ታሪኻዊ ስፖርታዊ ዓወት ብኤርትራውያን መንእሰያት

እቲ ኣብ ከተማ በይጂንግ ሃገረ ቻይና ክካየድ ዝቐነየ ዓለምለኻዊ ስፖርታዊ ውድድር፡ ወዲ 19 ዓመት ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ ግርማይ ገብረስላሴ ብ 2፡12፡27 ውድድር ማራቶን ብምዝዛም ናይ ወርቂ ሜዳልያ ተሸላሚ ክኸውን በቒዑ። ኣብዚ ሓያላት ተወዳደርቲ ዝተኻፍልዎ ናይ ኦሎምፒክ ውድድር ምሽናፉ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ከምዚ ዓይነት ውድድር እቲ ዝንኣሰ መንእሰይ ኮይኑ ብምዕዋቱ ድማ ድርብ ስፖርታዊ ዓወት ክጓነጸፍ በቒዑ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት እንተኾነ’ውን ሃገርና ካልእ ታሪኻዊ ዓወት ብ መናእሰያት ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብቲ ብስም ቱር ደ ፍራንስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓለምለኻዊ ውድድር ብቺክለታ ኣብዚ ውድድር ንመጀመርያ ብምስታፍ ተዓወቲ ብምዃኖም እዚ ዓወት ብደርጃ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ኣፍሪቃ ታሪኻዊ ዓወት ከመዝግቡ ብምብቅዖም ኣብ ታሪኽ ሃገርናን ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃን ዘሐብን ዓወት ብምምዝጋቦም ኣስማቶን ኣብ ናይ ታሪኽ ማህደር ክሰፍር እዩ።

እዛ ኣብ 1991 ነጻነታ ዘረጋገጸት ሃገርና እንተኾነ ብዙሕ ጸገማት እናተጻወረት ህዝባ ድማ ብሰንኪ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ ዘይቅዋማውን ክብሪ ኤርትራዉያን ዘየኽብር ዲክታቶርያዊ ምሕደራ ከቢድ ሽግር ኣብ ዘሕልፉሉ ዘለዉ እዋን እዚ ድርብ እሞ ኸኣ ታሪኻዊ ዓወታት በዞም ዝተጠቕሱ ደቃ ክትጎናጸፍ ካብ ከኣለት ቅዋማዊ መንግስቲ ተተኺሉ ኤርትራውያን ስፖርታውን ኣካዳምያውን ዓቕሞም ብዘይ ስክፍታን መጽቀጥትን ከማዕብሉ ዝኽእልሉ እዋን ግሁድ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድኣ ክንደይ ኩሉና ኤርትራውያን እንሕበነሉ ዓወታ ከጎናጸፉና እዮም? እምበኣር እቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ክብሩን መሰሉን ተሓልይሉ ክነብር ዘይክኣለ ዘሎ ህዝብና፡ ዋና እዞም መሰረታውያን መሰላት ኮይኑ ከም ዜጋታት ብዝኾነ ዓማጺ ከይሰግኡ ክነብሩን ከም ተካእቲ ወለዶ መጠን ነታ ኣደ ኩልና ዝኾነት ኤርትራ ካብ ደርጃ ድኽነትን ድንቁርናን ናብ ደርጃ ምዕባለ ከሰጋግርዋ ክበቕዑ ኣብ ሃገርና ብግዝኣተ ሕግን ቅዋምን ዝምእዘዝ ምሕደራ ንምትካል ሓላፍነት ኩልና ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ክንግንዘብን ነዚ ድሌታት ህዝብና ድማ ግሁድ ንስለ ክንገብር ሃገርናን ህዝብናን ቅድሚ ኩሉ ካልእ ሕሳባትን ረብሓታትን ሰሪዕና ክንቃለስ ይግባእ። ነዚ ምስዝይንበቅዕ ግን ነቶም ንሃገርና ዘድምይዋ ዘለዉ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ብግብሮም ነቶም ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ንቃለስ ኣሎና እንብል እውን ኣብዚ መሪር እዋን ንህዝብና ኣለናልካ ክንብሎ እንተዘይብቓዕና እውን ታሪኽ ክወቕሰና እዩ። ኤዲቶርያል ቦርድ