ብራዕዲ እትምሓደር ሃገረ – ኤርትራ

ኣብዚ ቅንያት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ብሕጊ ዘይኮነ ብራዕዲ እትምሓደር ሃገር ምዃና ብዝረኸቦ መርትዖታትን ዘቕረቦ ጸብጻባትን ኣፍሊጡ። ህዝቢ ኤርትራ ንኣሰቃቒ ግህሰት መሰል ሰባትን ንባርነታዊ ዕስክርና ዝተቓልዐ ካብ ምዃኖም ሓሊፉ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝሰርድ ዘሎ ግፍዒ እናኸፍአ ምምጽኡ ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።

እዚ መወዳድርቲ ዘይብሉ ግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብደረጃ ”crimes against humanity” ክግለጽ ከምዝኽእል ተዓዘብቲ ዝምስክርዎ ዘሎ ሓቅታት ኮይኑ ኣሎ። እዚ ዓይነት መግለጺ ግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ኣብ ታሪኽ ከም መግለጺ ዝተጠቕሰሉ እዋን ስርዓት ናዚ ኣብ ልዕሊ ይሁዳውያን ንዘውረዶ ህልቂት ከምኡ ድማ ስርዓት ፖልፖት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ካምቦድያ ዘውረዶ ህልቂት ንምግላጽ እዩ ዝነበረ። ወኪል ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ወይዘሮ ሺላ ኪታሩት ጸብጻባት ድሕሪ ምቕራብ ካብ ዘቕረበቶ ጠለባት ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ገበን ደው ብምባል ኤርትራ ብግዝኣት ሕጊ እትምሓደር ሃገር ንኽትከውን ዝክኣሎም ጸቕጥታት ክገብሩ ጻውዒታ ድሕሪ ምቕራባ፡ ገደብ ኣለቦ ዕስክርና፣ ጃምላዊ ምእሳር፣ ቶርቸርን ካልኦት ግህሰታት ደው ክብል ኣለዎ ዝብል ምሕጽንታ እያ ዘቕረበት።

እቲ ኣብ ጽባሕ ናጽነት (1991)፡ ደሞክራስያን ግዝኣተ ሕግን ንምንጋስ ዝትኣትዉ መብጽዓታት ብምስምስ ምክልኻል ሃገር ብስርዓት ህግደፍ ፈጺሙ ከምዝጸልመተን ዘረጋግጽ ተርእዮ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ቶርቸር፣ ገድብ ኣልቦ ዕስክርናን መቕተልትን እዮም። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ስለያን ምክትታልን ፍጹም ራዕዲ ከም ዝነግስ ጌሩ ኣሎ። ቶርቸር ኣዝዩ ዝዝውተር ከም ምዃኑ መጠን በቲ ስርዓት ከምዝድገፍን እሱራት ንዝቐርበሎም ክስታት ንኽኣምኑ ከም ሜላ ዘገልግልን ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።

እዚ ቀጻሊ ግህሰት መሰል ደቂ ሰባት ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ንኸምርሑ ከምዘገደዶም ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ መንግስቲ ጥልያን ዝተረኽበ ጸብጻብ ኣብ 2014 ብዘይሕጋውያን ጃለቡ ናብ ኤውሮጳ ንኽኣትዉ ኣብ መንገዲ እንከለዉ ንሓደጋ ካብ ዝተቓልዑ ኤርትራውያን 32000 ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ጥልያን ከም ዝድሓኑ እዩ። ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ ድማ ካብ ጽባሕ ናጽንት 357 400 ሃገሮም ገዲፎም ከምዝተሰዱ እዩ። እዚ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣስዒቡ ካብ ዘቕረቦ ጸብጻባት ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ኣብ ዘምርሑሉ ዘለዉ እዋን ኣዝዩ ሓደገኛ ብዝኾነ መንገዲ ይጉዓዙ ምህላዎምን ኣደዳ መጭወይት ንክኾኑ ከምዝቃልዑ ብምግባር ኣብ ኢድ መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ይወድቁ ምህላዎም እዩ። ክብል ጸብጻብ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምንጪ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