ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ድሕሪ 13 ዓመት ድምጾም የስምዑ

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ካብ ሐላፍነቶም ተኣልዮም፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ካብ ዝኣትዉ ከባቢ 13 ዓመት ኮይኑ’ሎ።

ብዛዕምኽንያት መእሰሪኦምን ኩነታት ኣተሓሕዝኦምን ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተፈላለየ ዘረባታት ክስማዕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሎሚ ግን ድሕሪ 13 ዓመት እዞም ኣቦ ድምጾም ኣስሚዖም ኣለዉ።

ኣብቲ ካብ መንበሪኦም ካብ ኣስመራ ከም ዝተቐረጸ ዝግለጽ ቪድዮ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ መጀመሪ ናይቲ ቁርቁስ ከብርሁ ከለዉ፡ ይፍታሄ ዲሞጥሮስ ዝተባህለ ልኡኽ መንግሰቲ ንቤተክርስትያን ክመርሓ ከም ዝበለን ንሶም ድማ ቤተክርስያን ኣይድያቆን ኣይካህን ጭዋ ኣይመርሓን ኢዩ ኢሎም ከም ዝተቓወሙ የረድኡ።

ይኹን እንበር ነዚ ናቶም ውሳኔ ይፍታሄ ኣይተቐበሎን። ኣብ ኣኼባ ቅዱስ ሲኖዶስ ነቲ ጉዳይ ኣብ ዘልዓልዎ፡ ጉባኤኛታት “መንግስቲ ዝገበሮ እንታይ ግበሩ ትብሉና” ክብሉ ቃል ከም ዝሃቡ ድማ ይዛረቡ።

