“ብዓል ባጀላ”

ዶክተር፡ በርሄ ሃብተገርግስ/ መቶ ኣለቃ/ ናይ ኮለጅ መምህር/ ሽማግለ..!!!!

ክቡራት ኣንበብቲ ዝዓበኹም ዝነኣስኩም፡ ሰብኣይኩም ሰበይትኹም፡ ዓበይትን ናእሽትን፡ ብሓባራ ህዝቢ ኤርትራን: ፈተውትን፡ ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ምኽንያት ብምግባር፡ ርሑስ ልደት ንክርስትና ኣመንቲ፡ ይግበረልኩም። ናይ ሰላምን ራህዋን  ዓመት ይግበሮ፡ እናበልኩ! ንናይ ዓመት መወዳእታ፡ ብሰብ ባጀለ ክዛዝሞ፡መሪጸ !!!

እንታይ ተረኽበ ምስ ሰብ ባጀላ? ትብሉ ትኾኑ። ትዕዝብተይ፡ ደጋጊመ፡ ክምርምር እንከለኹ፡ “ሓደ ነገር ዝጎደለ ከም ዘሎ፡ ይስማዓኒን፡ የሸግረን፡ ድማ ስለ ዘሎ እየ” እዘን ዝስዕባ ቃላት ኣብ ህዝብና ጠፊኤን ክስምዕን ኣይከኣልኩን፡ እንሄዋልኩም  “ዓገብ፡ ነውሪ፡ ኣይግባእን፡ ሕማቕ፡ ናይ ለባማት ኣይኮነን፡ ግዕዘ፡ ተካል መዓልቲ ውዒልካ፡ ጽዩፍ ተዛረብካ፡ ናይ ወራዙት ኣይኮነን፡ ወዲ ሕጊ ከምዚ ኣይወጾን…ወዘተ”።

ዝብል ኣዘራርባ ጠፊኡ፡ ስነ ምግባር የልቦን፡ ጥልመት ሳዕሪሩ ሃገር በሪሱ።

ኣብ ዳምባ፡ እንዳስላሴ፡ ምድሪ ፈላሲ፡ ተወሊደ። ኣብ ከተማ ዓድዃላ ማይጻዕዳ፡ ሰራየ ዓበኹ።

ትዕዝብቲ ቀዳሞት ወለድና፡ ብኣካይዳኦም፡ ብኣዘራርቦኦም፡ ንእምነቶም፡ ንመሰሎም፡ ንንብረቶም፡ ንዙርያኦም፡ ንሕግን ስርዓትን፡ ንባህልን ልምድን፡ ንኣቀባብላ ጋሻ፡ ዝነበሮም ኣኽብሮትን፡ ስነ ስርዓትን፡ ኣገባብን፡ ተመሊስካ ዘይርከብ እናኾነኒ ካብ ዝኸይድ ዓመታት ኮይኑ።

ዓደይ ገዲፈ፡ ግዳም ሓደር፡ ክይነ፡ ስደተኛ፡ ጽግዕተኛ፡ ዕቑብተኛ ኮይነ ኣብ ስደት እንክነብር፡ ህዝብና ገልጠምጠም፡ ሓርጎጽጎጽ፡ ዘይምርድዳእ፡ ዘይምስናይ፡ ክገብር እንከሎ! ተመሊስካ ዘይምርድዳእን፡ ዘይምትእኽካብን፡ ክረኢ እንከለኹ!  ስደት ዘስዓቦ ቅልውላው እዋን ኮይንዎ እዩ እናበልኩ የማኻኒ ነበርኩ። ነጻነት ዘይብሉ ዜጋ ስለዝኾነ፡ ናብራ ስለዝሓሰሞ፡ ናፍቖት ስለዝበርትዖ፡ ንኹሉ ክሕግዝን ክድግፍ፡ ስለዘይተማላኣሉ፡ ሰብኣዩ ኮነ ሰበይቱ፡ ኣብ ቅልውላው ክነብር ተገደደ፡ ግዜ ዝሓይሽ የምጽእ፡ እናበልኩ ከማኽኒ ጸናሕኩ።

