በዓል ናጽነት ንዘክሮ ግንከ ብኸመይ ኣገባብ፧

ሃገርና ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ትግዝኣሉ ዝነበረት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሰፍ ዘይብሉ በደላት በጺሖም እዮም። ንኣብነት መንግስቲ ጥልያን ንኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሊብያ ብምውሳድ መዝሓል ዓረር ኮይኖም ንኽሓልፉ ፈሪድዎም ነበረ፡ ነቶም ለውጢ ንምምጻጽ ዝተቓለሱ ሓርበኛታት ድማ ኣደዳ ስደት፣ ማእሰርቲ ናኹራ ከምኡ ድማ ሞት ጌርዎም እዩ።

ምሕደራ እንግሊዝ ንመግዛእቲ ጥልያን ኣብ ዝተክኣሉ እውን እቲ ሕሱምን ሰራምን ምሕደራ በሰላታት ገዲፉልና እዩ ዝኸደ። ሃይለስላሰ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣሜን ኢሉ ዘይተቐበሎ ፈደረሽን ሽፋን ጌሩ ንሃገርና ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ድሕሪ ምእታዉ፡ ዋላ ነቲ ብግዴታ ንህዝቢ ኤርትራ ዝተዋህቦ ፈደረሽን እንተኾነ ኣፍሪሱ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ እያ ዝብል ኣዋጅ ምእዋጁን ንብዙሓት ሓርበኛታት ኣደዳ ስደትን ማእሰርትን ምስ ገበሮም፡ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ብልማኖ ዘይኮነ ብቓልስን ረዚን መስዋእቲ ብምኽፋልን ከምዝመጽእ ብዘየማትእ ስለዝኣመኑ ሓቦ ሰኒቖም ተቓለሱ። እዚ ብምዑታት ዜጋታት ዝተኻየደ ቃልስን ዝተኸፍለ ከቢድ መስዋእትን ድማ እዩ ሃገርና ነጻነታ ክትለብስ ዘኽኣላ። እንተኾነ መላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍን ቁንጣሮ ጉጅልኡን ካብ ሜዳ ኣትሒዞም ብዘፈጠርዎ ገባቲ መርበብ መግዛእቲ ሎሚ ናጽነት ኤርትራ ጅሆ ብምሓዝ ኣብ ታሪኽና ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ ጨካን ምሕደራ ተኺሉ ንመላእ ሃገር ኣብ ዓባይ ቤትማእሰርቲ ብምቕያር ንህዝብና ክሳቕን ከጽንትን ካብ ዝጅምር እንሆ 24 ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።

ንምዃኑ ኣየኖት ረቛሒታት ምስ ዝማልኡ ኢና ሓንቲ ሃገር ነጻ ሃገር ኢልና ክንሰምያ እንኽእል? ሓንቲ ሃገር ብዝውሓደ ቅዋማዊ ምሕደራ ዘለዋ ኮይና መሰላት ዜጋታት ኣብዚ ቅዋም ብግቡእ ዝሰፈረ ክኸውን ይግባእ። ካብቶም መሰረታውያን መሰላት ዜጋታት ድማ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፣ መሰል ምጽሓፍ፣ መሰል ምእካብ፣ መሰል ብማሕበር ወይ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ተጠርኒፍካ ዕላማታትካን ረብሓታትካን ንምውሓስ ምቅላስ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዜጋ መሰላቶም ከይተጋህሰ ብሰላም ኣብ ሃገር ክነብሩ፣ ካብ ሃገሩ ክወጹን ናብ ሃገሩ ክምለሱን ምስ ዝኽእሉ እዩ። ሃገር ንምክልኻል ዜጋታት ወትሃደራዊ ታዕሊም ክገብሩ ዝነበረን ኣብ መጀመርያ ድማ ዋላ ብህዝብና ዝተደገፈን እኮ እዩ ዝነበረ። እንተኾነ እዚ ገባቲ መራሒ ስልጣን ካብ ዝብሕት ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ግብሪ ብዘይውዕሉ መብጽዓታት ንዕስራን ኣርባዕትን ዓመታት ቃል እናኣተወ ጸኒሑ ኣሎ። መብጽዓ ግን ናይ ምድንጋር ሜላ ብምንባሩ መብጽዓ ጥራይ ኮይኑ ድኣ ተረፈ። ኣብታ ንዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ነጻነታ ዝተጎናጸፈት ሃገርና ዘሎ ክውንነት ቁሩብ ክንጠቅስ:-

