ኣበዓዕላ መዓልቲ ናጽነትና ብኸመይ ክኸውን ይግባእ?

ቀዳም 14 ግንቦት 2016 ንዝኽሪ ርብዒ ዘመን ኣብ ልምዓትን መኸተን ዝብል ዓምዱ ንኤርትራውያን ነበርቲ ሃገራት ስካንዲናቭያ ጽንብል 25 ዓመት ናጽነት ተዳልዩ ከም ዘሎ ወብሳይት http://alenalki.com/ ክትሕብር እንከላ ነቶም አብ ኤርትራ ብምኻድ ከብዕሉ ዝደልዩ ድማ ብተዳልዩሎም ዘሎ ፎርም ክሕብሩ ከም ዝኽእሉ ትነግር። ብመጀመርያ ክንጸር ዘለዎ ጉዳይ ብሳላ ስዉኣትና ዝተረኽበ ናጽነት ንምብዓል፡ ነዛ መዓልቲ ናጽነት ንዘክራ ዶ? እንተኾይኑ እቲ ሕቶ ከመይ ዘይንዝክራ። ደለይቲ ፍትሒ ጸገምና ምስ ሃገርና፣ ህዝብና፣ ስዉኣትና ወይ ደማ መዓልቲ ናጽነትና ኣይኮነን። ሽግርና ምስቲ ሕድሪ ስውኣት ጠሊሙ፤ ቅዋምዊ መንግስቲ ካብ ምትካል ብምሕሳም ህዝብናን ሃገርናን ብምብዳል ብኢደ ወነኑ ምስቲ ኣብ ስልጣን ንዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ኩጢጥ ኢሉ ዝርከብ መራሕ ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ጥራይ እዩ።     መዓልቲ ናጽነትና ነብዕሎ እንተኾነ ኣብ ነብዕለሉ እዋን ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዘዳልዎ ብፈኸራን ዳንኬራን ዘይኮነ፡ መዓልቲ ናጽነትና ኣብ ነብዕለሉ እዋን፦ – ሂወት መሪሩና ኢሎም ጥርዓኖም ከስምዑ ብዓረብያን ምርኩስን ተደጋጊፎም ናብ ኣስመራ ገጾም ዘምርሑ ኣብ ዝነበሩ ውጉኣት ሓርነት ኣብ ክንዲ ንጉዳይ ብምትህድዳእን ሽግራቶም ምፍታሕ ምፍታንን ሕቱኦም ብጥይት ዓረር ብምምላስ (ያኢ እዞም ኣካለ ስንኩላን ነዚ ስርዓት ከም ሓደጋ ተራእዮም) ንዳግማይ ሞትን ስንክልናን ዝተፈርዱ። – መሬት ናይ መንግስቲ ብዝብል ኣዋጅ መሬት ደቀባት ኣብ ኢድ ውሑዳት ሰበ-ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ምእታዉን ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና መሬቶም ንሰብ ዶላር ክሽየጥ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ሽማግለታት ዓዲ ጥርዓኖም ከስምዑ (ድሕሪ መግዛእቲ ካብቶም ደቅና ዝብልዎም ተጋደልቲ ፍትሒ ኣይንስእንን ብዝብል እምነት) ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ኣደዳ ማህረምትን ማእሰርትን ዝኾኑ። ህዝበይ ግንባራ ንዓረር ዝሃበት ሓደ ካብቲ ምኽንያት እኮ ዑንና መሬት ዓደቦ ኣብ ወዲ ዓዲ ንምምላስ እኮ እዩ ዝነበረ!!!! – ኣብ ልዕሊ መሬት ዘሎ ቤት ማእሰርታት ከምዝውሓደ ትሕቲ መሬት ዝተደኮና ኣዝየን ብርከት ዝበላ ቤት ማእሰርትታት ተሰሪሐን ንኡሳን ወለዶና ኣብ ክንዲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝውዕሉ ኣብዘን ኣብያተ-ማእሰርትታት ተዳጒኖም ይሳቐዩ ኣብ ዘለዉሉ እዋን። ወለድና እንተኾኑ እውን ደቁኹም ሃዲሞም ብዝብል ምስምስ ዕጫ ማእስርትን ስቓይን ኮይኖምሉ ዘለዉ እዋን። – ንእስነቶም ኣብ ሜዳ ብምብላይ ነጻነት ሃገርና ክዉን ንክኸውን ልዑል ተራ ካብ ዝተጻወቱ ጉጅለ 15ን ካልኦት ተጋደልትን፣ ስነ ጽሑፍ ሃገርና እግሪ ንኽተክል ነጻ ጋዜጣታት ብምጅማር ዓቢ እጃም ዘበርከቱ ጋዜጠኛታትና፤ ሃይማኖታዊ እምነትን ህዝብና (ክርስትናን ምስልምናን) በቲ ካብ ወለድና ክውረስን ክወራረስን ዝጸንሐ ኣገባብ ንህዝቢ ዝምሃሩ መምሃራን ሃይማኖት ሕሉፍ ሓሊፎም ድማ ነቶም ኣብ ጉዳይ ሃይማኖትና ኢድኩም ኣይተእትዉ ብምባሎም ገበን ተቖጺርዎም ኣብ ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤትክርስትያን ብተራእዩ ዘይፈልጥ ግህሰት ሕጊ፡ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ስልጣኖም ተቐንጢጦም ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወትሃደራዊ ሓለዋ ክኣትዉ ኣብ ዝተፈርዱሉ እዋን። – ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ፈቕድኡ ዛሕዛሕ ብምባል ኣደዳ በረኻታት ሰሃራ፣ ባሕርታት ሜዲተራንያን ቅትለት በደዊንን ብዳዕሽ ዝፍለጥ ሕሉፍ ምንቅስቃስ ዝሰቓይሉን ዝጠፍእሉን ዘለዉ እዋን ምዃኑ ብምዝካር። – ተሰፋ ተጌሩሉ ዝነበረ መስርሕ ምርቃቕ ቅዋም ተደርብዩ ጥራይ ዘይኮነ ከምቲ ኩርማጅስ ባዕላ ሃሪማስ ተእዊ ዝብሃል እዚ ን25 ዓመታት ከም ጊዝያዊ ፕረዚደንት ኢሉ ንነብሱ ዝሰመየ ውልቀሰብ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ብዘይ ዝኾነ ሕንከት ”ቅዋም ከይተወልደ ዝሞተ እዩ” ብምባል ነቲ ባዕሉ ዝ አንቀፎ ትግባረ ቅዋማዊ ምሕደራ ብዝዘይ ሕንከት ቃለ-ምስክሩ ዝህበሉ ዘሎ እዋን በዓል ናጽነትና ብዳንኬራን ጓይላን ዘይኮነ እታ ነጻ ዝወጸት ሃገርና፡ ሓርነት ካብ ምልባስ ዝዓንቀፋ ስርዓት ብምልላይ እቲ ለውጢ ድማ ብኣና ብኤርትራውያን ጥራይ ክመጽእ ስለ ዘለዎን ዝግባእን ሓላፍነትና እንታይ እዩ ኢልና እንሓስበሉ መዓልቲ ምዃኑ ብምስትብሃል ነዚ ቅዱስ ዕላማ ንምትግባር ዘኽ እለና ኣገባብ ኣብ ምልላይ እህን ምህን እንብለሉን ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታትና እንዝክረሉን መ ዓልቲ ክኸውን ይግባእ። ኤዲቶርያል ቦርድ

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.