ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ

ንዕለት 23 ሰነ 2016 ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ብኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ተዳልዩ ከምዘሎ ብመርበብ ሓበሬታታት ክቃላሕ ጸኒሑ እዩ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ በቶም ውሑዳት ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ገበን ብመርማሪ ኮሚሽን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ድሕሪ ምርግጋጹ እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማም እቶም ኣብዚ ገበን ውዒሎም ዝብሃሉ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ብዝፈጸምዎ ገበን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ንክሕተቱ ዝተረፈ መስርሕ ምዝዛም እዩ። እዚ ተኣፋፊ እዋን ንኹልና ዜጋታት ካብ ዘሰክመና ታሪኻዊ ሓላፍነት፡ ነዞም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ብሕጊ ተሓተቲ ንምግባሮም እጃምና እናገበርና ሃገርና ድማ ኣብ ዳግማይ ሓደጋ ከይትወድቕ ብሓባር እህም ምህን ኢልና ጉዳይና ክንፈትሕን ኩሉ ህዝብና ዝኸብረላ ሃገር ንምውናን ክንበቅዕ ጌና ዝጽበየና ዘሎ ዕማም ብምዃኑ ብልቦናን ኣስተውዕሎን ክንሰርሕ ከም ዘሎና እዩ።

ብሕጊ እትምሓደርን ህዝባ ብኽብሪ ዝነብረላ ሃገር ንምውሓስ ንቃለስ!

ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ! ኤዲቶርያል ቦርድ