ኤርትራዊ! ዓድኻ ክዝመትዶ! ዓይንኻ ይዕመት?

ዓዲ እንታይ ማለትዩ? ዓዲ መሰረት ወድ ሰብ እዩ። ካብዚ ተላዒሎም ቀዳሞት “ሰብ ኣብ ዓዱ፡ እኽሊንከ! ኣብ ዓውዱ” ኢሎም ይምስሉ። ቀደም ደቂ ዓዲ ከመይ ኢሎም ከም ዝመሓደሩ ምስ እንዝክር! ሕጂ ኣብ ምብምንታይ ሃለዋት ወይስ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዘለና ከነማዛዝን ንኸእል። እምበኣር፡ ዓዲ እንታይ ትሕዝቶ ኣለዋ? ዓዲ ዝነኣሰት ሓምሳ (50) ገባር ይሃልዋ ንበል። ሓንቲ ዓዲ ክትባሃል ናይ ገዛእ ርእሳ ጭቃ ወይ ዳኛ ኣለዋ። ኣብ ኣመንቲ እስልማን ድማ ቓዲ ሕጋዊ ዳኛ እዩ። ዓዲ ብስድራ ቤታት ትቐውም። ነፍስ ወከፍ ስድራ ቤት ድማ ነብሳ ዝኸኣለት ንብረትን፡ ጥሪትን፡ መሳርዕን፡ ናውትን፡ ዕጥቂ ማሕረስ፡ ዕጥቂ መሳርዕ፡ ዕጥቂ ናውቲ፡ ዕጥቂ መከላኸሊውን ትውንን። ዕጥቂ መከላኸሊ ከመይ ምስ እንብል ከራሩ፡ ጭማራ፡ ዋልታ፡ ኩናት፡ ጎዘሞ፡ ጉራደ፡ ጠበንጃ፡ ከም ግዜኡን እዋኑን ዝፈቕዶ ጠበንጃ ትዕጠቕ። ንብረት ከም እንስሳ ዘቤት፡ ከብቲ፡ ማል ወይ ኣሓ፡ ጠሌ በጊዕ፡ ኣድገ በቕሊ፡ ፈረስ፡ ኸልቢ ደማሙን ትውንን። ኣብ ገዛ ኣእካል ከም ኡውን ሓጀት ገዛን ኣለዋ። ሓንቲ ዓዲ፡ ብሓልው ዓዲ በብተራ “ብኳደረ”  ትሕሎ። ደቂ ዓዲ ኣብ ሕርሻ ምስ ወፈሩ፡ ከተርቲ፡ ወይ ዘመቲ ምስ ዝመጹ! ኳደረ ኣብ ዓዲ ክርስትያን እንተኾይኑ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ከይዱ ደወል ይድውል። ኣብ ዓዲ እስላም ሙኣዛን ይእዝን። ኣብ ዘይ ስዓቱ  ክድወል እንከሎ ወይ ክእዘን እንከሎ ናይ ሓደጋ ምልክት ከም ዝኾነ ደቂ ዓዲ ስለ ዝፈልጡ ነናብ ቤቶም ይጎዩ። በብዘለዉዎ ኣብ ክተት ወይ ተጠንቀቕ ይኾኑ። እኹል ሓበረታ ምስተረኽበ ንብረቶምን፡ ዓዶምን ይከላኸሉ። ጸላኢ ክዘምት ክመጽእ እንከሎ ኩሉ እዩ ዝዘምት፡ ጥሪትካ፡ ከብትኻ፡ ማልካ፡ ኣድግኻ፡ ሰበይትኻ ይዘምት፡ ንዓድኻ ይወርር። ወራሪ ኣይድንግጸልካን እዩ። ካብ ወራሪ ክድንግጸልካ ምጽባይ ንኽቐትለካ ምጽባይ ጥራሕ እዩ። እዚ ቀዳሞት ዘሕለፍዎ መነባብሮ ከመይ ገሮም ይከላኸሉን ከምዝነበሩ ይሕብር። ናይ ሎሚ ኤርትራ ሃገርና ዘመተኸ? ህዝብና ንኤርትራ ሃገሩ ነጻነት ከውጽእ ካብ ኢትዮጵያ ኢሉ ሃገራዊ ቃልሲ ጀመረ። ካብ 1961 ክሳብ 1991 