ኣብ ስዊዝ ባንክ ብሕቡእ ገንዘብ ናይ ዘቐመጡ ሰባት ሊስታ ኤርትራ ካብቶም ገንዘብ ዘቐመጡ 200 ሃብታማት መበል 53 ተሰሪዓ!

HSBC ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ናይ ስዊዝ ባንክ ብዙሓት ዲክታቶራትን ኣብ ሃገሮም ቀረጽ ክኸፍሉ ዘይደልዩ ሃብታማት ብሕቡእ ገንዘብ ከቐምጡ ከም ዝጸንሑ ጥርጣረታት ኔሩ እዩ። እዚ ብሓደ ናይዚ ባንክ ሰራሕተኛ ዝተቓልዐ ኣስማት ናይቶም ገንዘብ ብሕቡእ ዘቐመጡ ሰባት ከም ዘቃልዖ መራሕ ስርዓት ህግደፍ እንተኾነ እውን ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦ $700 ሚልዮን ዶላር ሓቢኡ ከም ዘሎ ተቓሊዑ ኣሎ። ህዝብና ኣብዚ ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፈሉ ዘሎ እዋን ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ካብ ህዝቢ መዝሚዙ ክንድዚ ዝኣክል ኣብ ሓደ ናይ ባንክ ሕሳብ ካብ ሓብአ ኣብ ካልኦት ባንክታት ከ ክንደይ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ተዘሚቱ ጊዒዙ ከም ዘሎ ብልክዕ እኳ እንተዘይተፈልጠ ብሚልያርድታት ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ብርግጽነት ክንዛረብ ንኽእል። እዚ ኩሉ ሃብቲ ኤርትራ (ንኣብነት ወርቂ ቢሻ) ብነጻ ጉልበት ዕሸላት ዜጋታትና ተዃዒቱን ተጻርዩን ማንም ሰብ ኣብ ዘይፈልጦ ባንክታት ድሮ ግዒዙ ኣሎ። እዚ ወልቀ መላኺ ብሓደ ሸነኽ ንህዝብና እናኣጽነተን ንልኡላውነትና ኣብ ሓደጋ እንዳኣእተወን በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ዘሎ ዑቑር ሃብቲ ሃገርና ብምብዝባዝ ናብ ፈቖዶ ባንክታት ኣብ ምግዓዝ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን እዚ ተግባር ኣንጻር ኤርትራውያንን ኤርትራን ዝቐንዐ ሓደገኛ መደብ ምዃኑ ሎሚኸ ዘይሱቆሮ ወዲ ሃገር ይህሉዶ ይኸውን?!   እዚ መድረኽ ዝጠልቦ ዘሎ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ወልቀ መላኺ ብቅዋም እትምሓደር ሃገር ንምውናን ክሳብ ዝኾነ ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ዝረባረቡ ዘለዉ ኩሎም ደቂ ሃገር ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ ባንክ ሕሳብ ዘሎ ገንዘብ ከይንቀሳቐስን ኣብ መወዳእኡ ድማ ናብቲ ዋና ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዝምለሰሉ ኣገባብ ምጥጣሕ ናይ ኩልና ደቂ ሃገር ብጠቕላላ ነቶም ናይ ሕጊ ምሁራትና ድማ ብፍላይ ኣድህቦ ሂቦም ክቃለሱሉ ዘለዉ ጉዳይ ምዃኑ ምስትብሃል ሃገራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ!!   Eritrea Ranked 53 Out of 200 With Holdings in Secret HSBC Accounts: Who Deposited Eritrea’s $700 Million? Posted on February 10, 2015. Tags: EconomyEritreaRegional Issues February 9, 2015–The biggest banking leak in history sheds light on some 30,000 accounts holding almost $120 billion in assets. HSBC, the world’s second largest bank, has admitted that its Swiss arm has helped wealthy clients hide their assets and dodge taxes. This was made public through leaked secret bank account files. HSBC engaged in a number of practices that are illegal. Of interest to our readers is almost $700 million deposited in the bank by Eritreans–around 32 clients. Eritrea is ranked 53 out of 200 countries with holdings in these offshore accounts. One dozen Somali nationals are holding more than $15 million in 22 secret bank accounts, opened between 1988 and 2007.