ንምስምዑ ዘስደምም ቃል ጠቅላይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ኣብይ ኣሕመድ ቃል ብቓል ንኤርትራን ኵነታት ኤርትራን ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ይብል ” ብሓቂ ንምዝራብ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ዓለም ምሉእ ፈሊጡ እዩ ዘሎ። ኣብ ዝኾነ ዓለም እንተኼድካ መንግስቲ ኤርትራ ንሰላም እዩ ዝሰርሕ፣ ንልምዓት እዩ ዝሰርሕ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎም” ክብል ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ።

ጠቅላይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ከም መራሒ ጎረቤት ሃገር መጠን ነቲ ኣነ እውክሎ እየ ዝብሎ ህዝብን ሃገርን ብዝምልከት ዝመስሎ መግለጺ ክህብ ዝኾነ ተቓውሞ ኣይምሃለወናን። እቲ ጸገም ብሰንኪ ስርዓት መንግስቲ ኢሳያስ ኣብ ሲኦል ተቐይራ ዘላ ሃገርና፡ ህዝባ ተዋሪዱ፣ መንእሰያትና ኣብ ፈቐድኡ ተበቲኖም፣ ገዳይም መራሕቲ ሃገርን ናይ ሕልና እሱራትን ኣብ ጎዳጕዲ ንዓመታት ተሓዪሮም ይሳቐይሉ ኣብ ዘለዉ እዋን፡ ጠቅላይ ሚኒስተር ኣብይ እዚ ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ምስክርነት ክህብ ዘገደዶ ድኣ እንታይ ኮን ይኸውን? ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ብምሕላይ ከም ዘይኮነ ጸሓይ ዘውቕዖ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ጎረቤት ሃገር ክነብዕ እንከሎ ክትሕግዞ እኳ እንተዘይክኣልካ ከተሽካዕልለሉ ግን ኣይግድን። ንሕና ከም ህዝቢ ሒማቕ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ኣይንምነን እቲ ምንታይ ጽቡቕ ተረኽቦ ናይ ጎረባብቲ ብጽቡቕ ክጸልወካ እንከሎ ሒማቕ ተረኽቦ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ብሒማቕ ክጸልወካ ከም ዝኽእል ብግቡእ እንረዳእ ብምዃና። ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር እዛ ጎረቤትና ዝኾነት ሃገር ኢትዮጵያ ሒማቓ ኣይንትምነን፤ ጉዳይ ኢትዮጵያ እንተኾነ እውን ንኢትዮጵያውያን ንገድፎ ጉዳይ ከም ምዃኑ መጠን፤ ኢትዮጵያውያን እንተኾኑ እውን ጉዳይ ኤርትራ ንኤርትራውያን ክገድፍዎ እዩ ዝግባእ።



ስግንጢር ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ንዕዘቦ ዘሎና ግን ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ” ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ስቕ ኢልና ኣይንርእን ኢና። ምርጻ ኣብ ኢትዮጵያ ኣየድል እዩ ወዘተ” ኣብ ዝበለሉ እዋን ኣብ ጉዳይ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት ከም ምዃኑ መጠን ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓገብ ክብል እዩ ዝግባእ ዝነበረ። እዚ ግን ንብዙሓት ኤርትራውያን ብዘስደምም ኣገባብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መልሲ ከይሃበሉ ሓሊፉ እዩ። ኢድ ኣእታውነት ዲክታተር ኢሳያስ ንኢትዮጵያ ሰላም ዶ ወይስ ዝያዳ ቅልውላው እዩ ከስዕበላ ዝብል ሕቶ ዘገም ኢልና ንርእዮ ዝብል መልሲ ምሃብ እኹል እዩ። ከምቲ ዲክታተር ኢሳያስ ንሉኡላውነት ኢትዮጵያ ዚጻባእ መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ዝነበር እዋን፡ ሕጂ እውን ብወግን መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ መግለጺ ኣብ ዝውሃበሉ ዘሎ እዋን (ብቐንዱ ኸኣ ንዝጠስጠሰ ስርዓት ህግደፍ ዜወድስ ብምዃኑ) ወከልቲ ስርዓት ህግደፍ ግብረ መልሲ ክህቡ ኣንጽበን። ብዓቢኡ እንዶ ግዳ  ካብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ተማሪኾም ካብ ዝነበሩ ጀነራላት ስርዓት ደርግ ከምኡ እውን ካልኦት ብሕልሚ ቀይሕ ባሕሪ ኣንፈቶም ዝሰሓቱ እንተስ ጋዜጠኛታት ይበሉስ ወይ ድማ ጀነራላት ነበር በሃልቲ፤ ወይ ብምልእታ ኤርትራ ብሓይሊ ንምለሳ ዝብሉ ካልኦት ድማ ገለ ክፋል ኤርትራ ኣብ ግዝኣትና ነእቱ ዝብሉ ካብ ዝስምዑ ዓመታት እኳ እንተ ኣቑጸሩ ስርዓት ህግደፍ ልኡላውነት ሃገርና ክግሃስ እንከሎ ዓገብ ክብል ኣይተረኽበን። እዚ ብቐደሙ ልኡላውነት ሃገርና ኣብ ኣደባባይ ኣዲስ ኣበባ ብኣዋጅ ዘረከበ ዲክታተር ሕጂ ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ ልኡላውነት ሃገርና ክጣበቕ ክንጽበዮ ኣይንኽእልን። ኣብ መወዳእታ ጠቅላይ ሚኒስተር ኣብይ ሃገሩ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ ዘላቶ ህሞት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ኣድሂቡ ክሰርሕ ዶ ኣይምተገብኦን???

ኤዲቶርያል ቦርድ

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ ! ዝኽሪ ንጀጋኑና !