ምልስ ኢለ እንክዕዘብ፡ ዝሓለፈ እንክምርምር ግና፡ ኣብ ኩዉንነት ከም ዘይ ነበርኩ ክርዳእ ክኢለ።ከመይ ምስ እትብሉ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ባጀላ፡ ልዑል ኣኽብሮት ነበረኒ፡ ግዜን ኩነታትን እንተ ዝማላኣሎም፡ ህዝቦም ምመኸሩ፡ ምመሃሩ፡ ዝብል ኣራኣእያይ፡ ግጉይ ምንባሩ፡ እዩ። “ዘይፍትሓዊ ሰብ፡ ፍትሃዊ ክከውን ኣይክእልን ፡ እንተ እቲ ፍትሓዊ ዘልኣልም ፍትሓዊ ምዃኑ፡ ካብ መትክሉ ፍንክት ከም ዘይብል” ኣብ ገለ ጽሑፍ ናይ ሶቕራጢስን፡ ኣብ ገለ ጥቕሲ ቅዱስ መጽሓፍትን፡ ይርከብ እዩ።

እዞም መብዛሕትኦም ሰብ ባጀላ ኤርትራውያን፡ ደጋጊምካ እንተርኣኻዮም “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ” ኮይኑና ድኣምበር፡ “ተፈታሕካዮም፡ ጥራሕ ቁጻር” ኮይኖም ይርከቡ። ወድ ሰብ ዕድመ ንውሕ ዝበለ፡ ክረክብ ዓቢ ህያብን፡ ጸጋን እዩ። ካብዚ ተበጊሶም ቀዳሞት “ልብን ሳዕርን እናሓደረ ይበቁል” ኢሎም ምስላ ገደፉልና። “መሲልካ ንገሮ ክመስሎ” “ንለባም ኣምተሉ ክንደይ ከይስሕቶ፡ ንዓሻን ደርጉሓሉ ክንደይ ከይፈልጦ” ኢሎም ይዉስኽሉ።

ገለ ገለ፡ “ሰብ ባጀላ” ” ብኣታሓሳስባኦምን፡ ምስቲ ዕድመኦም ክምዘን እንከሎ፡ ካብ 19 ክሳብ 21ዓመት ከይ ዓበዩ ይነብሩ ኣለዉ። ዕድመ እናወስኹ ምስ ከዱ ኣተሓሳስባ ስብእነትን፡ ልቦናን፡ ጭውነት፡ ከይ ኣማዕበሉ፡ ኣብ ንእስነት ዘብን፡ ከይቀየሩ፡ ከይዓበዩ፡ ከይሽምገሉ ምንባሮም ኮይኖም ይስምዑኒ፡ ኣነ ድየ! ኣብ ቆላ ዝነብር ዘለኹስ? ወይስ ኤርትራዊ ብህግደፍ ቫይሩስ ዝተለኽፈ ኣይኣርግን እዩ።

ኣብ ንእስነት ዘበን ንኽነብር፡ ሓላፍነት ከይተስምዖ፡ ጓይላን ዳንከራን፡ ዝላን ዕብዳንን፡ ምስ ደቂ ደቆም ምምርዓውን፡ ምዕጣርን፡ ሃገር ክበጽሕ እናበልካ ምንዝርና፡ ዘበን ኣምጽኦ፡ ኮይኑ ኣሎ። ዕጥራን ንኸይተርፎም ሃገር ማዕቢላ ይብሉና። ኣብ ዘበነ ህግደፍ፡ ብኣብ ዓድሓሎ ዝነብር ሓላው ዒላ፡ ዝምርሑ፡ “ ኣይ ርግኦ ኣይጸባ ኮይኖም ምንባር ምምራጾም እዩ”።

ንዶክተር በርሄ፡ ከም መምህርን፡ መግለጺ ናይ ኩሎም ሰብ ባጀላ ኤርትራውያን ክኸውን መርጽክዎ። ነዚ ሓወይ ከም ሰብ የኽብሮ እኳ! እንተኾንኩ፡ ኣብ ሃገራዊ፡ ኣርኣእያኡን፡ ንደቂደቁ፡ ዝኾኑ ዝሃቦ ኣስተምህሮን፡ ንኣብ ባይቶ ኮንግረስ ኣመሪካ ዝሃቦ፡ ምስክርነትን፡ ከም መምህርን፡ ከም ዓቢ ዓድን፡ ከም ቃለ መሓላ ዝፈጸመ “ስነ ምግባር መኮነን” ግና ምንም ክብረት ዘይዋሃቦ ዓቢ ቆልዓ ዘይገብሮ ስለ ዝገበረ ኣኽብሮቱ ፈኾሰ። ዝበዝሑ ሰብ ባጀላ ክብርነቶም ፈኩስ ከም ክንቲት ኮይኖም ኣለዉ።

