ኤርትራ ንኢትዮጵያ ክትክሕስ ተፈሪዳ (Eritrea to pay Ethiopia millions)

ኣብ ዘሀይግ ዝመደበሩ ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ኤርትራ ነቲ ብሰበብ ውግእ ዶብ ዝስዓበ ዕንወት 10 ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ክትክሕሳ ተበይኑ ኣሎ። እዚ ብይን ካሕሳ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ፣ ንብረትን ገጠራትን ዝስዓበ ዕንወት  ዘጠቓለለ እዩ። እዚ ገንዘባዊ ካሕሳ ነቲ ብናይ ኤርትራ ደብዳብ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ትምህርቲ ቤት ዘጠቓለለ’ውን እዩ። ኤርትራ ነዚ ብይን ድሮ ከም ዝተቐበለቶ ኣፍሊጣ ኣላ።

እዚ ናይ ካሕሳ ኮሚሽን ንዝተፈላለዩ ፍጻመታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ እዩ ነዚ ብይን ሂቡ ዘሎ።

ኤርትራ ክላስተር ቦምብ ብምጥቃም ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ትምህርቲ ቤት ደብዳብ ብምክያዳ ኢትዮጵያ ገንዘባዊ ካሕሳ ክውሃባ እንከሎ፤ ኤርትራውያን ካብ ገዛውቶም ብምብራር ንብረቶም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምህጋሩ ድማ ኤርትራ ገንዘባዊ ካሕሳ ተዋሂብዋ ኣሎ። ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ተሓቲቱ ግን በዚ ናይ ካሕሳ ኮሚሽን ተነጺጉ ዝብል ሓበሬታ ከም ዘሎ’ውን ይፍለጥ። ብሓፈሻ ጠቕላላ ካሕሳ ኤርትራ ንኢትዮጵያ 174 ሚልዮን ዶላር ክትክሕሳ ክውሰን እንከሎ ኢትዮጵያ ድማ ንኤርትራ 164 ሚልዮን ዶላር ክትክሕሳ ከም ዝተወሰነ ተፈሊጡ ኣሎ።  ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣማኻሪ ዶን ፒካርድ እዚ ንኢትዮጵያ ዝተበየነላ ካሕሳ ምስቲ ብሰበብ ውግእ ዝስዓበ ዕንወት ክመጣጠን ከምዘይክእል ይሕብር። ተኸታታሊ ጉዳያት ኣፍሪቃን ጋዜጠኛ ቢቢስን ማርቲን ፕላውት ብወገኑ እቲ ዘሕዝን ክፋል ብይን ካሕሳ፡ ልክዕ ከምቲ ዓለም ለኻዊ  ደገፍ ዘለዎ ዓቃብ ሰላም ዘላቒ ሰላም ከምጽእ ዘይምኽኣሉ እዩ ። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ሕጂ ዘከራኽር ጉዳይ ኮይኑ ኣሽሓት ሰራዊት ክሳብ ሕጂ ዓሪዶም ይፋጠጡ ምህላዎም እዩ ብማለት ድማ ርእይቶኡ ሂቡ።

ምንጪ ሓበሬታ BBC NEWS    Thursday, 20 August 2009 10:45

 ካብ ቢቢሲ ቃል ብቃል ብ ኤዲቶርያል ቦርድ ዝተተርጎመ

Copyright © 2020 Eritrean Congress Party Strategy Adi. All Rights Reserved.