ባ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ካብ ሐላፍነቶም ተኣልዮም፡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ካብ ዝኣትዉ ከባቢ 13 ዓመት ኮይኑ’ሎ። ብዛዕምኽንያት መእሰሪኦምን ኩነታት ኣተሓሕዝኦምን ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝተፈላለየ ዘረባታት ክስማዕ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ሎሚ ግን ድሕሪ 13 ዓመት እዞም ኣቦ ድምጾም ኣስሚዖም ኣለዉ። ኣብቲ ካብ መንበሪኦም ካብ ኣስመራ ከም ዝተቐረጸ ዝግለጽ ቪድዮ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ መጀመሪ ናይቲ ቁርቁስ ከብርሁ ከለዉ፡ ይፍታሄ ዲሞጥሮስ ዝተባህለ ልኡኽ መንግሰቲ ንቤተክርስትያን ክመርሓ ከም ዝበለን ንሶም ድማ ቤተክርስያን ኣይድያቆን ኣይካህን ጭዋ ኣይመርሓን ኢዩ ኢሎም ከም ዝተቓወሙ የረድኡ። ይኹን እንበር ነዚ ናቶም ውሳኔ ይፍታሄ ኣይተቐበሎን። ኣብ ኣኼባ ቅዱስ ሲኖዶስ ነቲ ጉዳይ ኣብ ዘልዓልዎ፡ ጉባኤኛታት “መንግስቲ ዝገበሮ እንታይ ግበሩ ትብሉና” ክብሉ ቃል ከም ዝሃቡ ድማ ይዛረቡ።     መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያናት ልዑላውነት ኤርትራ ክኽበር ጸዊዖም ክፍፍልን ዉህደትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ መርቆሬዎስ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ኤርትራ ድሕሪ’ዚ ሲኖዶስ ኣብ ልዕሊኦም ሽዱሽተ ገበናት ክስታት ከም ዝመስረተ፡ “እዚ ድማ ሕጊ ኣፍሪሶም ንዓይ ከየቕረቡ፡ ባዕላቶም ከሰስቲ ባዕላቶም ፈረድቲ ኮይኖም፡ ገበነኛ ኢሎም ካብ ፓትሪያርክ ኣውሪዶም ተራ ፈላሲ ክትከውን ኢሎም ኣልዮምኒ” ይብሉ። Image copyrightUSCIRF ድሕሪ’ዚ ከም ዝተኣስሩ ዝገለጹ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ኣብቲ ዝነበርዎ ናይ ገዛ ማሕዩር ሓይልታት ጸጥታ ምስ ሓደ ካህን መጽዮም ንኹሉ ንዋቶም ማለት መስቀሎም፡ መጽሓፍቶም ከምኡ’ውን ኣልባሳቶም ብሓይሊ ብመኪና ጽዒኖም ከም ዝወሰድዎ ሓቢሮም። ኣብቲ ግዜ ከም ዝጠቐስሎም እዚ ነቲ ካብ ስርዓት ወጻኢ ዝሽምዎ ሐድሽ ፓትሪያርክ ንክኸውን ኢዩ ተመዲቡ። ይኹን እንበር ንብረቶም ክሳብ ሕጂ ኣበይ ከም ዘሎ ከም ዘይፈልጡ ገሊጾም። ካብ ኣፍልጥኦም ወጻኢ ምስ ሲኖዶስ ከም ዝተዓርቁን፡ ጌግኦም ከም ዝኣመኑን ዝጉስጉስ ብዘይእሙናት “ሓሰውቲ” ዝበልዎም ዝግበር ዘመተ ኩሉ ካብ ፍቃዶምን ፍልጠቶምን ወጻኢ ምኻኑ’ውን ገሊጾም። ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ዝወሰዱ፡ ናብቲ ተሓይሮምሉ ዝነበሩ ገዛ ኣብ ዝመጽሉ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ እቲ ክሲን እቲ ዝጽሕፍዎ ዝነበሩ ደብዳቤታትን ክስሕብዎ ምስ ሓተትዎም፡ ደጊሞም ከም ዘይተመልሱ የረድኡ። ኣቡነ ኣንጠንዮስ ኣብ መወዳእታ ቤት ክርስትያን ጥራያ ብዘይመራሒ ከም ዝተረፈት መረርኦም ኣስሚዖም። ሕጊ ቤት ክርስትያን ክምለስ ድማ ካብ ዝተኣስርሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ጸሎት ከም ዘለው ጠቒሶም። ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ክርስትያን ከምኡ’ውን ናይ ሰሜን ኣመሪካን ማእከላይ ምብርቕን ኣውሮጳን ሃገረ ስብከት መንበር ጵጵስና ዋና ጸሓፊ ዝኾኑ፡ ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረምካኤል ዮሃንስ፡ እቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዝተቐርጸ ሓቀኛ ሙኳኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ንዝሓለፈ 13 ዓመታት ነታ ቤተ ክርስትያን ዘጋጠማ ምትእትታው ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ዝገልጽ ሰነዳት ኣብ ኢዶም ከም ዘሎን ኣብ ግዚኡ ከም ዝልቐቕን ጠቒሶም። ንሶም ብተውሳኺ ቤተ ክርስትያን 2,000 ዓመታት ዝጸንሐ ሕጊ ከም ዘለዋ ብምዝካር፡ ኣቡን ኣንጠንዮስ ናይ ብሓቂ ጥፍኣት እንተ ፍጺሞም ብሕጊ ቤት ክርስትያን ክዳነዩ ኢዩ ዝግባእ ይብሉ። ይኹን እንበር ድምጺ እቶም ፓትሪያርክ ከይተሰምዐ፡ እቶም ከሰስቲ ባዕሎም ፈረድቲ ስለ ዝኾኑ ኣብ ልዕሊ ፓትሪያርክ ግፍዒ ኢዩ ተፈጺሙ ይብሉ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ኣገጣሚታትን ሚድያታትን ኣንጻር ፓትርያርክ ናይ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ይኹን ካህናት ድምጺ ክስማዕ ምጽንሑ ዝገለጹ ቀሺ ገብረምካኤል፡ ”ሕጂ ግን ዋላ እኳ ስሩዕን ውዱብን ቃለ መሕተት ኣይኹን ድምጾም ከስምዑ በቒዖም ኣለዉ” ኢሎም። ሃገረ ስብከቶም ነዚ ዝምለከት መግለጺ ከም ዘውጽኤ’ውን ጠቂሶም። ኣብ መወዳእታ ቀሺ ገብረምካኤል፡ እዞም ኣቦ በዚ ተወጊዞሞ ዝበሃል ዘሎ እንተኸይዶም፡ ኦርቶዶክስ ቤት ክርስትያን ኣብ ክልተ ክትማዕ ከም እትኽእል ኣጠንቂቖም። ኣብዚ ጉዳይ ካብ ወገን ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ-ኣስመራ መልሲ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ብምኽንያት ሕማማት ቤት ጽሕፈት ዕጽው ስለ ዘሎ ክሰልጥ ኣይከኣለን። ኣብ 1927 ኣብ ሕምብርቲ ዝተወልዱ ብጹእወቕዱስ ኣቡነ ኣንጠንዮስ፡ ኣብ 1942 ክህነት ተቐቢሎም፡ ኣብ 1955 ድማ ኣበገዳም ኮይኖም ተመሪጾም። ኣብ 1994 ኣቡን ሓማሴን ኮይኖም ብፓትርያርክ ኣሌክሳንድርያ ኣቡነ ሽኖዳ ሳልሳይ ተቐቢኦም። ድሕሪ ሞት ካልኣይ ፓትሪያርክ ኤርትራ ኣቡነ ያቆብ ድማ ብቅዱስ ሲኖዶስ ሳልሳይ ፓትሪያርክ እታ ሃገር ኮይኖም ተመሪጾም።   Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.