ሲፒጄ፡ ንኤርትራ ብሳንሱር ኣብ ቅድሚት ሰሪዑዋ

Written by BBC
ኤርትራ ብሳንሱር (መመያ) ኣብ ዓለምና ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ምዃና ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት፡ ሲፒጄ፡ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ግን ንጸብጻብ ሲፒጄ ኣመልኪቱ ብትዊትር ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣልጀዚራን ሲፒጄን ብዘይ እኹል መጽናዕቲ ንኤርትራ ‘ካብ ሓበሬታ ዕጽውቲ እያ’ ምባሎም ሓሶት እዩ ኢሉ።     እቲ ንነጻነት ፕረስ ዝጣበቕ ትካል፡ ማእሰርቲን ዓምጻጺ ሕጋጋትን፡ አኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝግበር ምክትታል፡ ኣብ ቀረብ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ንዘሎ ቀይድታት ብምግምጋም ነቲ ዝርዝር ከም ዘዳለዎ ይሕብር። ንኤርትራ ሰዒበን፡ ሰሜን ኮርያን ቱርክመኒስታንን በዚ ጉደይ ኣብ ቅድሚት ከም ዝስርዓ ዘርእይ እቲ ጸብጻብ፡ ካብ ኣፍሪቃ ኤርትራን ኢኳቶርያል ጊኒን [መበል ሻሙናይ] ጥራይ እዩ ኣብተን 10 ሃገራት ኣካቲቱ ዘሎ። ብመሰረት ዓንቀጽ 19 ናይ ዓለምለኻዊ ኣዋጅ ሰባዊ መሰላት፡ ኵሉ ሰብ ሓበሬታ ናይ ምርካብን ሓሳቡ ናይ ምግላጽን መሰል ከም ዘለዎ ዘዘኻኸረ እቲ ጸብጻብ፡ እዘን 10 ሃገራት ንነጻ ሚድያ፡ ብምኽልካል ወይ ብጽኑዕ ብምቁጽጻርን ጋዜጠኛታት ሱቕ ንምባል ምፍርራሕ፡ ምእሳር፡ ዲጂታውን ኣካላውን ምክትታልን ካልእ ዓይነት ምስርጣይን ብምዝውታር፡ ነቲ ዓለምለኻዊ መትከል ዕሽሽ ከም ዝበልኦ ይገልጽ። ኤርትራ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ካብ ዝኣሰራ ሃገራት ሓንቲ ተባሂላ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣሰሮ ጋዜጠኛ ንክፈትሕ ተሓቲቱ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ዝነቅፍ ሚኒስተር ነበር ብፍላይ ኣብተን ኣብቲ ዝርዝር ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ሰለስተ ሃገራት – ኤርትራ፡ ሰሜን ኮርያን ቱርክመኒስታንን፡ መራኸቢ ብዙሓን ልሳን ናይ መንግስቲ ኮይነን ከም ዘገልግላን፡ ዝኾነ ነጻ መድያ ካብ ወጻኢ ሃገራት ከም ዝካየድን ሓቢሩ። ናብተን ሃገራት ክኣትው ዝፍቀደሎም ሒደት ጋዜጠኛታት’ውን ብቐረባ ምክትታል ይግበሎም እዩ ይብል እቲ ጸብጻብ። ክሳብ 1 ታሕሳስ 2018 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኤርትራ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝኣሰረት ሃገር ምዃና እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻቡ ምግላጹ ይዝከር። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2001 ንኹለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ንመብዛሕትኦም ኣዳለውተን ብዘይ ፍርዲ ኣሲርዎም ይርከብ። መራኸቢ ብዙሓን ብመንግስቲ ከም ዝውነን ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ትካላት ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ፍርሒ ብነጻነት ስርሖም ከም ዘይሰርሑ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ኣማራጺ ምንጭታት ሓበሬታ ዝኾና ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝፍነዋ ናይ ሳተላይትን ናይ ኢንተርነትን ሬድዮታት ብሰንኪ ዓፈናን ኣዝዩ ድኹም ኣገልግሎት ኢንተርነትን ተበጻሕነተን ውሱን ምዃኑ’ውን ሓቢሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና “ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ልዕሊ ኩሉ ዝስራዕ ምዃኑ” ብምግላጽ ነቲ ክስታት ይነጽጎ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፤ ኣብ ብትዊትሩ፡ ንኣልጀዚራን ሲፒጄን ዝነቐፈ፡ 91 ሚእታዊት ካብ ኣብ ከተማ ዝርከብ ኣባይቲ ናይ ኤርትራ ኣገልግሎት ኣብ ‘ሳተላይት ተለቪዥን’ ልዕሊ 650 ዓለምለኻውያን መደበር ተለቪዥናት ከምዝከታተል ኣብ 2017 ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዘመልክት ብምሕባር’ዩ።