ንሰላሳ ዓመታት ዝመረረን ዝሓሰመን ከቢ መስዋእቲ ከፊሉ ሃገርሩ ነጻ ኣውጽኤ። እንተኾነ፡ ብስም ሃገራዊ ቃልሲ ስዉር ቃልሲ ንጸነተ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለነ፡ መንደላይ ተመን ተጥምጢምዎ ከም ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ኣእምሮኡ ዓዊሩ ክርእዮ ኣይከኣለን። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብዝብል ስም ኣብ ሓሶትን፡ ጃህራን፡ ጸለመን፡ ክፍኣትን፡ ጥልመትን፡ ክሕደትን፡ መደንቆርን ዝትሕዝቶኡ ብስም ሃገራዊ ነጻነት ዝቖመ፡ ኣብ ኩውንነት ዘይተመርኮሰ፡ ብፍርሕን ራዕድን ዝቖመ፡ ብምስጢር ዝኸይድ ማፍያዊ ምምሕዳር ዘለዎ ድርጅት ነበረን ኣሎን። እዚ ማፍያዊ ድርጅት፡ ንኣባላቱ ልክዕ ከምቲ ማፍያ ዓለም ለኻዊ ዘካይዶ ከማሓድር እንከሎ። ብደጊኡ ሓንሳብ “ለኒነ ማርክሳዊ፡ ሓንሳብ ደምበ ሶሻሊዝም፡ ሓንሳብ ክልሰ ቁጠባ፡ ሓንሳብ ነብስኻ ምኽኣል” ብዝብል መደናጋርን፡ መዔወንን ዝኾነ ኣምር ወይ ርእይቶ ዓለም እናተገለባበጠ፡ ክመጽእ ጸንሔ። ኣብ ህዝባዊ ዘመተን ዕንወትንከ? ጸረ ሃይማኖት፡ ጸረ ባህልን ትሕዝቶ ዓዲ፡ ጸረ ሕጊ እንዳባ ከካይድ እንከሎ፡ “ገረብ ብሓኽላ” ከም ዝባሃል ብደቂ ዓዲ ብተጋደልቲ፡ ስድራ ቤታት ከፍርሱ ጀመሩ፡ አኩይ ተግባራት ዓመጽ ኣብ ኣብልዕሊ ኣንስቲ ሰብ ሓዳር፡ ስነ ምግባር ዝጎደሎ፡ ጽይፉን ኣነዋር ተግባራት ኣብ ልዕሊ ደቂ ዓዲ ክፍጽሙ እንከለዉ፡ ዓገብ ንዝበሉ ዓበይትን   ሽማግለታትን፡ ብጸላም ኮነ ብጸሓይ ብርሃን እና ኣጋፍዑ፡ ንገለ ብሂወቶም ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓዶም ብገደል እናኣጽደፉ፡ ኣብ ዓድታት ኤርትራ ራዕዲ ፍርሕን ኣንገሱ። እዚ ዝገብሩ ድማ ብስም ተጋደልቲ ንሃገራዊ ነጻነት እዩ። ተጋደልቲ መጀመርያ ኣቦኦምን ኣዲኦምን፡ ክሒዶም ተኣማንነቶም ንሰውራ ኮነ፡ ሓው የብሎም ሓፍቲ የብሎም፡ ንሓውካን ፡ ንወለድኻን፡ ንኽትቀትል፡ ትእዛዝ ከተኽብር ቃለ ማሓላ ይፍጸም። “ኣነ ክስዋእ፡ ንስኻ ጽናሕ” ሻህረታዊ ጭርሖ ናይ ዕለታዊ ጸሎት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮነ። ነዚ ዝተዓዘቡ፡ ሕቶ ወይ ርእይቶ ምስ ዘልዕሉ፡ ብሓለው ሰውራ ተውሲዶም፡ ኣብ መግረፍቲ ይሓድሩ። ዉዒሉ ሓዲሩ፡ ብብልሽውና ይኽሰሱ፡ ሰላይ ናይ ጸላኢ ይበሃሉ፡ ሰላዪ ናይ ሲኣይኤ ይበሃሉ፡ ኣውርጃዊ፡ የሚናዊ፡ ዓልየታዊ፡ ወገናዊ፡ ሰላይ ኢትዮጵያ፡ ዝንቡል፡ ..