውን? ወይስ ከም ድላየይ፡ ተዛሪበ መን ከይሓተኒ? እንተድኣ ኮኑ መደረኡ! እምምምም!!!! ክንብሎ።

ተመሊስካ ትርእዮ፡ ገዲፍካዮ ኣይትእቶይብሉ፡ ኣድከመ ምልጋእ። ወዲእካ ኣይዝረብን፡ ንጽባሕ ዘሕፍረካ ኣይትግበር፡ ማለቶም እዮም

ክቡር ነጋድራስ ዳዊት፡

ኣብ መደረኡ፡ “ቁጠባ፡ ማዕቀብ፡ ብደቂ ወጻኢ፡ ኣብ ሃገር ኤርትራ ዘሎ ሓለዋ ፖሊስ፡ ሰበ ስልጣን፡ ብእግሮም ይኸዱ፡ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ብእግሮም ይኸዱ፡ ሓጽቢ፡ መንገዲ ክሃንጹ ይውዕ፡ ኣብ ደገ ኮንካ ዝስማዕ፡ ሓቅነት ዝጎደሎ ምኻኑ፡ ብዓይንኻ ክትርእዮ ከልኻ ግና ካልእ ኮይኑ ረኺበዮ፡ ሰላም ኣብ ኤርትራ ዝኸበረ ሰላም ኣሎ፡ ኤርትራውያን ካብ ስደት ተመሊሶም ሃገሮም፡ ክሃንጹ ይጽዉዕ…….ወዘተ” ኢሉ ኣስምዔ።

ከም ድልየትካ ይኹነልካ፡ ከይንብል ግን

ንህዝቢ ትግራይ፡

ከምቲ ወሪዱና ዘሎ፡ ሓሳረ መከራ፡ ኣብ ዓለም ዘይተራእየ፡ ግፍዕን፡ ሕጊ ኣልቦነትን፡ ጭካነን፡ ማእሰርትን፡ ድንቁራን፡ ጥምየትን፡ ሕማምን፡ ኣብያተ ትካላት ክዕጾን፡ ገዛዉቱ ዝተሃነጹ ክፈርሱን፡ ቤት ፍርዲ ዘይብሉ ሃገር ጸይሩ ዝሓድር ዘሎስ፡ ቀጺሉ፡ ስደትን ከልበትበትን፡ ህልቀት ኣብ ዶብን፡ ብውሕጅ ክውሰድን፡ ኣብ ፈቐዶ ሰሃራን፡ ክመውትን፡ ኮላሊቱ እናተዘቆ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ክሽየጥ እናውዓለ፡ ኣብ ሲናይን፡ ሊብያን ጅሆ ተታሒዙ፡ ከም ኣድገ በቅሊ፡ ክሽየጥ ይውዕል ከምዘሎ፡ እናራኣናስ!!! ኣብ ኣውራጃ ሽረ ካብ እንዳባጉና፡ ሕንጻጽ፡ ማይ ዓይኒ፡ ዓዲ ሓርሽ፡ ዶብ ካብ ዝኸፋት፡ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ሓደሽቲ ስደተኛታት ከም ዝሰገሩ (UNHCR) ከም ዝመጹ እናተፈለጠ፡ ከም ኣፍካ ይኹነልካ  ክንብል፡ ናይ ሓራም፡ ሓራም፡ ዓገብ ከማና ኩኑ ኣይንብልን። እንካዕ ህዝቢ ትግራይ ካባና ዝሓይሽ ገበሮ። ስለዚ ህዝቢ ትግርይ ዕቑባ ኮይኑና ኣሎ።  ህዝብና ናብ ሓው ከይዱ ከዕቅል ክኢሉ ኣሎ። ኩልኻ ሓደ ኣይትኹን፡ ክብል እደፍር።

