ማሰ!!!! ማሰ!!! ማሰ!!!! ደሚሒት!!!!!!! ሔዚ!!!!! ዲንቒ!!!!!!!!!!!!!!!!!

ኣይተ ኢሳያስ ወዳጀ ግርማ!! ወዳጀ ዕጥቂ

ንኩናትዶ!! ይስነቕ በራሚል ኣረቂ

ብዘይ ሕድገትዶ! ይመጽእዩ! ዕርቂ

ሓሶት እንተተደመረ!! ኣይኸውን ሓቂ

ስርዓት ሸፍትነትኩም! ፈኾሰ ካብ ጨርቂ

ስራሕኩም! ኮነ ሓሶት! ምስ ስርቂ

ሃገርና ገበርኩማ፡ ናይ ውላድ ድርቂ።

ወዮም ዞምደሚሕት፡ እጢ መሓዛኹም

እዚ ኣይተ ሞላ! ወዲ ኣይተ ኣስገዶም

ኣብ ኣስመራ ዝምጨን ኣብ ማእከሎም

ንጀነራላት ኤርትራ ብዓይኑዩ! ዝኾሎም

ድምብርጽ! ዘይብሎ! መርጢጡ ዘሽኖም

ዓቢ እዮም፡ ንናይ ኤርትራ! ሰብኣይ! ሰብ ኣዮም።

ኣንታ!ሞላ! ኣንታ! ቆልዓ ትግራይ

ነዚ ደፋር ትዕቢተኛ! ዓፍራ ጥራይ

ነዚ ጨካን! ጸላኢ ህዝቢ ትግራይ

ቀንጠጥካዮ ዝባኑ ዘይለብስ ዳሕራይ

ኣኪቡ ይጻረፍ ምስ በዓል ዛህላይ ማህላይ

ከቢድ ንፋስ ኣእተኻሉ ገርካ ሕሪሕራይ።

ኣይተ ሞላ!!! ከም ወለዱ ጋቢ ተጎምጉሙ

ጥበበኛ! ናይ ኣይተ! ኣውዓሎም ዝቐደሙ

ንጣልያን ዘጽደፍዎ ብጥቕልሉ ኣቃሚሙ

ጅግንነት ትግራይ! ትግሪኚ! ዘቐድሙ

ኩናት ዓድዋ! ብራእሲ ኣሉላ ተዛዚሙ።

ወዲ በዝብዝ ካሳ!!ወዲዞም ኣሉላ

ወዲ ኣይተ! ኣስገዶም ኣንታ! ሞላ

ኣብ ኣስመራ ነበርካ! ምስዞም ሽላምላ

ምስዞም ጠለምቲ! እምነት ዝጎደላ

ኤርትራ ዘርካያ! ታሕታይ! ላዕላ

ጸለለል ኣእተኻሉ! ነዚ ከዳዕ ጙሒላ።

ጅግንነት ኢትዮጵያ ዝነበረ ካብ ጥንቲ

ምስክሩ ናይ ኣኽሱም ሓወልቲ

ንትርኩን!! ንግራኝ!!! መባረርቲ

ንግብጺ ደገምዎ ብጉራደ ዘመቲ

ንጣላያን ቀርደድዎ! ከም ሽጉርቲ

ዛንታ ዶጎዓሊን!! ዛንታ ዓድዋን ነገርቲ

ክፈልጥ ንዝደሊ ይመርምር መዛግብቲ።

ኣንታ ሞላ! ገሊህካዮ! መንድዓት ኤርትራ

መዋጣወጢ! በትሪ ትብሃል! ነበርካ ኣብ ኣስመራ

ገለን በሉ ኤርትራ! ምስ ኢትዮጵያ! ክጽምብራ

ኣብ ፍርሒ እንዳ ነበረ ህዝቢ ኤርትራ

ከሰስቲ እውን! በሉ!፡ንደቅና! ገበርወን ኣመንዝራ

ፈቐድኡ እናተቐትሉ! ቆላዑ ኤርትራ

ተዓዚብካ እንታይ ከም ዝሕሰብ ኣብ ኣስመራ

ስራሖም ዝኾነ ናይ ውድቀት! ናይ መከራ!

ብትብዓትካ!! መዓንጣኦም ተኾምቲራ

ዝቑጸር ዘይብሎም በጀካ ጉራ! ምስ ዓፍራ

ኣጸቢቖም ይስተዩ!! ኣረቂ ምስ ቢራ።

ሓላፍነት ዘይስከሙ እዞም ሸፋቱ

ኣቐዲሞም! ጀሚሮሞ! ብጊሓቱ

ህዝቢ ንኸይ ሓስብ መደንቆርቱ

ዕግርግር እምበር ሰላም ዘይፈቱ

ብጥምየትን! ብኩናት ንህዝቢ መጽነቱ

በጀካ ኣብ ቂምን! ኣብ ጽልእን ዝጸሎቱ

ተናዒቑ! ይነብር ካብ ዓለም ብሒቱ

መንእሰይ ተባሪሩ ሃገርና ጸኒቱ።

ሞላ እንተኾነ ሰሪሑ ብትብዓት

ከምቲ ዝጸንሔ ናይ ሃገሩ ጽንዓት

ኣርእዩዋ! ንዓለም ስለያዊ ጥበባት

ኣብ ከብዲ ጸላእቱ፡ ዝጥምጠም ከም ቅናት

ኣብ ሕምብርቲ ኮነ፡ ኣብ ባይቶ ኣብ ቅርዓት

ኣቐዲሙ ዝጥምት፡ ብዓል ድርብ ጸዓት

ንሃገርካ ኣድሒንካያ፡ ካብ ስዉር መዓት

ተሓወስ ምስ ህዝብኻ፡ ተኻፈል ኣብ ልምዓት።

ዉድቀት ንማፍያ! ህግደፍ

መጥፋእቲ ሃገር

ዓወት ንደልይቲ ፍትሒ!!!

ሃይለ ገብረ ትንሳኤ

ዘብሄረ ሰራየ

(ኤርትራዊ)

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 16 መስከረም 201