ንጥፈታት ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስትራተጂ ዓዲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ

ብዕለት 18 -20 ኦክቶበር 2016 ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስትራተጂ ዓዲ ብውክልና ሕሩይ ተድላ ባይሩን ብተሳታፍነት ኣባል መሪሕነት ብርሃነ ተስፋዝግን ዝተኻየዱ ንጥፈታት እዞም ዝስዕቡ እዮም:- ቻታም ሃውስ ኣብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት ኣድህቦ ብምግባር መንግስታት፣ ወከልቲ ትካላትን መራሕቲ በርገሳዊ ማሕበራትን ኣብ ክፉትን ስቱርን ክትዓት ብምስታፍ፡ ኣብ ዓለምና ማዕርነት ደቂ ሰባት ብምስፋን ምዕባሌ ንምውሓስ ዝነጥፍ ትካል እዩ። በዚ ትካል ዝተገብረ ዕድመ መሰረት ብዕለት 18 ኦክቶበር ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ደምበ ተቓውሞ ኤርትራውያንን ተኽእሎ ንዘተን ሓድነት ብዝብል ኣርእስቲ መደረ ከቕርብ እንከሎ ጀይሰን ሞስሊ ከም ተዛታዪ (conversant) ብምዃን ቀረበ። ነዚ ዝተኻየደ መደረ ከም ኣደ መንበር ኮይና ዝመርሐት ድማ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ወይዘሮ ሜሪ ሃርፐር ነበረት። ኣብዚ ተሳቲፎም ዝነበሩ ኤምባሲታት ንምጥቃስ ዝኣክል ኤምባሲታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ጋዜጠኛታት፣ ተመራመርትን፣ ኤርትራውያን ሊቃውንቲን ተረኺቦም ኔሮም። ካብ መንግስቲ እንግሊዝ ድማ ወኪል ሆም ኦፊስ ኣብዚ ኣኼባ ተረኺባ ነበረት።     ካብተን ብጻይ ሕሩይ ዘቕረበን ኣርእስትታት ሀ. ጉዳይ ዶብ ክፍታሕ ከምዘለዎ ንሱ ድማ ጉዳይ ዶብ ካብ ቀደሙ ሕንጹጽ ስለ ዝኾነ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ዝብሃል ጉዳይ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን የልቦን እንታይ ድኣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ከመይ ጠጠው ከም ዝብል እዩ። ስለዚ ጠለብና ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኩነተ ውግእ ይወዳእ ። ለ. እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣይ ትኩስ ኲናት ኣይ ዝሑል ኲናት ኣብ ውሽጢ ልዳተ ቅርጻ ሕብረት ግዝኣተ መሬት ዘይኮነ ሕብረት ረብሓታት (withen the framwork of the principle of union of interests as oppossed to union of a teritories) ዝተመስረተ ጉርብትና ምፍጣር። ሐ. ጭርሖ “ደሞክራስያ ሕጂ” እዚ መስመር እዚ ድማ ዕላማኡ ኣብ ሞንጎ ተቓወምትን ምልካዊ ስርዓትን ጽልኢ ዘይኮነ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ( loyal opposition) ናብ ሃገሮም ተመሊሾም ብምእታው ከም ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ስራሓት ንምክያድ ተኽእሎ ንክህሉ ብኡ መሰረት ድማ ቅዋማውን ብዝሀ ሰልፋውን ደሞክራስያ ንኽህነጽ ቃልሲ ምክያድ።   ካብኡ ብምቕጻል ምልላይ መጽሓፍ (book launching) ብዝብል ተበግሶ ምስ ኤርትራውያን ብጻይ ሕሩይን ብርሃነ ተስፋዝጊን ብ19 ኦክቶበር 2016 ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ እታ ብሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ዕዳጋ ቀሪባ ዘላ ”Eritrea and Ethiopia: A front row look at issues of conflict and the potential for a peaceful resolution” ዘር እስታ መጽሓፍ መሰረት ምስ ደቂ ሃገር ኤርትራውያን ክትዓት ተኻይዱ እዚእቶም ምስ ተማልኡ ድማ ብ Initiatives of Change ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ዝተሰናድኤ ኣኼባ ኤውሮጳያንን ኣፍሪቃውያንን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ ተኻይዱ። እቲ ኣርእስቲ ኣብ “ማእከላዊ ፖለቲካዊ ሕቶታት ቀርኒ ኣፍሪቃ” ዘተኮረ ኮይኑ እቶም ዘለዉ ግርጭታት ምልላይን ፍታሕ ኣብ ምንዳይን ዘድሃበ ክትዓት ድማ ተኻይዱ። ካብዚ ብምቕጻል እውን ምሁራት ኣፍሪቃውያን ጥራይ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ ተመሳሳሊ ክት ዓት ተኻይዱ። ኣብ መወዳእቱ ድማ ብጻይ ሕሩይ ምስ ምኩር ጋዜጠኛን ኣካያዲን ኣሰና ፋውንደሽን ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ቃለ መሕትት ኣካዪዱ። በዚ ኣጋጣሚ ሰልፍና Initiatives of Change ነዚ ኣኼባ እዚ ብትኬት: ብመዕረፊ ገዛ ይኹን ነቲ ኣኼባታት ብምስንዳእ ዝተሓባበሩና ልዑል ምስጋናና ነቕርብ።

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.