ክቡር ነጋድራስ፡

ኣፍካ ጥዑም ተዛረበሉ፡ ኣይትበድዓሉ ቃል ኣድከመ ምልጋእ። ግዜ ሂቡኒ ኢልካ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ብመርትዖ ዘይድገፍ፡ መደረን ዘረባን፡ የፍኩስ እዩ። “ሕማቕ ዘበን ባዓል ጋዕሳ ኣለዋ” ከም ዝባሃል፡ ነጋድራስ ዳዊት ህውሓት ዝጽዓሩሉን፡ ዝተሰውእሉን፡ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቕዋም፡ ብሕግን ስርዓትን፡ ሓጋጊ፡ ባይቶ፡ ተርጋሚ ሕጊ፡ ቤት ፍርዲ፡ ብቐዳማይ ምኒስተር፡ ዝምራሕ መራሕ መንግስቲ፡ ፈጻሚ ኣካል፡ ብባይቶ ዝሽመን፡ ብባይቶ ዝወርድን፡ብምግባሮም፡ ዝምስገን ስርዓት ስለ ዝተኸሉ፡ ኣዋጆም ድማ ነጋዳይ ክነግድ፡ ተማሃይ ክመሃር፡ ሰብ ሞያ ብምያኦም ኣብ ሃገሮም፡ ክሰርሑን ክነብሩን ገይሮም፡ ውጽኢት ናይ እዚ ፍርያት ድማ ህያው ምስክር ብምልዮ ዝቑጸር ንበርት ከጥሪ ዝኸኣል ኣይተ ዳዊት፡ ክኢሉ ኣሎ።

እንተኾነ ግዳ፡ ንነገድራስ ከዘክሮ ዝደሊ፡ ኤርትራ ከም ሃገር፡ ብቕዋም ዘይትምራሕ፡ ብሕግን ስርዓትን፡ ዘይትዳነ፡ ዘለዋ ብዓል ስልጣን ኤርትራ፡ ረሲዕካዮዶ ትኸውን። አዚ ንጉስ ኤርትራ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጅሆ፡ ሒዙ፡ ከም ኣብ ጋብያ ዝኣተወት ደርሆ፡ ገይርዎ፡ ኣብ ዝደለዮ ሰዓትን ዕለትን፡ ንማሕረዲ ዝጽበ ህዝቢ ኮይኑ ከም ዘሎ ክሕብረካ። እዚ ድማ፡  ህዝቢ ኤርትራ ንገድ ነጋዳይ፡ ሕረስ ሓረስታትይ፡ ኣጽንዕ ተማሃራይ፡ ዝብል ኣዋጅ እንተዝህልዎ፡ ዓዱ ንድሕሪት ገዲፉ፡ እግረይ ኣውጽእኒ እናበለ፡ ሃገሩ ገዲፉ፡ ንኽጠፍእ፡ ዝዓበየን ዝነኣሰን ንስደት ከምርሕ ፈትዩዶ ይመስለካ/። ዝተሓተ ቅዋም እንተዝሕሉ ህዝቢ ምተቐበሎ፡ ምነበረ ነይሩ።

እንተኾነ “ዓሻ ዝተኸሎ፡ ለባም ነይነቕሎ ከም ዝባሃል፡ እቶም ቃልሲ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ዝመስረቱ፡ ዘጽኑሕልና ሕጊ፡ እንሆ የብርሰና። እንተ ብጉርሒ፡ እንተ ብፍርሒ ሕጊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ከምዚ ይብል።

ብቕዋም ህዝባዊ ግንባር ዝተጻሕፈ ስልጣን ፕረሲደንት፡ ከዚ ይብል።

ዋና ጸሓፊ ወይ ፕረሲደንት፡ ክሸይም፡ ከውርድ፡ ክቕንጥጥ፡ ከደስክል፡ ክኣስር፡ ክቐትል፡ ምሉእ ስልጣን ኣለዎ ዝብል በትረ ስልጣን ሒዙ፡ ንሃገር ኤርትራ፡ ኣብ ምንታይ ከምዘእተዋ ተዓዘብ።

ተጻራሪ ርእይቶ ንዘቕረበ፡ ማን ሰብ ብጩቕ ዝበለ እናተመንጠለ ይነብር ኣሎ።

1. ነጋድራስ ዳዊት፡ “ማዕቀባ” ብውጻእተኛታት ዝተገብረ ማሕንቆ እዩ። ከመይ ገርካ ረሲዕካዮ፡ ኣብ . ሶማል ዝገበሮ ኢድ ምትእትታውዶ ኣይኮነን?

2. መዕቀባ ብስንኪ ኣብ ጁቡቲ ኢድ ብምእታው ጎበጣ ስለ ዝገበረዶ? ኣይኮነን?

3. ግህሰት መሰል ደቂ ሰብ፡ ብዘይ ኣግባብ ማእሰርቲ፡ ህላውነት ኣሉነት፡ ምርሻን ኣብ ዶባት፡

4. ዓፈና ንህዝቢ ብዘይ ፍርዲ ማእሰርቲ

5. ግዱድ ዕስክርና ገደብ ኣልቦ ካብ 18 ወርሒ ልዕሊ 20 ዓመት ኣገልግሎት

6. ሓዳር ኣልቦ ሕብረተሰ ምፍራይ ዘስዓበዶ ኣይኮነን?

