ውጥረት ኤርትራን ኢትዮጵያን

NewAfrican July 2016-Nr.563 ንጉዳይ ውጥረት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ኣብ ዓምዱ ዘቕረቦ ጽሑፍ ይብል:-

ውጥረት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን ኣድህቦ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዝያዳ ኣብ ምክልኻል ሕሉፍ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስን ግብረ-ሽበራን ኮይኑ ዝጸንሐ ሎሚ ብዝያዳ ኣብ ምድጋፍ ምትእትታው ደሞክራስያዊ ምሕደራ እንተዝኸውን ዝያዳ ጠቓሚ ተራ ምሃለዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ መንጎ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም እንደገና ግጭት ድሕሪ ምብርዑ ጌና ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ ከምዘብርሆ ድማ ብሰንኪ እዚ ግጭት ብኽልቲኡ ወገን ከቢድ መጉዳእቲ ከም ዝወረደ እዩ። ኣብ 1998-2000 ዝተባርዐ ናይ ዶብ ግጭት ሳዕቤን ሞት ከባቢ 80 000 ኮይኑ እዩ። ድሕሪ እቲ ኣብ ኣልጀርስ ዝተበጽሐ ውዕል እዚ ውግእ ኣብ 2000 ዓ.ም. ደው ዋላ እንተበለ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ኣይውዓለን ኣሎ። በዚ ምኽንያት ክልቲአን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ኩነተ ኣይ ውግእ ኣይ ሰላም ይርከባ ኣለዋ።

ብተወሳኺ ክልቲአን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ንሓድሕድ ምክሳስ ይርከባሉ ኣብ ዘለዋ እዋን፡ ኣብቲ ናይ መበል 25 በዓል ናጽነት ኤርትራ፡ ብፕረሲደንት ኤርትራ ዝቐረበ መደረ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ነጻነት ኤርትራ ተጻባኢ መርገጽ ከም ዘለዋ ኣብ ዝሃቦ መደረ ገሊጹ። ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ምጅማር እዚ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ንዝመጻ ቀጻሊ ሰላም ኢትዮጵያ ንምህዋኽ ዝካየድ ምትኹታኽ ተመጣጣኒ ግብረ መልሲ ክትህብ ድልውቲ ምህላዋ ፕራይም ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብሪሁ ኣሎ። ብድሕሪ እዚ እናጸንሐ ዝባራዕ ዘሎ ግጭት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀጻልን ስትራተጂካዊ ተጻባእነት ከም ዘሎ ከብርህ እንከሎ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ብወገን መንግስቲ ኣሜሪካ ንኩሉ ጉዳያት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ዝያዳ ጠመትኡ ኣብ ክንዲ ኣብ ጸጥታውን ጸረ ግብረ-ሽበራን ዝኸውን ብዝያዳ ኣብ ምድንፋዕ ደሞክራስያ፣ ምትእትታውብቑዕ ምሕደራ፣ ምኽባር መሰል ናጻ ፕረስ፣ ምውሓስ መሰላት ውሑዳት (minority) ወዘተ ዘድሃበ ክኸውን ይግባእ።

