መርሓባ ንይኣክል ድሕሪኡ ኸ?

ኣብ ዓለም ከምቲ ”ነባሪ ረብሓ ድኣ እምበር ነባሪ ዓርኪ የልቦን” ዝብሃል ሃገራት መርገጻተን ንሃገራዊ ረብሕአን ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝኸውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እንዕዘቦ ፍጻመታት እዩ። ንኣብነት ካልኣይ ውግእ ዓለም ብስዕረት ስርዓት ናዚን ተሓባበርቱን (ጀርመን፣ ጥልያን፣ ጃፓንን ቱርክን) ምስ ተዛዘመ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ መንግስቲ ጥልያን ካብቲ ብመግዛእቲ ሒዝወን ዝጸንሐ ሃገራት ክለቅቕ ተገደደ። እተን ብጥልያን ዝምሓደራ ዝነበራ ግዙኣት ሃገራት (ንኣብነት ሊብያን ሶማልያን) ነጻነትን ክቕበላ እንከለዋ ኤርትራ ግን ብምስምስ ፈደረሽን ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ከምትኣቱ ተገብረ። እዚ ብውዲት ሓያላን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ፈደረሽን እንተኾነ እውን ኣብ ሓጺር እዋን ብስርዓት ሃይለስላሰ ፈሪሱ ኤርትራ ድማ መበል 14 ጠቅላይ ግዛት ተባሂላ ተሰምየት። ኣብ ሃገርና ዕላውያን ቋንቋታት ብኣምሓርኛ ክትካእ እንከሎ ባንዴራ ኢትዮጵያ ድማ ንበይና ከም ተንበልብል ተገብረ። በዚ ኣገባብ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ናብ መግዛእቲ ተሰጋገረት። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ጥልመት ምስ ርኣየ እቲ ዝነበሮ እንኮ ምርጫ ብረታዊ ቃልሲ ብምክያድ ሃገርካ ነጻ ምውጻእ ምዃኑ ብምግንዛብ ናጽነት ኤርትራ ክዉን ንምግባር ረዚን መስዋእቲ ከፊሉ እዩ። ጊዜ ሓሊፉ ጉዳይ ፈደረሽን ንረብሓ ኤርትራውያን ዘይኮነ እንታይ ድኣ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ሓያላት ሃገራት ንምውሓስ ከም ዝነበረ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ካብቶም ተዋሳእቲ ዝነበሮ ዲፕሎማሰኛታት ነዚ ሓቂ ገሊጾሞ እዮም።   ኤርትራ ብብረታዊ ቃልሲ ነጻ ምስ ወጸት ኣብ 1993 ብዝተኻየደ ረፈረንደምን ልዕሊ 99.8% እወ ንናጽነት ምድማጽን ጉዳይ ልኡላውነትና ሕጋውነት ለቢሱ ሃገርና ድማ ኣባል ሕቡራት ሃገራት ክትከውን በቕዐት። ብድሕሪ እዚ ፍጻመ እቲ ኩሉ ኤርትራዊ ብሃረርታ ዝተጸበዮ፡ ካብ ሕጂ ንኔው ብቅዋምን ቅዋማዊ ስርዓትን እትምሓደር ሃገር፤ ክብሪ ኩሎም ዜጋታት ብማዕረ ዝሕለወሉ ኵነት፤ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብዘይ ዝኾነ ስግኣትን ምግሃስ መሰላትን ድማ ንኽምሃር፣ ክሰርሕ፣ ክገይሽ፣ ክነግድ፣ ክሓስብን ክምህዝን ኣብ ሕቶ ምልክት ዘይኣቱ መሰላቱ ንክኸውን እዩ ዝነበረ። ኣብ መጀመርያ ጊዜ ናጽነት ዝርአ ዝነበረ ጌጋታት ”ደቅና ሕጂ እንድዮም ካብ በረኻ ኣትዮም፣ ጌና ልምዲ ዘየጥረዩ” ወዘተ እናተባህለ ጊዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንዝርኣዩ ዝነበሩ ጌጋታት እናኣረመ ኣብ ንቡር ሂወት ከሰጋግረና ብዙሕ ህዝቢ ብምህንጣይ ተጸብዩ እውን ነበረ። እቲ ብኣንጻሩ ዝተራእየ ቀስ ብቐስ ውለቀ መላኺ ስርዓት ሓደ ሰልፊ ዘይኮነ ብቐንዱ ወለቀ ምልክነት ሓደ ሰብ ምዃኑ እውን እናተጋህደ ሀገር ድማ ካብ ሒማቕ ናብ ዝኸፍአ ከተንቆልቁል ጀመረት። እወ! ሕጊ ዘይብሉ ስርዓትን ልጓማ (ፍሬኖ) ዘይብላ መኪናን ውዒሎም ሓዲሮም ናብ ገደል ምዃኖም ምስትብሃል ንባዕሉ ልቦና እኮ እዩ። እምበኣር ካብ ድሮ ናጽነት ኣትሒዞም ዓገብ ዝበሎ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ዜጋታት ክጽረፉን ዘይስሞም ክውሃብ እንከሎ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበሩ ድማ ዕጫ ምድስካል፣ ምእሳር ካብኡ ሓሊፉ ድማ ቅትለት ኣጓነፎም። ገሊኡ ስለ ዘይተረድኦ ንነዊሕ እዋን ምስዚ መርዛም ስርዓት ህግደፍ ክጕዓዝ እንከሎ ገሊኡ ግን ፈሪሁ ወይ እንታይ ገደስኒ ኢሉ ወይ ድማ ደይ መደይ ኢሉ ንህዝቢ ኤርትራ ብመረጼን ስርዓት ህግደፍ ብምርኣይ ኣብ ምብታኑን ምጽናቱ ኣጅጉኡ ሰብሲቡ ዝተዋስአ ውን ኣይተሳእነን። ኣቲ ኣቐዲሙ ዓገብ ዝበለ ከም ዜጋ ኣብ ልዕሊ ሃገሩን ህዝቡን ዝወርድ ዝነበረ ኣደራዐ እናኣጉሃዮ እኳ እንተነበረ ብውሑዱስ ናይ ሕልና እሱር ከይኮነ ክጉዓዝ ግን በቒዑ እዩ። ወዮ ወዲ ድሙስ ነይገድፍ ግብረ እሙ ከም ዝብሃል ውልቀ መላኺ እቲ ኣብ ሳሕል ዝለመዶ ምቕንጻል ደቀባት ኤርትራውያን ሃገር ምስ ተቖጻጸረ ድማ ብሰፊሑ ድኣ ቀጸሎ። ዋላ ነቶም ዝድግፍዎን ስርዓቱን ከጸባብቑ ህርድግ ዝብሉ ደገፍቱ ከይተረፈ ግዳይ ናይ ምሕደርኡ ኮይኖም ቀረብቶምን ኣዝማዶምን ከም ኩሉ ወዲ ሃገር ክስደዱን ክብተኑን ድኣ ተራእዩ። ኤርትራዊ ክሳብ ዝኾነካ ነዚ ስርዓት ተቓውሞ ወይ ደግፎ ትርጉም የብሉን ኤርትራዊ ስለ ዝኾነካ እኳ ጸላኢኡ ጌሩ ኣለልዩካ እዩ። ናተይ ዘይበለካ ድኣሞ ብኸይ ኣገባብ ናተይ ክትብሎ። ካብዞም ደቂ ውሻጠ ኮይኖም ክድግፍዎ ዝጸንሑ ውልቀ ሰባት ንጠላም መልሓስ ውልቀ መላኺ ከመላኹዑ ዶብና ከይትሓንጸጸ ዕርቂ የለን! ክብሉ ከም ዘይጸንሑ ወዮ ሓድሽ መራሒ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ከነተግብሮ ድልዋት ኢና ኢሉ ምስ ኣፍለጠ ካብ እቲ መንግስቲ እየ ዝብል ስርዓት ህግደፍ ክውሃብ ዝነበሮ መልሲ ”መርሓባ! ሃየ እምበኣር ነዚ መስርሕ ብምክያድ ምሕንጻጽ ዶብ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ነተግብሮ። እቲ ብድሕሪኡ ዝህሉ ርክባት ድማ ከም ክልተ ልኡላውያን ሃገራት ኣብ ሕጋዊ ስምምዓት ብዝምርኮስ ጥራይ ይካየድ” ኣብ ክንዲ ምባል። ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብዚ እዋን ቀዳምነት እንህቦ ምርግጋእ ሃገረ ኢትዮጵያ ድኣ እምበር ምሕንጻጽ ዶብ ኣይኮነን እውን ተባሂሉ። ደቂ ህዝቢ ዝበልዐ ሰንካም ውግእ ንምንታይ ተጀሚሩ ኣብ ምንታይ ከ ተዛዚሙ??? እዚ ሂወት ኣሽሓት ዜጋታት ዝበልዐን ተሓታቲ መን እዩ ዝብሉ ሕቶታት ከይተመለሱ ወዮ መራሕ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ሓደ ህጻን ብናይ ቅብጥሮት ስሙ ”ኤሱ” ተባሂሉ ክጽዋዕ ምጅማሩን ”ኣይከሰርናን ዘጥፋእናዮ ነገር እንተኔሩ ድማ ኣምሊስናዮ ኢና” ድኣ በለ! ወይ ጉድ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ ድማ ”መደመርና ማካፈል” ዝብሉ ኣምራት ክቕልቀሉ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን እንተኾነ እውን ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት መደመር ማለት ዓሰብ ምክፋል ምዃኑ ድማ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተሓበረና። ኣብዚ ዘበነ ግርምቢጥ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕግታት ዲፕሎማሲ ጥራይ ዘይኮነ ሕግታት ኣሪትመቲክ ክቕየሩ ዝፍተኑ ዘለዎ እንተኾነ እውን ንረብሓ ኤርትራን ኤርትራውያንን ከም ዘይኮነ መግለጺ ዘድሎ ጉዳይ ኣይኮነን። እሞ ካብዚ ዝዓቢ ብልኡላውነትን መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ምጥላዕ ዝዓቢ ጥልመት ኣ ኣበይ ኣሎ!? ኣብ ጉዳይ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ክንምለስ። ሎሚ ከም ትማሊ ኣይኮነን። ዝዳናገር የልቦን። ክዳናገር ዝደሊ እንተሎ እውን ምኽንያት የብሉን። ኮይኑ ግን ወልቀ መላኺ ”ብዘይ ቀልዓለም ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ስልጣነይ ኣረኪበካ ኣለኹ” ኢሉ ልኡላውነት ሃገርና ከረክብ እንከሎ ከይተረፈ እውን ኣይፋሉን ከምኡ ማለቱ ኣይኮነን ዝብሉን ሕልንኦም ከደንቁሩ ዝደልዩ ግን ኣይተሳእኑን። እቲ ሓፋሽ (silent majority) ኣብዚ እዋን ብሓባር ይኣክል ኢሉ ኣሎ። ድሕሪ ይኣክል እምበኣር ተሪፉ ዘሎ ሓዞ ሓዞ ምባልን ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብን እዩ!!! ነዚ ንምዕዋት ግን ካብ ተመኩሮ ኣብ ግምት ከነእትዎም ዝግቡኡና ነገራት ኣለዉ። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ በብዓዱ/ ከተምኡ ይጠርነፍ ኮሚቴ ድማ የቑም። እዛ ኮሚቴ ካብቶም ተቐማጦ ናይታ ዓዲ/ከተማ ብህዝቢ ይምረጹ። ብኸምዚ ኣገባብ ካብ ህዝቢ ብዝተመርጹ ኣካየድቲ ኮሚቴታት ዝተጠርነፈ ህዝቢ ይህልወና። እተን ዝቖማ ኮሚቴታት ኣብ ሞንግአን በብሃገሩ ርክባት ክፈጥራን ከምኡ ኣቢለን እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዘለዉ ጥርናፈታት ቃልስና ምውህሃድን ምስቲ ኣብ ሃገርና ተጓሃጊሩ ዘሎ ማዕበል ሓቢርና ነዚ ብሓደ ወልቀ ሰብ ዝእዘዝ ናይ ጥፍኣት ምሕደራ ካብ ሃገርና ሓንሳብ ንሓውሩ ምሕካኽ እዩ። ነስተውዕል! ህዝባዊ ማዕበላት ቅድሚ ሕጂ እውን ተላዒሎም ኔሮም እዮም እንተኾነ ብውልቀ ሰባት ክጭወዩ ክፈርሱን ከም ዝተራእዩ ኣብ ግምት ብምእታው ሕጂ እውን እዚ ተላዒሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ከይጭወ ንሕና ንፈልጠልካ፣ ተሞኩሮ ኣሎና፣ ሰብ ጽሩራ ዝነበርና ኢና ወዘተ ዝብሉ ግላዊ ረብሕኦም ዘቐድሙ ወይ ድማ ልኡኻት ዝተፈላዩ ሓይልታት ፈቐዶ ዓዲ ብምኻድ ኣብ ስልጣን ክውጥሑን ማዕበል ህጅዝቢ ክጨውዩን ካብ ዝደልዩ ውልቀሰባ ምጥንቃቕ ጥራይ ዘይኮነ ብኣግኡ ደው ምባሎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ እሞ ኣብ ዝካየድ ምጥርናፍ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ይግባእ። ይኣክል ዝብል ጭርሖ ህዝቢ ኣብ ሓዞ ሓዞ ዝብል ተግባራዊ ዕማም ነሰጋግሮ! ልኡላውነት ሃገር ሕጂን ንመጻእን ውሑስ ይኹን! ኤርትራውያን ዝኸብሩላ ኤርትራዊት ሃገር ንምውሓስ እጃምና ነበርክት!