7. ኤርትራውያን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ቤት ማእሰርቲ ዘይተኣስሩለን ዉሑዳት እየን፡ ብኽንደይ ጸበባ ይሓልፉን፡ ይእሰሩን፡ ከምዘለዉ ዝህብዎ ምስክርነትዶ? ዓለም ኣይረሲዓቶ እያ?  ብሃገር ደርጃ ጠያቒ ዘይብሉ ዜጋ ኤርትራዊዶ! ኣይኮነን?

8. ዓለም ዘስካሕከሔ ህልቀት ማእከላይ ባሕሪ ላምባዱሳ ኢጣልያ፡ ንጳጳስ ፍራንሲስ ዘብከየ ከመይ ገርካ ነጋድራስ ትርስዖ?

9. ኤርትራ ዝተሓተ ደርጃ ትምህርቲ ዘለዋ ሃገር ምኻናኸ ትፈልጥዶ?

10. ሳኣን ሕክምና ክንደይ ሰብ ኣብ ዘይዕድሜኦም ከምዝተቐዝፉኸ ትፈልጥዶ?

11. ካብ ዓድ ኻላ ንመንደፈራ ቕጫ ወይ ብሒቕ ከምዘይሓልፍ ትፈልጥዶ?

12. ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ዓስከር ኢሳያስ እዩ። ፖሊስ ብምሉእ እቲ ህዝቢ እዩ። ጋሻ ድማ ከምዝ ከማኻ ስቡሕ ኣብ ኤርትራ የልቦን። እቲ ሓለዋ ናባኻትኩም ዝጠመተ እዩ።

13. ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ሰለስተ ሚእትን ሱሳን ቤት ማእሰርቲ ከምዘሎ ለሊጥካዶ?

ንለባም ኣምተሉ፡ ክንደይ ከይስሕቶ፡ ንዓሻን ደጉሓሉ ክንደይ ከይፈልጥቃል ኣድከመ ምልጋእ

ነጋድራስ፡ዳዊት፡ ብዛዕባ ኢንቨስትመንት ኣልዒልካ፡ እቶም ኣውፈርቲኮ! ኣብ ሕግን ስርዓትን ዘለዎ ሃገር፡ ምሁር ሰራሕተኛ ዝርከቦ፡ መሳለጥያታት ዘለዎ ሃገርዶ! ኣይኮኑን ዝመርጹ? ኢሳያስ ሃገርን ንክልተ ሚእቲ ዓመት ንድሕሪት ከም ዝመለሳ፡ ብዓይንኻ ኣስመራ፡ ባጽዕን፡ ዝርኣኻዮ፡ ምስክርነት እዩ። ኣበይ ኣሎ እቲ ሓቂ? ኣበይ ኣሎ እቲ ፍትሒ? ዳዊት!!!!!!!!!

ኣይተ ዳዊት!

ወዲ ለባምን፡ ወዲ ጭዋታትን፡ ከመይ ኢሉ እዚ ዝተዛረቦ ክዛረብ ክኣለ? ኢለ ደጋጊመ ሓሲበ፡ እንተኾነ፡ ወድ ሰብ ብዓይኒ መኽሰብ እንተድኣ ኮይኑዝሓስብ፡ ፍትሓውነት ይርሳዕሞ! ህርፋን መኽሰብ ይዕብልል፡ ስለ ዝኾነ ኣይተ ዳዊት መኽሰብዶ! ንኣእምሮኡ፡ ብርሃን ንኸይርኢ፡ ስስዕቲ መኽሰብ ብትኽክል፡ ጉዳይ ኤርትራ ንኽይርኢ ጋሪድዎዶ! ኽብል?

ዘይ ስንኻ ሑጻ ቖርጥመሉ

ኤርትራውያን፡ ፍትሕን ስርዓትን ተሓሪምዎም፡ ነጋዶ ናብ ዱበይ፡ ጁባ፡ ሩዋንዳ፡ ኣንጎላ፡ ዩጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ክዝሩ ከለዉ፡ ሰብ ሙያን፡  ሰብ ትምህርትን፡  ወይ ኣካዳሚክስን፡ ኣብ ስደት፡ ንኽነብሩ  ኣብ ዘይ ሃገሮም ከገልግሉ ይርከቡ ኣለዉ።

