መርጌታ ኣብራሃም!!!

መርጌታ ኣብራሃም!!!
ሕጂዶ!!!ይሓይሽ????
ማሰዶ!!!ይሓይሽ!!ወይስ ወዮ!!!
ዓው ኢልካ ዘይብከዮ! ኩሉ ወዮ!!!
ስራሓን ተግባሩ ማሕዮ!!
በል እንሆ! ደኒንካ ብኸዮ።  ኣማኒ እየሱስ፡ ኣቦይ ብምባሉ
ኣቦና ከይጽምዎም ተባሂሉ
ስድራ ከምጽኡ ኣሻሓት ዝኸፊሉ
ገዛ ንኸይጸቦም ገፊሕ ደለይሉ
ኣቦና መይቆም ኢልካ ተዓሊሉ
ካብ ክራይ ኣውጺእካ ገዛ ተግዝኣሉ
ናይ መርገታስ  ንበይኑ ጥልመት ዝበዝሓሉ
ኣብ ክንዲ ምርቓ፡ ንኣማኒ ዘንብዕሉ።

መርጌታ ሃዋርያነት ረስዖ
ማይድጋም ኮነ ብመብጽዖ
ትምህርቲ ወንገል ብስልዖ
ሃተምተም መባእ ከም ቃጽዖ።

መርገታ ኣብራሃም ወዲ ማእከል
መሲልዎ ከምድልየትካ ዝኽለል
ሂስቶን ብሕግን ብስርዓትን ይግልገል
ይድንጊ ድኣምበር ብሕጊ ዝደላደል
ዓማጺ ብመዓልቱ ብሕጊ ይግለል።

መርገታ ዘይሰምዑ ምኽሪ
ይሓይሽዶ! ንኽትዓትር ጓህሪ
ባንኪ ኣቃባይ ገንዘብ ሕድሪ
ስራሕኩም ኮይኑ ኣነዋሪ
ኣለዉ ከማኹም ሃቀንቲ ንነውሪ
ትምህርቲ ይኹን ንካህናት ወቃሪ
ተትሰምዑ ናይ ለባማት ምኽሪ
ኣይምመጸን ፖሊስ መባራሪ
ሕጊ ንዝጥሕ ሕጊ መኽበሪ
ንዝተረፉ ይኹኖም መምሃሪ።

ተውህዶ ሂስቶ ተበዲሎም
ሃዋርያ ጋነን ተሰኪሞም
ዓመታት ሓሊፉ ተመቒሎም
ገብሪኤል ብስራታዊ መጺእሎም
ንዓማጺ ካብ ቤቶም ኣርሒቑሎም
ንዝመጽእ ዘበን ብሓባር የርህወሎም።

ሕግን ስርዓትን ይንገስ!!
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!! ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 30 ሰነ 2017