ኣድህቦ ምሕደራ ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽ ስዒቡ ድማ ምሕደራ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ምክልኻል ጥሩፍነትን ግብረ-ሽበራን ዘድሃብ ኮይኑ ብምጽንሑ ዘሎናዮ ኩነት ናብ ናይ እዋን ዝሑል ኲናት መድረኽ ቀይርዎ ይርከብ። እዚ ድማ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ኣብ ምክልኻል ጥሩፍነትን ግብረ-ሽበራን ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝተሓባበሩ ምሕደርኦም ብዘይ ዝኾነ ተቓውሞ ክቕጽሉ ኣኽኢልዎም ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ዝመጽእ ምርጻ ኣብ ኣሜሪካ ኣየናይ ወገን ይስዕር ብዘየገድስ ንጉዳይ ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ ስትራተጂ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝያዳ ተጻብኦታት ኣብ ምፍታሕ፣ ምውሓስ መሰል ደቂ ሰባት ከምኡ ድማ ኣብ ምድንፋዕ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ዘድሃበ ክኸውን ይግባእ። እዚ መትከል ንምክልኻል ጥርፉነትን ግብረ-ሽበራን ድማ ሓጋዚ ተራ ምሃለዎ ኔሩ። ሓደ ካብ ጠንቅታት ተጻብኦታት ኣብዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘይትኣደነ ደገፋት እዩ። ንኣብነት ብ1953 መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኣሜሪካን ናይ 25 ዓመታት ውዕል ክራይ ወትሃደራዊ መዓስከር ክኽትማ እንከለዋ መንግስቲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ ታዕሊም ከምኡ ድማ ብረት ንምሃብ ተሰማሚዑ ነበረ። ካብ 1953-1960 መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኣፍሪቃ ዝዓበየን (sub-Sahara) ዘበናዊ ዝኾነን ነፍሲ ወከፍ 6000 ሰራዊት ዝሓዙ 3 ክፍለ ሰራዊት መስሪታ ነበረት። ብተወሳኺ መንግስቲ ኣሜሪካ ካብ 1946 ክሳብ 1975ንኢትዮጵያ ልዕሊ 286 ሚልዮን ዶላር ብመልክዕ ቁጠባዊ ሓገዝ ክትህብ እንከላ እዚ ካብቲ ብጠቕላላ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዋህበ ሓገዝ ክልተ ሲሶ ነበረ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብወለንታ ዝሰርሑ 925 ኣሜሪካውያን ኣብ ኢትዮጵያ ክሰርሑ እንከለዉ ኣብቲ እዋን ካብ ኣብ ምሉእ ሃገራት ኣፍሪቃ ብወለንታ ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣሜሪካውያን ብቑጽሪ 50% ነበሩ። ኣብ ቁጠባዊ ሓገዝ ዝውዕል ድማ መንግስቲ ኣሜሪካ 350 ሚልዮን ዶላር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝለገሰት ይፍለጥ።

ድሕሪ ምግምጣል ስርዓት ሃይለ ስላሤ፤ ስርዓት ደርጊ ኣብ ደምበ ሶቭየት ሕብረት ምስላፍን ዝያዳ ኣገዳስነት ካልኦት ዞባታትን ኣብ ግምት ብምእታውን ንኢትዮጵያ ዝውሃብ ዝነበረ ሓገዛት መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሰብዓታት ማህሚኑ ጸኒሑ እዩ፡ እንተኾነ ብድሕሪ 9-11 ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ሽርክነት ኣብ ምክልኻል ግብረ-ሽበራ ምርኩስ ዝገበረ ስምምዓት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ተበጽሐ። ኣብ 2001 ኣሜሪካ ኣብ ምቅላስ ግብረ ሸበራ ኢትዮጵያ ዋና ሽርካ መንግስቲ ኣሜሪካ ምዃና ድሕሪ ምግላጻ፤ ኣብ 2005 ብመንገዲ ዩ.ኤስ.ኤይድ ኣብ ናይ መግቢ ሓገዝ ዝውዕል 460 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ሃበት። እዚ ቅርበት መንግስቲ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ንመርገጽ መንግስቲ ኤርትራ ንዘይምቕያር ሓደ ካብ ምኽንያት ኮይኑ፤ እቲ ኣብ 2002 ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስን ሓሙሽተ ዳያኑ ዝተዋህበ ብይን ምሕንጻጽ ዶብን ባድመ ኣካል ኤርትራ ምዃና ዝተዋህበ ብይን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉ ኣብ ስርዓት ኤርትራ ቁጥዐ ካብ ዝፈጠረ ፍጻመ ኮይኑ ንረኽቦ። ብርክት ዝበሉ ተንተንቲ ነዚ ዝተዋህበ ብይን ኣብ ግብሪ ንምውዓል መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ድፍኢት ዘይምውሳዳ ዘይቅቡል እዩ ዝብል መደምደምታ ይህቡሉ። ርክባት ሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ ርክባት መንግስቲ ኣሜሪካ ምስ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ኣብ ክንዲ ኣብ ንህዝቢ ኤርትራ ዘገድሱ ጉዳያት ዘድሃቡ ዝኾኑ ብኣንጻሩ ኣብ ወትሃደራዊ፣ ጸጥታውን ስለያውን ረብሓታት መንግስቲ ኣሜሪካ ዘድሃበ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

ደድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም መንግስቲ ኣሜሪካ ብምትሕግጋዝ መንግስቲ እንግሊዝ መሳለጥያ ርክብ (communication facility) ኣብ ክተማ ኣስመራ ከባቢ ሬድዮ ማሪና ምምዕባል ጀመረት። ኣብ 1950 እዚ ስራሕ ብምስፋሕን ናብ ቃኘው ስቴሽን ብምስግጋርን ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣገልገለ። ኣገልግሎት ናይዚ ስለላዊ መሳለጥያ ብናይ ኣሜሪካ ሃገራዊ ጸጥታዊ ትካል (National Security Agency – NSA) ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣገልግሎቱ ንቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ምስራቕን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ወሽመጥ ፋርስን ገለ ክፋል ሶቭየት ሕብረት ዝበጽሕ ዝርግሐ ነበሮ።

ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ንጉዳይ ኤርትራ ብግቡእ ሒዝዎ ኣይጸንሐን ብተወሳኺ ጉዳይ ኤርትራ ካብ ዝኾና ካልኦት ኣፍሪቃውያን ሃገራት ብዝያዳ ብምትእትታው ኢድ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ክጽሎን ንሓደጋታት ክቃላዕን ከምዝጸንሐ ይፍለጥ። ከምቲ እንግሊዛዊት ጸሓፊት ሚሸላ ሮንግ (I Did Not Do It For You) ብዝብል ኣርእስቲ ዝፍለጥ መጽሓፋ ዝገለጸቶ “መንግስቲ እንግሊዝ ኤርትራ ንምምሕዳር ድሕሪ ስዕረት መንግስቲ ጥልያን ምርካባ ቀጺሉ ንነጻነት ዝቐረበ ምሕጽንታ ፈጺሙ ተጎስዩ ሓሊፉ እዩ”።

ሃይለ ስላሤ ጋዜጠኛታት፣ መራሕቲ ማሕበር ሰራሕተኛ፣ ናይ ፖለቲካ መራሕትን ካልኦትን ብቐጻሊ ኣብ ዝኣስረሉ ዝነበረን መሰል ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ዝግህሰሉ ዝነበረ እዋን ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኾነ ተቓውሞ ኣይተሰምዔን። እንተኾነ እዚ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰኣነ ጉዳይ ኤርትራ ብተቓውሞ ኤርትራውያን ተመሃሮ ብድሆታት ክገጥሞ ጀመረ፡ ስዒቡ ድማ ኣብ 1960 ኣብ ወጻኢ ብዝቕመጡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ምምስራት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተኣወጀ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ነዚ ብመራሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተጀመረ ተጋድሎ ኣቓልቦ ካብ ምሃብ ዝተቖጠበትሉ ምኽንያት ብቐዳምነት ነቶም ብጸጋማዊ ስነ-ሓሳብ ዝተጸልዉ መራሕቲ እዚ ውድብ እምነት ብዘይምንባራን ስዒቡ ድማ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተፈንጪሉ ብምውጽኡን እዩ ዝነበረ።

