መንግስቲ ኖርወይ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ደጊሙ ክረአ ምሕታቱ ንብዙሓት ኣሻቒሉ

Written by BBC
ዳይሬክተር ኢምግሬሽን ኖርወይ፡ ብምድንጋር ዑቕባ ዝረኽቡ ስደተኛታት ንምቅላዕ ዝሕግዝ ኣሰራርሓ ከተኣታቱን ንሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ደጊሙ ክርእይን ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ሓቲቱ። እቲ ጉዳይ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ዛዕባ፡ ነቲ ሕጊ ናይ ስደተኛታት ናይታ ሃገርን፡ ሕቶ ዑቕበኦም ቅቡል ክንሱ ኣንጻር እቲ ዑቕባ ንኽረኽቡ ዝቐረብዎ ጥርዓን ዘይሳነ ተግባራት ዝገብሩ ፈሊኻ ንምውጻእ ዝዓለመ ምኳኑ እዩ ዝንገር።     ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ኣብ 2014 ኣብታ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ንዝነበሩ ስደተኛታት፡ ኣንጻር እቲ ዝሓተትዎ ዑቕባ ብመንገዲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ይኣትው እዮም ብምባልን ኢትዮጵያውያን ክንሶም ኤርትራውያን ኢና ኢሎም ዑቕባ ዝረኸቡ እንተኣለው ንምቁጽጻር ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከይገሹ ዝኽልክል እማመ ምጽዳቑ ይዝከር። ኣብዚ ወርሒ እዚ ከኣ ንፈተነ ናይ 150፡ ሕቶ ዑቕባኦም ቅቡል እዩ ዝተብሃለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳዮም ዳግም ክርአ ዝጽውዕ እማመ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ተቐማጢት ኖርወይ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ዘቢባ ነጋሲ ናይዚ ሓድሽ ውሳነ መበገሲ ምስ ጽምብል 25 ዓመት ምጅማር ሃገራዊ ኣገልግሎት (ሳዋ) ዝተኣሳሰር ምዃኑ’ያ ትገልጽ። ብስግረዶብ ዝወጽኡ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እንታይ ይሕተቱ? “ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀልጢፉ ዝውዳእ መሲሉና ነይሩ” ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዓይኒ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ኖርወይ ዝተኻየደ በዓል፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ተሳቲፉ ከም ዝነበረ እትዛረብ ዘቢባ “ብዙሓት ኣብዚ [ኖርወይ] ነበርቲ ኤርትራውያን ወተሃደራዊ ክዳውንቲ ተኸዲኖም ናይ ሳዋ ዘንጸባርቕ በዓል ገይሮም” ትብል። እዚ ምስቲ ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓትትሉ ዝጋጮ ምዃኑ ድማ ትሕብር። መንግስቲ ኤርትራ ብኣዋጃት ሕዳር 1991 ከምኡውን ሕዳር 1995 ዝደንገጎ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 18-45 ዓመት ዝርከቡ ኤርትራውያን ን18 ኣዋርሕ ንሃገር ከገልግል ዘገድድ ሕጊ ኣሎ። ድሕሪ ምጅማር ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ግን እቲ ን18 ኣዋርሕ ዝብል ሕጊ ብዘይ ወግዒ ስለ ዝተረፈ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠንቂ ስደት ብዙሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ምዃኑ ይዝረብ። መንግስቲ ኤርትራ ምኽንያት ምንዋሕ እቲ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክገልጽ እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ንኤርትራ ዝተበየነ መሬት ስለዘይወጸት ስግኣት ኣሎና ዝብል መግለጺ እዩ ዝህበሉ። ኤርትራዊ ደራሲ እስቲፋኖስ ገብረሚካኤል፡ መንግስቲ ኖርወይ ንስደተኛታት ዝህቦ ዜግነትን ሕቶ ዑቕባን ዳግማይ ርእዩ ክስርዞ ሓላፍነት እንተለዎ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ “ሓደ ሰብ ዑቕባ ክሓትት ከሎ ዝሃቦ ሓበሬታ ግጉይ ኮይኑ እንተተረኺቡ ወይ ንሕጊ ናይ ስደተኛ እንድሕሪ ኣፍሪሱ” ክሕደግ ከም ዝኽእል የብርህ። ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኖርወይ፡ ኣስታት 25 ሽሕ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን ከም ዘለው የመልክት። እዚ ሕጂ ክትግበር ተወሲኑ ዘሎ ምጽራይ ነቶም ኣብታ ሃገር ተዓቚቦም ዘለው ኤርትራውያን ብዙሕ ኣሻቒልዎም ከም ዘሎ ዘቢባ ትዛረብ። “ነቲ ስደተኛ ኮይኑ ህይወቱ ዝገብር፡ ዝመሃር፡ ዝሰርሕ ንዕኡ’ውን ክትንክፎ ስለ ዝኽእል፡ ጽቡቕ ስእሊ ኣይኮነን፤ ንኹላትና ይስምዓና እዩ” ኢላ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ቅድሚ ሕጂ፡ ናብ ኤርትራ ዝመላለሱ፡ ሕቶ ዑቕብኦም ቅቡል ዝነበረ ስደተኛታት፡ ኣስማቶም ብመንገዲ ኢ-መይል ናብ መንግስቲ ክሕበር ክጉስጎስ ከም ዝጸንሐ ዝሓበረ ኣቶ እስቲፋኖስ፡ ሕጂ ግን ብዝተፈለየ መልክዕ ይስርሓሉ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። “ኤርትራውያን ሓበሬታ ክህቡሉ ዝኽእሉ፡ መርበብ ሓበሬታ እዩ ተዳልዩ ዘሎ። ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ዝኾነ ነዚ ሕጊ ዘፍርስ ሰብ ሓበሬታ ዘለዎ ኣብኡ ኣትዩ፡ ሓበሬታ ክህብ ተሓቲቱ ኣሎ።”