ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ብደለይቲ ፍትሒ 26 ሰነ 2015

ኣብዚ እዋን ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሉእ ዓለም ተቓሊሑ ካብ ኩሎም ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ዝኾኑ ሃገራት፣ ኣህጉራውያን ውድባትን ትካላትን፡ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ የብቅዕ ብማለት ስርዓት ህግደፍ ነቲ ክወስዶ ዝጸንሐን ዘሎን ምግሃስ መሰል ደቂ ሰባት ደው ንምባል ኣድላዪ ስጉምትታት ክውሰድ ጠለባቶም የቕርቡ ኣለዉ። ኣቲ ኣብ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወይዘሮ ሺላ ኪታሩት ከምኡ ድማ ኣብ ባይቶታት ጀርመን፣ ዓዲ እንግሊዝን ካልኦት ሃገራት ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ደው ንምባሉ ዝካየዱ ዘለዉ ጻዕርታት ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይክኣል።

ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ ኣደራዕ ንምቅላዕን ንምኹናንን ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዞም ክቃለሱ እንከለዉ ብኣንጻሩ ድማ ስርዓት ህግደፍ ካድራቱ ናብ ፈቐዶ ሃገራት ብምዝርጋሕን ማሕበራትን ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ብምቁጽጻር ጉጅለ መሪሕነት ህግደፍ ንዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ብምኽዋል ሃገር ትምዕብል ኣላ፣ እቶም ዝቃወሙና ዘለዉ ሃገራት ቀኒኦምልና እቶም ንስለ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝቃለሱ ዝነበሩ ደቂ ሃገር ድማ ከድዓት እዮም ኣይትስምዕዎም ዝብል ጸለም ብምዝርጋሕ ካብቲ ዝቃለሱሉን ዝሓልይሉን ህዝቢ ንምንጻል ዘይትኣደነ ጎስጓስ ተኻይዱ እዩ። እንተኾነ ከምቲ በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን ዝብል ምስላ ኣበው፡ እወ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ሳላ ብትብዓት ዝተቓለሱ እንሆ ስቓይ ህዝብና ዓለም ብዓለሙ ክርድኦን ካብኡ ሓሊፉ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ደው ንኽብል ተቓውምኦም ከስምዑ ካብኡ ሓሊፎም ድማ ስጉምትታት ንኽውሰድ ኣብ ባይቶታት ሃገሮም ክዛረቡሉ ጀሚሮም። እንተ እቲ ብሓሶትን ብዝተፈላለየ ረብሓታት ተደኲኑ ዝጸንሐ ደምበ ህግደፍ እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ንጹሃት ዜጋታትና እናሓደግዎ እቶም ብዝተፈላለየ ረብሓታት ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝወገኑ ኸኣ እናተቐልዑ ክመጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ሎሚ ሳላ እቲ ዘይሕለል ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ደምበ ደለይቲ ለውጢ እናሰሰነ ከይዱ እዩ፡ ምስቲ ብመትከል ኣብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ደው ብምባል እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ! ሕጊ ይንገስ! ዲክታቶርያዊ ስርዓት ብግዝኣተ ሕጊ ብዝምእዘዝ ስርዓት ይተካእ! ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንስለ ከብቅዕ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተመረጽ ባይቶን ብቕዋም ዝምሓደር መንግስቲ ይሃሉ! ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ መሬቱ ጎይታ ድኣ’ምበር ጊላ ውሑዳት ኮይኑ ክነብር ኣይነፍቅድን! ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታትን ካብ ብርኪ ህዝቢ ዝወጹ ዜጋታትና ብዘይ ምስልካይ ጨሪሖም እዮም። ሕጂ ድማ ናብ ጀነቭ ብምኻድ ቃል እቲ ኣፉ ዝትዓብሰ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን ቃልና እነስምዓሉ ሰላማዊ ሰልፊ ተጸዊዑ ኣሎ። ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ ፍልልያትና ዘይኮነ ሓድነትና ዝንጸባረቐሉ ከምኡ ድማ ነቲ ኩልና ደቂ ሃገር እንጽበዮ ዘሎና ራህዋ ንኽመጽእ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እንስጉመሉ ኣጋጣሚ እዚ ተጸዊዑ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብምዃኑ ንምዕዋቱ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ኣለዎ። እቶም እንኽእል ኣብኡ ብኣካል ብምውዓል እቶም ዘይክኣልና ድማ እንኽእሎ ደገፍ ብምግባር እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዕዉት ንስለ ክኸውን እጅገና ሰብሲብና ክንሳተፍ ይግባእ። ኣብቲ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ብዝያዳ እቶም ክሰምዑና ትጽቢት እንገብረሎም ዘሎና መራሕቲ እታ ሃገር ብዝርድእዎ ቋንቋታት ዝተጻሕፉ ጭርሖታት ብምሕንጋጥን ነቲ እንደልዮ መልእኽቲ ብግቡእ ንስለ ክበጽሕ ድማ ብጽሑፋት ይኹን ኣብኡ ብኣካል ቀሪቦም ከረድኡ ዝኽእሉ ዜጋታት ብምቕራብን ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ንክኸውን ኣዳለውቲ ግቡእ ምቅርራባት ክገብሩ ይግባእ።

ስቓይ ህዝብና ዝሓጽረሉ እዋን እናተቓረበ ይመጽእ ኣሎ። ንሕና ከም ህዝቢ ዝህልዉና ፍልልያት ብዘየገድስ ሓንቲ ኤርትራ ስለዘላትና ሓድነታን ቀጻሊ ህላዌኣን ንምውሓስ እጃም ኩሉ ዜጋ ሕጂ ይጥለብ ኣሎ። ካብ ድሕሪ ምእላይ እዚ ስርዓት እንታይ ዝኸፍአ ክመጸና ኢልና ካብ ኣብ ራዕዲ ምንባር ነቲ ዝመጽእ ለውጢ ብምድላው ውሑስ ምስግጋር ናብ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትግባር ዝክኣል በብውልቂ ዘይኮነ ብሓባር ስለዝኾነ ነዚ ብሓባር ምስራሕ ባህሊ ከነተኣታቱን እሂን ምሂን ክንብል ድማ እዚ መድረኽ ዝጠልብና ዘሎ ኩነት እዩ’ሞ ነዚ ኣስተብሂልና ንስራሕ እቲ ንብህጎ ዘሎና ቅዋማዊን ደሞክራስያውን ስርዓት ከነውሕስ ናይ ምርድዳእን ምጽውዋርን ባህሊ ብምትእትታው ብሓባር ንመስራሕ ድልውነትና ብምርግጋጽ ኣብ ስራሕ ብዘይ ውዓል ሕደር ክንኣቱ ይግባእ።

እምቢ ንምልኪ እወ ንፍትሒ!

ሕጊ ይንገስ!

ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ዕውቱ ንስለ ክኸውን እጃምና ነበርክት! ኤዲቶርያል ቦርድ