መናእሰይ ኤርትራ ድማ ካብ እንዳብጉና፡ ጀሚርካ፡ ናብ ሕንጻጽ፡ ማይ ዓይኒ፡ ዓድሓርሽ፡ ኣዲስ ኣበባ ዘለው ቁጽሮም ኣይዋሓደን፡ ኣብ ክንዲ ትምህርትን ዕብየትን ዝሓስቡ ኣበይ መዕለብየይ ክብሉ ይዉዕሉን፡ ይሓድሩን ኣለዉ። እቶም ብዝኸበደ ሓሳረ መከራ ኣብ እስራኤል ዘለዉ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ሎሚዶ ጽባሕ የፋኑዉና ናበይ ኢና እንኸዶ? ክብሉ ይርከቡ። ኣብ ኤውሮፓ ዘለው መናእሰይ ኣይ ካብ ትምህርቲ፡ ኣይ ካብ ስራሕ ሰንፈላ ዘለዎ ብዙሓት እዮም። ኤርትራውያን ሰላም፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ስለ ዝዓፍተዎምዶ! ይኾኑ ዓደም ንድሕሪት ገዲፎም ዉርደት መከራን ዝመርጹ ዘለዉዶ! ትብል? ብዘይ ናብራ ሓዳር ከይገበሩ፡ ወዶም ኮነ ጓሎም ዕድመ ዝፈርዩሉ ከም ዝመሓላለፎ ዝገበረ ስርዓት፡ ሓጽቢዶ፡ መንገድዶ ሰሪሑ፡ ትብልሲ ህዝቢ ዘይብሉ ሃገር እንታይ ማለት አዩ? ክቡር ዳዊት?

ነጋድራስ!

ሓደ ህዝቢ ኢና ካብ ተባህለ ሓጹር ኣየድልየናን ኢልካ። ሓደ ህዝቢ ምኻና ንዓኻ ነጋሪ ኣየድልየካን፡ ኣብ ኩሉ ስለ እትውለድ። ወይስ ሕጂ ዓማጺ ኢሳያስ ኣብ ሃዋሳ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ዶር ኣቢ፡ ምስ በለ እንተድኣ ኮይኑ ተገሊጹልካ የሕፍር።

ሓደ ህዝቢ ምኻና ካብ ኢሳያስ ትምህርቲ ኣየድልየናን፡ ወለዶና ኣዳቒቕና ስለ እንፈልጥ። እንተ ኾነ “ ተፋቐር ከም ሓው ተሓሳሰብ ከም ጓና” ከምይ ይጠፍኣካ። ገገዛና፡ ዓዓድና ሒዝና ብሕግን ብስርዓትን፡ ክነብር ንኹልና ረብሓ ምዃኑ ንኣምን። ብዘይ ቀይዲ ወይ ልጓም ዘይብሉ ፈርስ ምህላል ግና ንኹልኻ ኣይጥዕሙን እዩ። ዝነብር ርክብን ምክብባርን ዘጥፍኤ መን ምዃኑ እናፈለጥካ “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ” ገበርካዮ። “ቁስላና ኣይንሕከኽ” ኢልካ ። ፍትሕውነት ዘይብሉ ኣዘራርባ ንማንም ዘርብሕ ከምዘይኮነ ክንጸር ኣለዎ። እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ጉያ ጉያ ሰላም ንግዜ ንግደፎ።ንሓቀኛ ሰላም ክንጽዕረሉ ጸኒሕና ኢና።

ነጋድርስ ዳዊት! ግዜ ሂቡኒዩ፡ ከም ድላየይ ዘይዛረብ፡ ገንዘበይ ኣብ ዓዲ ሸፋቱ ከፍስስ ከልካሊ የብለይን ዝብል ኣተሓሳስባ ሒዝካ እተድእ ትምድር ኣሊኻ? ኣቦይ ስብሃት ሰሚዖምዶ? ኣይተ ስየ ኣብራሃ ሰሚዖምዶ? ዶክተር ደብረጼንከ ሰሚዖምዶ? እናበልኩ እሓትት።

ወድ ሰብ ቅድመኻ ብዙሓት፡ ፈቲኖምን፡ ሓሊፎምን እዮም እሞ! ሓላፊ ምኻንካ ዘክር”  ይብል ቃል ፍላስፋታት። ጽቡቕ ስም ድማ ኣብ ዕዳጋ ኣይግዛእን፡ ወድሰብ ብጻማ ጻዕሩን ድኻሙንስ ዝርኽቦ እዩ።

ምስ ምሉእ ኣኽብሮት!!!!

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ዘቢሄረ ሰራየ!!!!!!

ዓድ ዃላ፡ ማይጻዕዳ፡ ሰራየ።ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ሰሜን ኣመሪካ