ቢል ክሊንተን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋም ተስፋ ዘለዎም መራሕቲ ኣፍሪቃ ካብ ዝተባህሉ ሓደ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ጠቒስዎ ነበረ እንተኾነ ኣብቲ እዋን ሓደ ነጻ ትካል ዝኾነን ብ (the Borgen project) ዝፍለጥ ማሕበር ንኢሳያስ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝነበሩ ዲክታቶራት ኣብ ሓሙሻይ ብምስራዕ ጠቒስዎ ነበረ። ብወገን ኣብ ኣሜሪካ ዝሕተምን ብ”Parade” ዝፍለጥ መጽሔት ብቐጻሊ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ዓሰርተ ዕሉላት ዲክታተራት ሓደ ምዃኑ ብምጥቃሰ ክገልጾ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ትሕቲ እዚ ነዊሕ ዝቑመቱ፣ ብርቱዕ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ልምዲ ዘለዎን ሓራቕ ባህርይ ዘለዎ መራሒ፤ ኤርትራ ዝኾነ ምዕባለ ዘይርኣየላን ካብ ዓለም ንጽልቲ ንኽትከውን ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ መራሒ እዩ ብማለት ሁይማን ራይትስ ዋች ኣብ 2008 ዘውጽኦ ጽብጻቡ ገሊጽዎ ኣሎ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ መግለጺኡ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ጠንቅታት ሓድነቱ ብምልሕላሕ ከይመቓቐል ብዝብል ምስምስ ሃገራዊ ምርጻ ብ30 ክሳብ 40 ዓመታት ኣድላዪ ኮይኑ እንተተረኽበ እውን ካብኡ ንላዕሊ ክዳናጒ ከምዝኽእል እዩ። እንተኾነ እዚ ምምቕቓል ሕብረትሰብ ኤርትራ ዝኽሰት ዘሎ ብቐንዱ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። ኣብ ኤርትራ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ን18 ኣዋርሕ ጸዑቕ ወትሃደራዊ ታዕሊም ክገብሩ ይገደዱ ድኣ’ምበር እቲ ሓቅስ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ምዝመዛ ስለ ዝቕይዶም ኣሽሓት ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ከምርሑ ይግደዱ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዜጋታተን ብብዝሒ ሃገሮም ራሕሪሖም ስደተኛታት ክኾኑ ዝተገደዱ ሃገራት ሓንቲ ብምዃን ትፍለጥ። እቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምልጡ ዝተረኽቡ ንማእሰርቲ፣ ንኣካላውን ኣእሙሮኣውን ስቓይ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንቕትለት ይፍረዱ። እዚ ዕጫ ካብኦም ሓሊፉ እውን ንስድራቤቶም ዝጸሉ ፍጻመ ኮይኑ ንረኽቦ። ብስርዓት ህግደፍ ብተወሳኺ ኣሽሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ክሳብ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝተሰርሓ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይርከቡ። ኣብ ኤርትራ ነጻ በርገሳውያን ማሕበራትን ማዕከናት ዜናን ክልኩላት እየን። ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣብ ማሕዩር ክርከቡ እንከለዉ ሰዓብቲ ዝተፈላለያ ጨናፍር ወንጌላውያን ኣብያተ ቤተክርስትያን ድማ ኣብ ማእሰርቲ ቤት ተቀይዶም ንዝተፈላለየ ስቓይ ተቓሊኦም ይርከቡ ኣለዉ።

ብድሕሪ እዚ መላኺ ዝኾነ መራሒ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካልእ ንዕኡ ዝገለጽ ዝንባሌታት እውን ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣብ ኣህጉር ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ዘይምርግጋእ ባህርይ ምውናኑ እዩ። ንኣብነት ኢትዮጵያ ተጠቃሚት ወደብ ጅቡቲ ብምዃና ጥራይ፤ ኤርትራን ጅቡቲን ኣብ ናይ ቃል ምጥቕቓዕ ወይ ባእሲ ክበጽሓ እንከለዋ፤ ድሕሪ ኤርትራ ብወገን ጅቡቲ ኣብ ዝርክብ ቦታታት ራስ ዱሜራ ዕርዲ ምስራሕ ዝጀመረት ግርጭት ኤርትራን ጅቡትን ናብ ዝልዓለ ጠርዚ በጽሐ። ኣብ 10 ሰነ 2008 እቲ ናይ ቃላት ባእሲ ነቶም ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝሃድሙ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ምክትታል ምስ ዝነበሩሉ ሰራዊት ኤርትራን ሰራዊ ጅቡትን ኣብ ወትሃደራዊ ግርጭት ኣተዉ።

ምግሃስ መሰል ደቂ ሰባት ንኣብነት መስል እምነት፣ መሰል ውሑዳት (ማይኖሪቲ) ዘይምሕላው ደው ንምባል ጠለባት ካብ ምቕራብ ምቑጣብ፡ ነቲ ብወገን መንግስቲ ኣሜሪካ ቀንዲ ኣድህቦ ኣብ ምቅላስ እስላማዊ ጥሩፍነት ጥራይ ምግባር ቅቡል ክገብሮ ኣይክእልን እዩ። ደራስን ጋዜጠኛን ዳን ኮነል ንተሃዋስነት ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ጠቒሱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ካብቶም ሰዓብቲ ሱኒ ምስልምና ዝኾኑ ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ትሑት ዝኾነ ተጻብኦታት ጥራይ ምጽንሑ እንተኾነ ሓያል ተጻብኦ ኣብ ምዃን ናይ ምቕያር ተኽእሎ ከምዘለዎ እዩ።

ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ኤርትራውያን ንንውሕ ዝበለ እዋን ውጥረት (ቴንሽን) ጸኒሑ እዩ። እዚ ካብ ኣርባዓታት ዝጀመረ ቀጺሉ ብመንግስቲ እንግሊዝ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ብምምቃል ፍርቂ ክፋል ናብ ኢትዮጵያ ፍርቂ ክፋል ድማ ናብ ሱዳን ንምሕዋስ ሓሳብ ካብ ተቕርብ ኣትሒዛ ዝጸንሐ ውጥረት ኣሎ። እዚ ኣብ ሱሳታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብዝበዝሑ ክፋል ሰዓብቲ ምስልምና ዝኾኑ ደቂ መታሕት ምስ ተመስረተትን ኤርትራ ብኢትዮጵያ ተጎቢጣ ደቂ ከበሳ ዝኾኑ ክርስትያን ሓለፋታት ክረኽቡ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን እዚ ምፍሕፋሕ ዝያዳ በሪኹ ተራእየ። እዚ ኣብ መንጎ ክርስትያንን ኣስላምን ሓደ ነቓዕ (faultline) ኮይኑ ዝጸንሐ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዳግማይ ክርአ ይኽእል እዩ። እዚ ዝኾነሉ ድማ ኤርትራውያን ኣስላም ብትግርኛ ተዛረብቲ ኤርትራውያን ተገሊልና descriminated) ዝብል ስምዒት ምስ ዝሓድሮም ወይ ድማ ባህሎም ምስ ዘይክበር ክብርኽ ዝኽእል ተጻብኦ እዩ ብማለት ዳን ኮነል ይገልጾ።

መንግስቲ ኤርትራ እቲ ንቀንዲ ጸላኢኡ ጌሩ ዝርእዮ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድኻም ብማለት ንጥሩፋት ተቓለስቲ ሶማል ምሕጋዙ ብሓዊ ከም ምጽዋት እዩ ክርአ ዝኽእል። ምኽንያቱ ከምቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ንሶቭየት ሕብረት ንምድኻም ብማለት ኣብ ኣፍጋኒስታን ንጅሃዳውያን ድሕሪ ምሕጋዝ እንተኾነ ጸኒሑ ንኣሜሪካ ሻቕሎት ወይ ዘይቅሳነት ዝፈጠረ ፍጻመ ዝኾነ፡ ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ንምንቅስቓስ ጅሃዳውያን ኣብ ሶማል ድማ ተመሊሱ ሓደጋ ክኾኖ ይኽእል እዩ ብማለት ዳን ኮነል ተወሳኺ መብርሂ ሂቡ ኣሎ።

ንግዚኡ እታ ዝያዳ ክትሰግእ እትኽእል 25ሚልዮን ሰዓቢ እስልምና ዝኾኑ ዜጋታት ዘለውዋ ኢትዮጵያ እያ። ሓደ ካብ ምኽንያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ካብ 1990 እስላማውያን ጉጅለታት ንምጥቃዕ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኢድ ምእታው ኮይኑ ንረኽቦ። እንተኾነ ከም ገለ ጉጅለታት ዝስምዖም እዚ ጣልቃ ኣእታውነት ካብ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ብምንቃል ኣይኮነን።

ኣብ 2006 ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተደገፈ ምትእትታው መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት ኣንጻር እስላማውያን ተቓወምቲ ሶማል(the Islamic Courts Union (ICU) ንፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሶማላውያን ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተረሓሓቐን ተጻራርን ዕላማታት ዝሓን (polarized) ጠንቂ ካብ ዝኾነ ጉዳይ ኮይኑ ነቶም ብኣልሸባብ ዝፍለጡ እስላማውያንት ተቓወምቲ ንሃገራውነት (nationalism) ሶማልን ሃይማኖታዊ መለለዪታት እስላም ከም ቀንዲ ተሓለቕቲ ኮይኖም ክርኣዩ ዘኽኣለ ፍጻመ እውን እዩ።

ብማለት ንኩነት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ንጉዳይ ተጻብ ኦታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ ብፍላይ ብምግላጽ ኣብ ዓምዱ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

ምንጪ ሓበሬታ NewAfrican July 2016-Nr.563 ትርጉም ኤዲቶርያል ቦርድ