ናብ ኣውሮጳ ዝስደዱ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንምዝመዛን ጾታዊ ዓመጽን ዝተቃልዑ እዮም ክብል ሓድሽ ዝወጸ ሪፖርት ሓቢሩ

ዋሽንግተን —

ስደተኛታት ህፃናት ብፍሉይ ካብ ወለዶም ዝተፈለዩ ንዓመጽ፣ምዝመዛን ንግዲ ደቂ ሰባትን ዝተቓልዑ ምዃኖም ሓድሽ ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ማእኸላይ ባሕሪ ዘቋረጹ ስደተኛታት ዝፍፀም አድልዎ ሰፊሕ’ኳ እንተኽዕነ ህጻናትን መንእሰያትን ግን ነዚ አድልዎ ዝተቓልዑ እዮም። ነዚ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሕጻናት አድሕንን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ዝተኻየደ መፅናዕቲ ካብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሮቃ ዝተሰደዱ ህጻናት ልዕሊ ካል ኦት ጉጅለታት ዝተቓልዑ እዮም ይብል።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህፃናት ዒራቕ፡ሶርያ፡ኣፍጋሲታንንን ካል ኦት ብኹናት ይሕመሰ ዘለዋ ሃገራት እቲ ዞባ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ንምእታው ኣብ ዝፍትንሉ እዋን ኣብ ሃገራት በልካን ተቐርቂሮም ይርከቡ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታትን ህጻናት ኣድሕንን ስደተኛታት ህጻናት ብዛዕባ መጻኢ ዕድሎም ውሳነ ንምርካብ ኣብ ዝጽበይሉ ዝነበረ ኣብ ወዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ሰርብያ ክከታተሉ ምስ መንግስቲ ሰርብያ ሰሪሖም እዮም።

ናይ ሶሪያ ሚንስትር ስራሕ ዞራን ዦርደቪች ኩሉም ህፃናት ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ይብሉ።

“ሰርቢያ ከም መሰጋገሪት ዝጥቀሙ ህፃናት ኣብዚ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ጽርየት ዘለዎ ትምህርቲ ክነቕርበሎም ኢና ንደልይ።”

ዳይረክተር ናይ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ሚለታ ዦርቪች እቶም ህፃናት ጽቡቕ ባህርያት ከምዘለዎምን ምስ ካልኦት ተማሃሮ ተሳኒዮም ከምዝመሃሩ ይገልጽ። ገለ ሰሪቢያዊያን ወለዲ ግንእቶም ስደተኛታት ህፃናት ይኹን እቲ ከባቢ ድልዋት ኣይኮኑን ክብሉ ስኽፍትኦም ይገልፁ።

መብዛሕቲኦም ህጻናት ካብቲ ትምህርቲ ክምለሱ ከለው እንተወሓደ ወለዲ ወይ ቤተ ዘመድ ይረኽቡ። ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ግን ኣስታት 300,000 ካብ ስድርኦም ዝተፈላለዩ ህጻናት ንበደል ዝተቓልዑ እዮም ይብል። እዛ ናይጀርያዊት ጓል ኣብ ጣሊያን ምስ በጽሓት ኣብ ኢድ ነገድቲ ደቂ ሰባት ከምዝኣተወት ትዛረብ።

ኣብ ናይ ስነ ጽባቐ መደበር ክሰርሕ ክትሕግዘኒ ምኳና ገሊጻትለይ። ናብዚ ምስ መጻእኹ ግን ናብ ጎደና ክወጽእ ነጊራትኒ። ዕርቃነይ ዘርእይ ክዳውንቲ ገይረ ኣብ ጎደና ዘወርወር ክብልናብ ጎደና ሒዛትኒ ወዲኣ።” ንስደተኛታት ህፃናት ዝገበር ሓለዋ ክሕይልን ኣብ ልዕሊ ህፃናት ንግዲ ደቂ ሰባትን ምዝመዛን፣ ዓሌታዊነት ጽልኢ፡ዘራዊ ኣድልዎ ምቅላስ ከምዘድልይ

by VOA