እዚ ጸሓፊ ንዶክተር በርሄ ካብታ ዝፈለጦ፡ መዓልቲ ብዙሕ ኣኽብሮት ዝነበሮ እዩ። ኣበይ ፈልጥካዮ? ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ ናይ ኢትዩጵያውያን ዝጸውዑዎ፡ ኣኼባ፡ 1990 ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ፡ “ጓድ ሊቀ መንበር መንግስቱ ሃይለማርያም” ብናይ ኢትዮጵያ ኣብዮታዊ ሰራዊት ክግምጠል እዩ፡ ዝብል ብስራት ሓዘል ኣኼባ ነበረ። ሞቶ ኣለቃ በርሄ ሃብተገርግስ፡ ብፍሉይ ጻዋዒት፡ ናይ ወታሃደራዊ ስነ ስርዓት፡ ፈላጥን፡ ኪኢላን፡ ዝርዝር ሓበረታን ተመራማርን ኢሎም ኣቕረብዎ።ኣብቲ ዝነበረ ኣኼባ፡ ንወያነ ሓርነት ህዝቢ ትግራይን፡ ንህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ዝውክሉ ኣይነበሩን። ሞቶ ኣለቃ በርሄ፡ ብውሕልነቱን፡ ብዓል ሞያን ኮይኑ ክገልጽ እንከሎ!!! “በቲ ኣነ ዘለኒ ርክባትን፡  መጽናዕትን፡ ብኹሉ መንገዲ ክርእዮ እንከለኹ፡ ጓድ ሊቀመንበር ኣለቀለት፡ ወድቅዋል” ኢሉ ኣበሰረ።

ኣብቲ፡ ኣኼባ፡ ኣስዕብ ኣቢለ! ኣነን ብግደይ፡ ኣብ ሕቶን መልስን ምስ ተበጽሔ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ጊንዳዕ!  ህዝባዊ ሓርነት ትግራይ ኣብ ጎንደርን ዎሎን፡ ክሳድ ንኽሳድ እናተሓናነቁስ፡ ሓደ ካብኣቶም ዘይብሉ፡ ብጉዳይ፡ ኢትዮጵያ ክትዝትዩ፡ ብቕዓትን ክእለትንዶ! ኣይጎደለኩምን? ኢለ ሕቶን ርእይቶን፡ ሕርቃንን፡ ረስን ወሲኸ ተዛረብኩ። ምስ እዚ ክቡር ዶክቶር ኣብዛ ኣኼባ ምስ ተወድኤ ተፋለጥና። ርክብናውን ቀጸለ።

እንተኾነ!! ጓድ ሊቀመንበር ኣብ መንበሩ ተመሊሱ 35 ጀነራልት ቀዘፈ። መጽናዕቲ እዚ ሓወይድኣ እንታይ ረኸቦ? እናበልኩ ምስ ነብሰይ ይመክር ነበርኩ።

24 ግንቦት 1991 መርየት ኤርትራ ኣብ ቁጽጽርን ህግሓኤ ምስ ኣተወ፡ ኢትዮጵያ በኢህኣደግ ምስ ተታሕዘት፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ሓደ ብዓል ስልጣን ኮንግረ ኣመሪካ፡ ኣቶ ቢል ግረይ ዝተባህለ ብዓል ፐንሲልቫንያ፡ ንዝነበረ ስርዓት ፕረዚዳንት ጆርጅ ቡሽ ዓቢ፡ ንኢትዮጵያ ሸይጥዋ ኢሉኸሰሰ። ኣቶ ቢል ግረይ ሓላፍነቱ ኣብ ባይቶ ሳልሳይ (Wip) ስለ ዝነበረ፡ ባይቶ ከጻሪ ንናይ ኣፍሪቃ ንኡስ ሽማግለ ንኣቶ  ዲማሊ ብዓል ካሊፎርንያ ንኽምርምር ተገብረ።

ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝውክል ዶክቶር በርሄ ነበረ። ኣቶ ዲማሊ ብዛዕባ ኤርትራ ኣፍልጦ ስለ ዝነበሮ፡ ብኣቓልቦን ብተምሳጥን ይከታተል ስለዝነበረ!!! እቲ እዋን ወይ ዘበን ን“ኤርትራውያን ኩሉ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ዕድል ምስ ዝዋሃቦም ዝብል ጽቡቕ ተስፋዊ ትዕዝብቲ ዓለም ነበረና” ተመሊስካ ዘይርከብ ዘበን። ኣቶ ዲማሊ ንዶክተር በርሄ፡ ሕቶይ ከምዚ ዝስዕብ እዩ “ሕጂ ሃገርኩም ነጻ ወጺኣ!! ካብዚ እስከ ንገረና እንታይ መደብ ኣለኩም? ንህዝብኹምናይ መጻኢ ዕድሉ ንገረኒ? ንመጻኢ?” ኢሉ ምስ ሓተተ። ዶክተር በርሄ ብዓላ ባጀላ ከምዚ ዝስዕብ መለሰ።  ክቡር ኣቶ ዲማሊ፡ “እመነኒ ድሕሪ 15 ዓመታት፡ ኤርትራ ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና”። ምስ በለ ብዓል ኣነ ብታሕጓስ ፍንጭሕ በልና።

እቲ ዘስደምም!!! ናይ ሕጂ እዩ። እዚ ሞቶ ኣልቃ/ዶክቶር/ መምህር/ሽማግለ ሓወይ ኣብ ዩቱብ ኣብ ስደት ተወሊዶም ንዝዓብዩ ዘለዉ፡ ብኮርኩር ህግደፍ ንዝፍለጡ፡ ብዘይኮነ ክምህር፡ ብዝይግባእ ከደንቁርን ምስ ሰማዕክዎ ኣፈይ ረምጠጥኩ። ደጊመ ክሰምዖ ከለኩ ረሰንኩ። ኣንታ ሰብ ኣይዓብን ድዩ።  ኣብ ጽርግያ ስለ ዝዓበየዶ ይኸውን? ባይቶን ስርዓት ዓደቦ ስለ ዘይራኣየዶ ይኸውን? ኣስመራ ምዕባይ ከምዚ ድዩ? ኣንታ ዉርዝውናዶ ኣይፈልጡን እዮም? ኣበይ ኮን ይኾኑ እቶም ኣቡኡ ኢለ ሓተትኩሞ “ዓድባሮ ጽላማ ሰራየ”። ዓድባሮ ሕጊ ሎጎ ጭዋ ዝሕጎም፡ ኣብ ማይላሓም ኮይኖም ዝሓገግዎ ኣቦሓጎታቱ እምበርዶ ኣምቢብዎ ይኸውን? ኣይመስለን፡ “ኣስማሪኖ” እንተድኣ ክከውን ኮይኑ፡ ናይ ሁጉር ሕግን ስርዓትን ምፍላጥ ኣየድልን፡ ህጉር ስዒቡ “ገባር ደንባር” ካብቶም ሓንጸጽቲ ሓደ እንተዘይኮነ፡ ዝሰማምዓሉን ዝኣምኖን እዩ።

ሃገር ጠፍኤት ብሰብ ባጀላ ዘብል እዩ።

ኣብ ዩቱብ፡ ካብ ዝበሎ “ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ኤርትራ በጺሔ መጺኤ፡ ህንጻ ብህንጻ፡ ዕዳጋ ዓርቢ ግደፍዋ!!! እኽሊ ንእኽሊ፡ ጽርግያ ብጽርግያ፡ ሓጽቢ ብሓጽብቢ፡ ሕክማና ላዕሊ፡ ትምህርቲ ካብ ዓለም ዝበለጸ፡ ጽርግያ ኣስመራ ህዝቢ መሊኡ፡ መሕለፊ ኣይትረክብን፡ እዞም ኮራኩር ወያነ ዝብሊኹም ኣይትስምዑ፡ ጸላእቲ ሃገር እንታይ ዘይብሉ…..ወዘተ”።