ወዘተ። እናተባህለ ዝተመርጸ ዜጋ እና ኣጸነተ ዓመታት ሓለፈ። ተጋዳላይ ብድልየቱ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነት ተሰሊፉ ከብቅዕ! ጉዳይ መስዋእቱን ጉዳይ ሃገሩን ከምዘይምልከቶ ኮነ። “ምስጢር ክትፈልጥ ህርድግ ኣይትበል” ንመስዋእቲ ተቐርብ እናተባህለ፡ መስዋቲ ከንቱ ክስዋእ ጸንሔን ይቕጽልን ኣሎ። ተጋዳልይ ህዝባዊ ግንባር፡ ሕነ ዘይፈዲ ፍጥረት እንክኸውን ተመልመለ። መሰሉ ኣጥፊኡ፡ መሰል ስድራ ቤቱ የጥፍእ። ስዒቡ መሰል ዓዱን ደቂ ዓዱን የጥፍእ። ቀጺሉ መሰል ወረዳኡን፡ ኣውርጃኡን፡ ተደማሚሩ መሰል ሃገሩ ከጥፈ ንርእዮ ኣለና። “ግበር ኣይትግበር” ሓጻር ትእዛዝ። ንምዃኑ፡ ሃገር እንታይ ማለት እዩ ኢልካ ንተጋዳላይ ወይ ሰራዊት ሳዋን ኣብ ስደት ዝርከቡ ሓፋሽ ውድባት ሓቲትካዮም መባአታዊ ሕቶ ኣይምሉስ እዮም። መዛረቢ ቃላት ዝወሃባ ብቤት ጽሕፈት ፖሊቲካው ድርጅት እዮም ዝምልሱ። ኣበይ ዓድኻ? ምስ እትብሎም ኤርትራ አዩ። እንታይ እዩ ኤርትራዊ ማለት ምስ እትብሎ ህዝባዊ ግንባር ዝገብሮን ዝዛረቦን ምድጋም እዩ። ንህዝባዊ ግንባር ዝወቅስ ወይ ዓላማኣ ዝሓትት፡ ትሕቲ ሃገራውነት፡ ሸያጥ ዓዲ፡ ከዳዕ፡ ወያነ፡ ዓጋመ፡ ተረፍ መረፍ ጀብሃ፡ ሓሙሻይ መስርዕ፡ ጰንጠ፡ ጂሃድ…ወዘተ   እዩ መልሶም። መሰል ዜጋ ኣይምልከቶም እዩ። ቅድም ዶብ ክሕንጠጥ ኣለዎ። ወያነ ሰራዊቶም ከየውጽኡ። ዓድታት፡ ኤርትራ ስድራቤተን ተዘሚተን፡ ወለዲ ደቆም ተዘሚቶም፡ መርየቶምን፡ ንብረቶም ተዘሚቶም፡ ጥሪቶም ተዘሚቶም፡ ሰቡኡት ኣንስቶም ተዘሚቶም፡ ቆላዑ ወለዶም ተዘሚቶም፡ ወለዲ ደቁ ስእኑ፡ ኣንስቲ ሰቡእተን ስኢነን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝምርዓወን ስእኒነን፡ መንእሰይ ተስዲዶም መዕለቢ ስኢኖም ፈቐዳኡ ይሞቱን፡ ይግፍዑን ዋና ስኢኖም፡ ንዓለም ገረሞ!!!! ኤርትርዊ፡ “ጎበዝዶ! እዋዘ እዋዘ ዓዱ ከይ ሓዘ፡ ይባሃል ከምዘይነበረ። ፈዳይ ሕነ ዘይብላ ሃገር ኮይና ተሪፋ። ናይ ኤርትራውያን ሕማም ድዩ ጽላለ ክርድኣካ ኣይክእልን። ካብ ዝተማህረ የብሉ ካብ ዘይተማህረ ሕልና ዘይብሎም ዜጋታት እናኾኑ ክኸዱ ክትሪ የሕዝን። ሰብ ባጀላ፡ እምበርዶ! ሰብ እዮም ዝባሃሉ ብዙሓት እዮም። ይገርም የተዓዛዝዝብ ድማ። ኣብ ዓዲ ነጻነትን፡ ኣብ ዓዲ ሕግን፡ ኣብ ስደት ዝነብሩ፡ ሕልኖኦም ሸይጦም ዝበልዑ ዉሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ኹሉ ዘመተ ኣበይ ከደ ኳደረ ዓዲ? ኣበይ ከደ ሙኣዝን ዓዲ? ሓቲትካ መልሲ ዘይርከቦ ዓድን ሃገርን ኤርትራ ጥራሕ እያ ካብ ዓለም ንበይና ብዜጋታታ ዘይትግደስ ኮይና ትርከብ። ኣብ ዘበነ ሻዕብያ ኣቦኻ ቀቲሉልካ ኣብ ክንዲ ሕነ ዝፈዲስ፡ ምስ ቀታል ኣቡኡ ይዕሽከር። ንኣድማ ገረሞ!!!! ናይ ኤርትርውያን ነገር ዘርዚርካ ኣይውዳእን። ስርዓተ ማፍያ ኣስመራ፡ ንሃገርና  ኤርትራ ናብ ክልል ቀይሩ ናብ ኢትዮጵያ፡ ክሕውሳ እና ርኤኻስ፡ ስቕ ኢልካ ይሕደር? ንምዃኑ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሰራዊት ኣእምሮ የብሎም ኣይብልን? ሓበረታ ጎዲልዎም ግና ክብል ይኽእል። በዚ ዘበን እዚ ስልክን፡ መራኸቢ ብዙሃንን ኣብ ዝተዘርጋሓሉ፡ ኒሕ ዘይብሉ ሰራዊት ክኸውን ይግባእዶ? ንምኒስተር ብርሃነ ኣብርሄ ኣብ ዝሰደዶ ቃላት ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ረኺበዮ። እንተኾነ ከም ቀዳሞት ብጸቱ ከይምንጠል ድማ ይፈርሓሉ። ንትብዓቱን፡ ንኣመራርሔኡን ይንእዶ፡ ኣጆኻ ክብል ይደፍር። “ኣሳፊሕካ ሞትየ፡ ተኾርሚኻ ሞትየ፡ ንዓናይ ንባሕሪ ንሓደ ዓመትየ” 1974 ዝድረፍ ዝነበረ ዘኪረ። ኣጆኻ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሄ ቱታ!!! ቱታ!!!!ቱታ!!! ኣጽንዕ ኩናትካ ምስ ዋልታ!!!!!! ዶክተር ደብረጽዮን ንልዕላውነት ኤርትራ ምሕላውን ምኽባሩን ክብሪ ይሓብካ፡ “ወዲ ጭዋ ጭዋ እዩ” ጭውነት ህዝቢ ኤርትራ ብምኽባሩ ዝተመስገነ ይኹን። ኣብ ስዑዲ ዝግበር ስምምምዕ ብመራሒ ማፍያ ኤርትራ ምስ ዶክተር ኣብይ ናይ ኢትዮጵያ ዝግበር ስምምዕ ከምዘለዎ። ይኹንንን!!!!!! ዓወት ንደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ!!!!! ሃይለ ገብረ ትንሳኤ ዘብሄረ ሰራየ ኢንድያናፖሊሲንድያና 15 መስከረም 2018