ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክዝከር ዝጀመረሉ ዓመት ብርግጽ እኳ እንተዘይተፈልጠ ኣብ ከባቢ 1908 ግን ከባቢ 15 000 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ ደቂ ኣንስትዮ መስል ምስታፍ ኣብ ምርጻ ንኽውሓሰለን፣ ናይ ደሞዝ ምምሕያሽ ክግበረለንን ዝሓጸረ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክግበረልን ጠለባተን ኣቕረባ። ብ1910 ክላራ ዘትኪን ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንኽብዓል ሓሳብ ኣቕረበት፡ ኣብቲ ካብ 17 ሃገራት ዝተሳተፋ ልዕሊ 100 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ድማ ነዚ ዝቐረበ ሓሳብ ብምቕባል ኣብ 1911፣ ንመጀመርያ ጊዜ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዴንማርክ፣ ጀርመን ከምኡ ድማ ኣብ ስዊትዘርላን ብ19 መጋቢት ተባዒላ ወዓለት።

ኣብ 1913 እዛ መዓልቲ ናብ 8 መጋቢት ተሰጋጊራ ኣብ ውሱናት ሃገራት ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሓ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1975 ነዛ ዕለት ከም ዓለምለኻዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ውሳኔ ብምሕላፉ ኣብ ምሉእ ዓለም ክትብዓል ጀመረት።

ምሉእ ጾታዊ ማዕርነት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ጌና ኣይተረጋገጸን ኣሎ እንተኾነ ምሉእ መሰል ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሕብረተሰብ ምርግጋጽ እቲ መሰል ንደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነ ንምሉእ ሕብረተሰብ እዩ፡ እቲ ምንታይ ፍርቂ ክፋል ሕብረተሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ምሉእ መሰለን ተሓልዩለን ዘይተኻፈልኦ ሕብረተሰብ ምሉእ ምዕባለ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። ካብዚ ብምንቃል እዛ መዓልቲ ብምሉእ ሕብረተሰብ ክትብዓል ጥራይ ኣይኮነን ዝግባእ እንታይ ድኣ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ መስል ደቂ ኣንስትዮ ክሕሎን ተሳትፎአን ኣብ ሕብረተሰብ ብማዕርነት ንክኽበር ኩሉ ዜጋ ኣጃሙ ከበርክትን ብትብዓት ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ክሳተፍን ይግባእ።

ዝኽሪ ንዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ!

ኤዲቶርልያል ቦርድ