ኤርትራ ሃለዋት ዝተሰወሩ 11 ፖለቲካዊ መራሕቲን 18 ጋዜጠኛታትን ንክተፍልጥ ተሓቲታ

written by VOA
መንግስቲ ኤርትራ እቶም ካብ 2001 ዓም ጀሚሩ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ዝተሰወሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት መብርሂ ንከቕርብ’ ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዖም። 18 ሰባት ዝኣባላታ ኮሚተ ናጻ ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገዛኢ ኩነታት ብርክት ዝበሉ ሻቕሎታት ኣለዎም። ‘ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይፍርዲ ምቕታል፣ ምስቓይ፣ መስወርቲን ካልኦት ከበድቲ መግሃስቲን ከምዝፍጸሙ’ ከምዝፍጸም’ውን ተገሊጹ ኣሎ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ናጻ ኪኢላ ክሪስቶፍ ሄይንስ ‘ካብ 2001 ዓም ጀሚሩ ዝተሰወሩ ጋዜጠኛታት፣ ብህይወት ይሃልው ኣይሃልው ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ’ውን የለን’ ይብል ሓደ ኣባል’ታ ኮሚቴ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ዝተፈጸመን ን11 ኣባላት ህግደፍ ብምጥቃስ ክዛረብ ከሎ ‘ንሳቶም ዝተኣሰሩ ንመንግስቲ ዝነቅፍ ስለዝጻሓፉ’ እዩ ኢሉ። እንታይ ኮኑ? ዝፈልጥ ሰብ የለን ምስ በለ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠንቂ ስደት መናእሰይ ናብ ኣውሮጳ ከምዝኾነ ኪኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ይኣምኑ። ዝተመልመሉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተገዲዶም ብትሑት ክፍሊት ወይ ብናጻ ከምዝሰርሑን’ውን ሓቢሮም።

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.