ኤርትራ፡ ናይ ሕጂ ገደደ!!!!!!!

ኤርትራ፡ ናይ ሕጂ ገደደ። እስከ ብኸመይ ክጅምሮ? መትሓዚ ዘይርከበቦ፡ ብኢድካ ዘይትሕዞን ዘይትድህስሶ፡ ብእዝኒ ዝስማዕን፡ ብስእሊን፡ ብዝንቀሳቐስ ኣፍላማትን እዩ።

እምበኣር፡ ከምዚ ካብ ኮነ! ኤርትራውነት፡ ብኸመይ ይምዘኑ፡ ኣብዚ ፈታኒ ግዜ፡ ንኽትገልጾ ዘሸግር፡ እዋን እዩ። እስከ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንመልከት።

ብ2018 ኣብ ኢትዮጵያ መንግስታዊ፡ ለውጢ ኣብ ዝተረኽበ ግዜ፡ ቀዳማይ ዕማም ሰላም ምስ ኤርትራ፡ ክገብር እየ። “እንደመረ” ወይ “ንደመር” ብዝብል ጭርሖ

ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ዓለም ምስ ገለጸ፡ ነዚ ሓቅነት ዘይብሉ ብመዓር ዝተሸፈነ መርዛም መዓር፡ መንፍሕ መርዚ ነፍሔ።

ብወገን ኣስመራ፡ ነዚ መርዚ ብሓጎስ ተቐበሎ፡ “ ንህዝቢ ትግራይ በላዕቲ ጥምቢ፡ ዕደመኹም ሓጺሩ፡ ተፈጸመ” ዝብል ኣዋጅ ተነግረ። ጉዕዞ ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ጎንደር ባህርዳር፡ ኣስመራ” ምምልላስ ተጀመረ፡ “ሓደ ህዝቢ ኢና፡ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ ኣብ ዘየድሊ ኩናት፡ ንዘበናት ተፈላሊና ነርና፡” ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ሓደ ግዜ ፍሽኽ ኢሉ ዘይፈልጥ ክሳብ ኮራርምቱ ዝርኤ ስሓቐን፡  ኣፍልቡ ደጋጊሙ ወቕዔ፡ ናይ ምስጢር ሓጎሱ ገለጸ።

ብወገን ኢሳያስ፡ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኽሕውሳ እዩ ዝብል ዝነበረ ጥርጠራታት ከም ጸሓይ ቀትሪ በርሁ ንርእዮ ኣለና።

ኤርትራ ነጻ፡ ከነውጽእ ሰላሳ ዓመታት፡ ወሲዱልና። ኤርትራ ንኽትፈርስ፡ ንኽትብተን ብመሪሕነት ኢሳያስ፡ ሰላሳ ዓመታት ወሲዱልና። መንእሰይ ዘይብላ ሃገር፡ ትምህርቲ ዘይብላ ሃገር፡ ህዝቢ ደኽዩ፡ ንብረታት ፈራሪሱ፡ ስደት ከም መፍትሒ ተወሲዱ፡ ህልቂት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ።

ይተካእ ይለቀም፡ ሕፍረት ዘይብሉ፡ ሓላፍነት ዘይስምዖ፡ መራሒ ኤርትራ! በኣሽካዕላል ሰላስ ዓመታት፡ እንታይ ተገሩ፡ ፈሪሱ ፈራሪሱ ኤርትራ፡ ምስ ኢትዮጵያ ይሕሸኩም ዝዓይነቱ መምርሒን፡ ትንተናን፡ ንህዝቢ ገለጸሉ።

ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኣስመራ ባህርዳር ጎጃም፡ ክመላለሳ፡ ቀነዩ። መደብ ኩናት ሓንጸጹ ብሓበራ። ንሰመን እዝ፡ ካብ ትግራይ ኢሳያ ወይ ኤርትራ ቀሪባቶም? ንዕስራ ዓመታት ጸላጺ ከይ ኣትወና ኢሎም ዝሕልዉዎ ዝነበሩ፡ መርየት ኤርትራ መህደሚቶ ከመይ ኢላ በቕዔት?

ኩናት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዕለት 4 ሕዳር 2020 ኣብ መራኸቢ ብዙሓን (ፈይስ ቦኦክ) ብመራሒ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ተኣወጀ። እዚ ኩናት ንብዙሕ እዋናት ክሕሰብ ዝጸንሔ፡ ንጥፍኣት፡ ንቕዝፈታት፡ ህዝቢን፡ ንብረትን ዝዓለመ ምዃኑ ክንርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ። እዚ ኩናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብኢሳያስን፡ ብዶክተር ኣቢን ዝተተለመ እዩ።

እቶም ተዋጋእቲ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ “ሕጊ ንምኽባር፡ ኣብ ትግራይ” ብዝብል ስም ተጠሚቑ፡ ጥይት ተተኮሰ። “መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰመናዊ እዝ ደቂሶም ከለዉ ሓደጋ ስለ ዝፈጸሙ” አዩ።

ናብ ኩናት ዝዘመቱ፡ ብወገን ኢትዮጵያ፡

1.   ናይ ክልል ኣምሓራ፡ ምልሻ፡ ብምዕራብ

2.   ናይ ኢትዮጵያ ብሙሉኡ መከላኻሊ ሓይልታት፡ ኣጋር ሓይሊ ኣየር፡ ብምብራቕን ብደቡብን ይዘምቱ።

3.   ናይ ኤርትራ መከላኻሊ ሰራዊት ዝባሃል፡ መናእሰይ ሳዋ አዩ።

4.   ካብ ታሕታይ ኣድያቦ ናብ ኤርትራ ዝሰገሩ ሰራዊት ኢትዮጵያ

5.   ብነፈራት ናብ ኣስመራዝመጹ መከላኸሊ ሓይልታት ኢትዮጵያ

6.   ድሮን ሃገራት ኣዕራብ ሱዑድን፡ ኢማራትን

7.   ናይ ሶማልያ 5000 ወተሃደራት

እዚ ኩሉ ሓይልታት ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ተበገሰ፡ ኩናት ተጀመረ። ኩናት ኣየቛረጸን፡ ይቕጽል ኣሎ። መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ፡ “ ኩናት መፍትሒ ኣይኮነነ፡ ንዘራረብ፡ ኩናት መፍትሒ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግና፡ ትግራይ መቓብር ጸላእታ እያ”። ብዝብል መልሲ ተዋህበ።

ኩናት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸር ሂወት ሰብ ቀዚፉ ኣሎ። ዝቖሰለ፡ ዝጎደለ፡ ጸኒሑ ንዓለም ክንገሮ እዩ። ዝፈረሰ ንብረት ሃገራዊ ሃብት

ብሚልዮናት ዶላር ዝቑጸር እዩ። ስድራ ቤት ተበታቲኑ፡ እግረይ ኣውጽእኒ እናበለ ኣብ ህድማ ይርከብ ኣሎ።

እቲ ዘሕዝንን፡ ዘስደምምን፡ ግና፡ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩናት ናበይ ዝዕለመ እዩ ብንጹር ክርእዮን ክፈልጦን ዘይ ምኽኣሉ እዩ። ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን፡ “ፍርዲ ንነብስኻ” ከም ዝባሃል፡ ፍትሓዊ እየ ዝብል ዜጋ፡ ፍትሒ ንሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንእንስሳውን ፍትሒ ይግብኦ ምኻኑ ኣብ ሕጊ እንዳባ ተመልከቱ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፍጸም ገበብን ፡” ይጨርሾም፡ ይበሎም፡ ይደምሰሱ፡ ህልም ይበሉ” ንማንም ሰብ ፍትሓዊ ኣየግብሮን እዩ። ጨካን ፍጥረት ምዃንካ ዘመልክት ጥራሕ እዩ። ፍትሓዊ ዝኽነ ሰብ በደል ኣብ ዝርኣዮ “ዓገብ” ክብል ጭውነት እዩ።

እዚ ኩናት እዚ፡ ቀዳማይ ዕማሙ፡ ንህዝቢ ትግራይ ምድምሳስ፡ ኣብ ድኽነት ንምእትው፡ ዓቕሙ ከዳኽሞ ክኸውን አዩ፡ ዝድብድቦ ዘሎ።

ስዒቡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሳላ ኢሳያስ፡ ኣብ ድኽነትን ኣብ ልምሰትን ስለ ዘሎ፡ ሓይልን ዓቕምን የብሉን፡ ኤርትራ ንምሓዝ ጸገም ኣይኮነንን።

ስለዚ፡ ኤርትራ፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ወተሃደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ኣሎ። ሰራዊት ኤርትራ “ነዊት ብላዕሊ ኣርዑት ጸቐጦ፡ ብታሕቲ ዕርፊ ጸቐጦ”

ከም ዝባሃል፡ ብቕድሚት ሰራዊት ህዝቢ ትግራይ፡ ብድሕሪኡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ተዋጢሩ ይርከብ ኣሎ።

ሰራዊት ኤርትራ፡ እንተ ተወጊኡ፡ “ኣዳግምዎ” ዝብል ትእዛዝ ህልቀት ይጽበዮ። ኩናት ምስ ተወድኤ፡ ኤርትራ ክንደይ ዝኸውን ሓያል ሰራዊት ክህልዋ እዩ? ናይ ኤርትራ ኣብ መርየት ትግራይ ከተማታት ኣብ ዝኣተወሉ ኣብ ስርቅን ዘመተን ኣትዩ፡ ክትርኦ የሕዝን ኮይኑ ረኺበዮ።

ኤርትራ፡ ብሕግን ስርዓትን እትፍለጥ ሃገር፡ ቅድሚ ሰብ ከም ዘይነበረት፡ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ስነ ምግባር ኣልቦ፡ ኣብ ቅጥፈትን፡ ኣብ ቅትለትን ደቃ ክዝከሩ የሕዝን። ዓራት፡ ድስቲ ኩባያ ኣብያተ ንግዲ ኩሎም ተዘሚቶ ታሪኹ ዘይ ጽቡቕ፡ ኢሳያስ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዉርደት የእዩና ከምዘሎ ክንፈልጦ ይግባእ። ደለይቲ ፍትሒ ንባሃል ከም ዘይነበርና ሕጂንከ! ብስርቅን ብምዝራፍን ክንጽዋዕ ኣይግድን። “ጥምየት ነይቀትል ዘይ ሽብዳዕዳዕ” ብስርቂ  ዝማዕበለት ሃገር የልቦን። ንብረት ህዝቢ ወሲድካ ደቂስካ ኣይሕደርን እዩ። ዋጋኡ ከቢድ እዩ። “ንኽትድቅስ ጎረበትካ ይደቅስ” ጎረበት ከይደቀሰ ብሰላም ኣይሕደርን እዩ።

ናይ ታሪኽ ሓተላ ምዃን፡ ክንከውን ኣይግባእን።

ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ዘሎ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት፡ መን ከውጽኦ እዩ?

ኣብ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ባሕሪ ሓይሊ ጀሚሩ ኣሎ።

ንሙኻኑ፡ ኤርትራ ንድኽነትን፡ ንስደትን፡ ንጸነትን፡ ድያ ንስሳ ዓመታ ተቓሊሳ? ናብ ኢትዮጳያ ክንሕወስ እንተድኣ ነይሩ፡ ህልቂት መድለየዶ?

By Haile Tensae