እዚ ከም ኣካዳሚካዊ፡ ከም መኮነናዊ ስነ ምግባር፡ ከም መምህርን፡ ከም ሽማግለ ልዕሊ 70 ዝዕድሜኡ፡ ስነ ምግባር ዝጎደሎ፡ ሓቅነት ዘይብሉ፡ ልቦና ዝሰሓተ፡ ጭልቅዕ፡ ከም ዝኣጎለ እንቛቑሖ

ብደርሆ ኣይሕቆፍ፡ ጠቢስካ ኣይብላዕ፡ ዘረባ ሒዝካስ፡ ንቑምነገር ዘይከውን ሒዝካዶ ቖሉዑ ዓዲ ሃገር ተደንቁር? ኣንታ እንትይ እዩ ዝግበሮ። ህዝቢ ኤርትራ ብውሽጥን ብደገን ጸገም ረኺቡ?????

ህግደፍን ሰብ ባጀላን ሓቢሮም ንህዝቢ ኤርትራ ስነ ምግባር ዘየኽብር ህዝቢ ገይሮሞኮ!! ነዚ  ህዝብና። ንማፍያዊ ስርዓትስ ክንድዚ ክብርኻ ስብእነትካ ትድርቢ? እንታይ፡ ንምርካብ እዩ? ዕድመ ከይዱ እዩ። ሳላ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተማሂሩ፡ ሳላ ኤርትራ ስደተኛ ኮይኑ፡ ኣመሪካውነት ዜጋ ኮይኑ፡ ክሳብ ኣብ ጥሮታ ተበጺሑ። እዚ ኹሉ ወጠምጠም ካብ ምንታይ እዩ? ለካ ወዲ ኣስመራ ምዃንስ ኩሉሻዕ መንእሰይ ምዃን እዩ። “ ጥምየት ነይ ቀትል ዘይ ሸብዳዕዳዕ “ ከምዚዶ ይኸውን?።

ካብ 19 ክሳብ 21 ዓመታት፡ ካብኣ ወይ ፈልከት። “ነዙይ ክትግዕታዶ! ትርህጻ” ወይ ሰብ ባጀላ!!!!

1. ኣብ ቅንጅት ምምሕዛው፡ ስን ፍልጠት ዝጎደሎ ኣጉል ተስፋ 1990 ንኢትዮጵያውያን፡ ዝሃቦ ዘይ ብቑዕ ሓበረታታት።

2. ኣብ ባይቶ ኮንግረስ ሓቅ ንኽምስክር ቃለ መሓላ ምሒሉ፡ ሓሶት ምስክርነት ዝሃቦ ኣብ ድሕሪ 15 ዓመታት፡ ሲንጋፖር ዝብል ሓሶት ተስፋ ብምሃቡ።

3. ኣብ ኣስመራ ኣስፕሮ ተሳኢኑ ሰብ ንሱዳን፡ ከይዱ ዝሕከም ዘሎድኣ!!! ናይ ኣስመራ ብሉጽ ሕክምና ኣጽሊእው ዶ ይኸውን?

4. ኣብ ሽወደን ህግደፍ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ህዝብና ምንሽሮ ዝሓዞም ንምድሓን “ሰብ ሕልና ሃገራውያን” ዘርዘስቱ ኣብ ሓድሽ  ዓመት ብደረፍቲ ዝግበር ዘሎ ድኣ ንዶክተር በርሄ ስለ ዘይነገሮምዶ? ይኾኑ? ወይስ እቲ ለመና ህግደፍ ኣመሉ ስለ ዝኾነ አዩ?

5. መንእሰይ ኤርትራ ፈቀዶ ሳሃርን፡ ሲናይን፡ ሊብያን፡ ማእከላይ ባሕርን ክመውትን፡ ክጥሕል ዘምረጾስ! ኣብ ኤርትራ ብሉጽ ትምህርቲ ስለ ዘየድለዮዶ ይኸውን?

