ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝትኣስሩ ብዝቐልጠፈ ክፈትሕን ናብ ናጻ ፍርዲ ቤት ከቕርቦም ጸዊዑ ኣሎ። ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ሎሚ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት መብርሂ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ሂዩማን ራይትስ ዋችን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ንኤርትራ ካብተን ጨቆንቲ ሃገራት ሓንቲ እያ ክብሉ ንዓመታት ክኸሱ ጸኒሖም ኢዮም። እዞም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ናጻ ሜድያ የለን፤ ነቐፍቲ መንግስቲ ብቐጻሊ ይእሰሩ፣ መብዝሕትኦም መንእሰያት ድማ ምስቲ ምስ ባርነት ዘመሳስልዎ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎ ንዓመታት ከገልግሉ ይግደዱ ይብሉ። ሎሚ ነቲ ጸብጻብ ዘቕረበት ላዕለወይቲ ምክትል ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ከይቲ ጊልሞር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብኣዊ መሰላት ኣይተመሓየሽን ትብል። ኣድላይነት ምኽባር ስርዓተ ሕግን መሰል ኣብ ፍትሓዊ ትካላት ምቕራብን ብዝምልከት ኣስሚርናሉ ኢና። ሓደ ካብቶም ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኖም ዘለዉ ዘይድሩት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከብቅዕ ኣተሓሳሲብና ኢና። ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት መሊኡ ዝሕልወሉ ሕገ-መንግስቲ ከተግብር እቲ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ሓቲቱ እዩ ትብል። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ሕጊ ይግምግሞ ከም ዘሎ ዝጠቐሰት ጊልሞር፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ሕገ-መንግስቲ ከም ዝትግበር ቅድሚ ሕጂ ጠቒሶም ኔሮም እዮም እንተኾነ ግን ጭቡጥ ውጽኢት ኣይተራእየን ትብል። መንግስቲ ኤርትራ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ዘብቅዓሉ ጭቡጥ ጽገናታት ክወስድ ተስፋ ብምግባር ቤት ጽሕፈታ ምስ መንግስቲ ብሓባር ንምስራሕ ወሲኑ ከም ዘሎ ምክትል ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጣ ኣላ።

ምንጪ VOA