ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክትፈትሕን ግፋ መንእሰያት ደው ከተብልን ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ

written by BBC
ኤርትራ፡ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ኣየርኣየትን ክብል፡ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ፍልይቲ ተኸታታሊት ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ፡ ዳኒኤላ ክራቨዝ ኣብ ዘቕረበቶ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ በቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ “ሰፊሕ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት፡ ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ መሰላት ኤርትራውያን ዓቢ ሻቕሎት” ከም ዘለዋ ተዛሪባ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ክስታት “ዘይቅዱው” ክብል’ኳ እንተነጸጎ፡ “ኤርትራ ኣብ ገለ መዳያት ናይ ባዕላ ብድሆታት ኣለዋ፡ እንኮላይ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰላት” ክብል ተኣሚኑ ነይሩ። ኣብቲ ሎሚ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ስደት ይውሕዙ ምህላዎም መርኣያ እቲ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ሰባዊ መሰላት’ዩ ኢሉ። ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዋሕዚ ድማ፡ እቲ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ ይጠቅስ። መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገደብ-ኣልቦ ምዃኑ፡ ብኲናት ዝተስገደደ ምዃኑ ብምምጓት፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተረባሕቲ “ዝበረኸ” ናይ ደሞዝ ምምሕያሽ ኮይኖም ኣለዉ ኢሉ ነይሩ። “ምስዚ ዘሎ ሰላም፡ ናይ ግዜ ገደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት… ናብቲ ዝግብኦ ሕጋዊ ኣዋጅ ክምለስ’ዩ። “ከምቲ ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ ኤርትራ ዘካየዶ መደባት… ናይ መጣየሲ ቅጥዕታት፡ ኣብ ግዚኡ ክወጽእ’ዩ” ኢሉ። እታ ፍልይቲ ተኸታታሊት፡ መንግስቲ ነቲ ዘካይዶ ዘሎ ግፋ መንእሰያት ደው ከብሎ’ውን ጸዊዓ’ላ። “ናይ ፖለቲካ እሱራት፡ ናይ ሕልና እሱራትን፡ ከምኡ’ውን ብዘይሕጊ ተታሒዞም ዝተቐየዱን ክፍትሑ ኣለዎም” ኢላ። ንሳ፡ ኣብ ጸብጻባ፡ ገለ ማሕበረሰብ ዓፋር ካብቲ ዝነብርሉ ቦታታት ክግዕዞ ይግደዱ ምህላዎምን፡ እቶም ዝተቓወሙ ድማ ግዳይ ማእሰርትን ምስዋርን ኮይኖም ከም ዘለዉ ጠቒሳ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ከተጻሪ ከምዘይካኣለት ብምግላጽ፡ መንግስቲ ነቲ ኩነታት ኣብ ባይታ ኣትያ ከተጻርዮ ከፍቅደላ ጠሊባ።