6. ሃብታማት ደቂ ሃገር ገንዘቦም፡ ኣብ ባንኪ ተዓሺጉ ብመቑነን እናተውህቦ ብሰላሕታ ሞት፡ እናሞተስ? እዚስ እኽሊ ስለ ዝበዝሔዶ ይኸውን?

7. ናይ ኤርትራ ሽግር ዘርዚካ ኣይውዳእን 360 ቤት ማእሰርቲ ከም ኮለጅ ድኾን ቖጽሪዎ ይኸውን?

8. ስነ ምግባር መኮነን ቃልካ ካብ ምዕጻፍ ሞት ዘምርጽዶ! ኣይኮነን?። ወስለትለት ዝበለ መኮነን ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ከም ዝጽበዮ ኣድማሳዊ ሕጊ እዩ።

9. ኤርታውያን ማፍያዊ ሕጊ ስለ ዝኽተሉ ስነ ምግባር ኣይምልከቶምን እዩ። እዚ መኮነነ ዝምልከቶዶ? ኣይኮነን እዩ፡

10.ብህግደፍ ዝተለኽፈ፡ “ዓመጽ፡ ሓሶት፡ ዉቕረት፡ ጥልመት፡ ምትላል፡ ምድንቛር፡  ዘይኮነ ምዝራብ፡ ዘይኮንካዮ ምዃን፡ ተግባሮም እዩ።

11. ሰብ ባጀላ ዝበሉ እንተበሉ ብሓልፍነት ዘይሕተቱ፡ ሓቅነቱ ብዘየገድስ፡ ክብረ ኣልቦ፡ ፈኾስኮስ” ከም ማደልያ ኣብ ኣፍልቦም ገቲሮሞ ዝከዱ ምስ ዕድመ ሰልፊ ነጻነት ዝጀመረ እዩ።

12.መብዝሕትኦም ሰብ ባጀላ “ ነውሪ”  ከምዘይ ምልከቶም ካብ ዝኣምኑ ዓመታት ሓሊፉ እዩ።

ወድ ሰብ ሓንሳብ እዩ ዝነብር፡ ለባማት ክምስሉ “ወላዲኻ ጽቡቕ ስም ድኣ ይግደፈልካ”  ኣስዕብ ኣቢሎም “ተዘይረኸበቶ ጓላ ትረኽቦ ጓላ ጓላ” ነዛ ዓለምና ካብቲ ዝጸንሔና ዝሓሸትን፡ ዝለምዔትን፡ ዝለስለሰትን ገርካ ንደቅኻ፡ ንደቂ ደቅኻን ክትገድፍዶ! ኣይምሔሸን? ንደቀይ ሰላም ራህዋን ገዲፋ ክኸይድ ይሓይሽ እናበሉ ንጽባሕ ንጽንቡቕነት ኣብ ከባቢኦም ሓምላይነት፡ ሰላም ራህዋን፡ ክትከውን ዝጽዕሩን ዝምነይን ዝደኽሙ ንርኢ ኣለና።

ሰብ ባጀላ ኤርትራውያን፡ ከም ብዓል ዶክተር በርሄ ሃብተገርግስን ብጾቱን፡ ኣብ ልቦም ክምለሱ ንህዝቦም ክኽሕስዎን ክረድእዎን ምተገብኤምበር? ዝኹሉ ተማሂርካ ንብላሽ? ካብ ዉጂ ኮንካ ምንባር፡ ዝሓሸ ክሓስቡን ብኣካባቢኦም ክመሃሩን፡ ለበዋይ የቕርብ። ካብ ዉጂ የድሕነና።

ኣብ ባይቶ ዓደቦ “ሓሳዊ ምስክር” “ዉጂ” ይብሃል። ዉጂ ዝተባህለ ሰብ ዝሓሰረ ዜጋ እዩ። ካብ ህዝቢ ተነጺሉ ይነብር፡ ንደቁ ዝዋሰቦም የብሎምን።

ሃገረይ ኤርትራ ዝሓሸ ዘበን የምጽኣልኪ!!!!!!ካብ ሰብ ባጀላስ ተሪፍኪ!!!!

ርሑስ ዘበን የምጽኣልና!!!!!

ሃይለ ገብረትንሳኤ

ዘብሄረ ሰራየ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 24 ታህሳስ 2017