– ዝተጠርጠሩ ዜጋታት ብሰብ መዚ ሰርዓት ህግደፍ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ኣቑሑ ብኣጽንሓለይ ምስትኣስሩ ኣብ ኣብያተማሰርቲ ክሳብ ዝርስዑ ንስቓይ ክቃልዑ

– ገደብ ኣልቦ ዕስክርናን ምዝመዛ ነጻ ጉልበት መሪርዎም ዝረኸበ ይርከበና ብምባል ኣምሳያ ናይ ዝሃደሙ መንእሰያትና ሽማግለታት ወለዶም ንማእሰርቲ ዝፈርድ ስርዓት ክሳብ ዘሎ

– ዕሸላት ደቅና ኣብ ደሴታት ላምፔዱሳን ብቐጻሊ ሓደጋ ሜዲተራንያን ኣብ ዝኾኑሉ ዘለዉ እዋን ብኣንደበት እዚ መራሒ እየ ዝብል ውልቀመላኺ ብሂወት እንከለዉ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሞቱ እንተኾነ’ውን ክብሪ ዜግነቶም ቀንጢጡ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን እዮም ኢሉ ክሳብ ዝኽሓደን ኣብ ሃገሮም ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ከይግበረሎም ክሳብ ዝኸልከለ

ንሱን ጉጅልኡን እጃሞም ጌሮምን ይገብሩን ኣለዉ። ብኣጋጣሚ መበል 24 በዓል ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ እንተኾነ’ውን ቃል ብቓል ካብ ዝበሎ ”ኣብ ልምዓት ይኹን ምድላብ ሃብትን ራህዋን ቅጽበታዊ ዝላታትን የለን። ድሌትን ባህግን ምህላው ነውሪ ኣይኮነን። ኣብዚ ዓመት ጎሊሁ ከምዝተኸስተ ግን ናይ ውሑዳት ኣወቓቓዕትን ብኩላት ሓለፍትን ባህርያት ንዘይክኣል ክትርበጽ: ከይደኸምካን ከይጽዓትካን ናብ ዘይጭበጥ ራህዋን ሃብትን ክትዓርግ ምህቃን ናይ ስርቅን ምውቕቓዕን ብልሽውናን ኣሃውቲቱ ንገደል ስለዝወስድ ትኩርነትን መኸትን ዝሓትት እዩ” ብምባል ሕጂ እውን ከምዝሓለፈ ገለ ሰብ ሃብትን ተቐናቐንቲ ስርዓቱ ክኾኑ ዝኽእሉ ዜጋታት ግዳይ ንምግባር ዝዓለም ምዃኑ ዝስሕቶ ዜጋ ይሕሉዶ ይኸውን? ብኸምዚ እዚ ስርዓት ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ምሕደራ ዝጥቀም ኤርትራዊ ዜጋ የሎን ኣይክህሉን ድማ እዩ። ኣብ ካልኦት ዝወርድ መዓት ኣብ ልዕለይ ኣይወርድን እዩ ምባል’ውን ካብ መግለጺ ዕሽነት ሓሊፉ ካልእ ክብሃል ኣይክእልን እቲ ምንታይ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ሰርዓት ግዳይ ንክኸውን ስለዝተፈርደ ተር ከም ዓተር ከም ዝብሃል መዓስ ግዳያት ንኸውን ድኣምበር ግዳያት ካብ ምዃንሲ ኣይነምልጥን ኢና። እምብኣር ካብዞም ዝሓለፉ 24 ዓመታት ምሕደራ ውልቃዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ልቦና ኣጥሪና እሙንቶና ኣብ ሰባት ዘይኮነ ኣብ ሕጊ ክኸውን፡ ጭርሖና ድማ ሕጊ ይንገስ ኮይኑ ብቅዋማዊ ምሕደራ እትምሓደር ሃገር ንምውናን እጃምና ከነበርክት እዚ መበል 24 ዓመት በዓል ናጽነት ኣብ ንዝክረሉ ዘሎና እዋን ምስ ነብስና ቃል ኪዳን ብምእታው እታ ነጻ ዝኾነት ሃገርና ሓርነታ ንስለ ክትለብስ እጃምና ንምብርካት ብምውሳን ክኸውን ይግባእ።

ኤዲቶርያል ቦርድ 24-5-2015