“ዘበነ ጸነተ፡ ዘበነ ዓወንወን፡ወይስ!! ዘበነ ቕልውላው”?

ክቡራት ኣንበብቲን፡ ተዓዘብትን ክሓትት ኣፍቁዱለይ? ዘበን ድዩ፡ ሽግር ኮይኑስ?! ወይስ እዩ ኣብ ራህዋን!! ኣብ ሰላምን ንኽነብር ዘኽእል ዓቕሚ ስኢኑ? ደቂ ሰብ ዘርብሖምን፡ ዝጠቕሞምን፡ ብልቦናን፡ ብትዕግስትን፡ ብምክብባርን፡ ብምጽውዋርን፡ ተላዚቦምን፡ ሓቢሮምን ንኽነብሩ ምስ ዘይገብሩ እዩ ኣብ ሽግር ዘንብሮም ዘሎ? ጽሑፈይ ብተባዕታይ ኣካል ገረ ስለ ዝጸሕፍኩ፡ ንኽቡራት ወዘራዝርን፡ ኣደታትን፡ ኣሕዋተይን፡ ምስ ምሉእ ኣኽብሮት ይቕረታ ይሓትት። ዓዲ ንግበር ተገራሪህና!! ዓዲ ነፍርስ ተጎራሪሕናምስላ ኣድከመ ምልጋእ ሰራየ። “ወድ ሰብ ኣብ ምንታይ መነባብሮ ዓለም ይነብር ከምዘሎ ንኽፈልጥ? እታ ደቂሱላ ዝሓደረ ንእዲ ወይ ዓራት( ቤት) ቁሊሕ ኢሉ ይርኣያሞ!! ኣብ ምንታይ መነባብሮ  ከምዘሎን፡ መን ምዃኑን ክፈልጥ ይኽእል” ኣብ ሳንጆርጆ መንደፈራ ፡መምህር ገብረሂወት ነባርይ ሓሊፊ ክፍሊ ትምህርቲ ኤርትራ 1970 ዓ.መ.ፈ. “ወለድና ፍልስፍና፡ ኣይተማህሩን!!እንተኾነ ግዳ ፈላስፋታት እዮም ነይሮም” ካርዲናል ጳውሎስ ጽድዋ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ “ወወክማ” ኣዲስ ኣበባ ግንቦት 1974.   እሞ!! ኣብ ዘለናዮ እዋን ዘበነ ጸነተ!!ዘበነ ዓወንወን!!!ዘበነ ቅልውላው!!! ከመይ ገርና ንሕለፎ? ከመይ ገርና ንስገሮ? ሽግር ስድራ ቤት ሽግር ዓዲ እዩ። ሽግር ስድራ ቤታት ድማ ሽግር እንዳታትን፡ እዩ።ሽግር ወረዳን፡ ሽግር እውራጃን፡ ብሓፈሻኡ ሽግር ሃገር እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ስድራ ቤት ንቡር ረኺባ እትነብር ኣብ ኤርትራ ኮነ ኣብ ስደት መነባብሮ ኤርትራውያን ቁሊሕሊሕ ኢልካ ምርኣይ ናይ ግድን እዩሞ!! እስከ ክቡራት ኣንበብቲ ብመጀመርያ፡ ኣብ ገገዛኹም፡ ከምይ መነባብሮ ከም ዘለኹም ብቕኑዕ ኣእምሮን፡ ብቕኑዕ ሕልናን፡ ሓቲትኩም መርሚርኩም ርኸብዎ፡ ሓባሪ ኣየድለየኩን። “ጎባጥ መደቀሲኡ፡ ባዕሉ ይፈልጣ” ምስላ ኣስማሪኖ ጎባጥ መንድዓት ዝሓዞ ሰብ እዩ። ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ብቐዳምነት ጽምዋ ወለድኹም፡ ክኸውን እንከሎ! ስዒቡ ብእንዳቦኹም ዝቐርብኹም፡ ብእንዳ ኣዴኹም ዝቐርብኹም፡ ኣብ ዓዲ ኮነ፡ ኣብ  ከተማታት ኤርትራ፡ ኣብ ጎረባብትኹም፡ ኣብ ምንታይ?  ኩነታት ይነብሩ ኣለዉ? ምስ እትብሉ እኹል መልሲ ክርከብ ይካኣል። ዘበነ ጸነተ!!!! ዘበነ ጸነተ? እንታይ ማለት እዩ? ዘበነ ጸነተ እምብኣር ደቂ ሰብ ኣብ ዘይ ግዜኦም፡ ክቕዘፉ ከለዉ እዩ። ኣብ ዘዘለዉዎ ዓዶም፡ ካብቲ ዝጸንሔ መነባብሮ፡ ዝኸፌን ዝሓሰምን እናኾነ ምስ ከደ፡ ደቂ ሰብ በቲ መነባብሮ ዘምጽኦ ተጽዕኖን፡ ሽግርን፡ ዒሕታን፡ ዓቕሊጽበትን፡ ገለገለ፡ ካብቲ ዝተፈጥረ ቅልውላው፡ ናይ ሕጊን ስርዓትን፡ ናይ ቁጠባን፡ ጽጥታን ምስተሓዋወሶም፡ ተስፋ ይቖርጽሞ!!! ኣብ ኣብዝተፈላለየ ምርጫታት ንኽውስዱ ይግደዱ።   1. ኣብ ዓደይ ክነብር ኣይካኣልኩን፡ ሕግን ስርዓት የለን፡ ተዛሪበ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሎም፡ ኣብ ዝግበር መጋባእያ ወይስ ኣኼባ ይዛረቡም!!! እቲ ኣጽናቲ ስርዓት ይኣስሮም ብዘይ ፍርዲ ሓቒቖም ይተርፉ።   2. ኣብ ሃገርይ ክነብር ኣይከኣልኩን ሃጽ ኢለ ክጠፍእ ይሕሸኒ። ካብዚ ዘለኽዎ ሃገር ዘይ ሓይሽ የለን። ንኽነብር ነብሰይ ኣትሒተ ይካኣል እዩ። ዘዕቁበኒ ኣይስእንን ኢሉ፡ ገዛኡ ንድሕሪት ገድፉ፡ ዝፈትዎም ወለዱን፡ ዝዓበየሉ መርየትን ራሕሪሑ፡ ብጸላም ነቒሉ፡ ዶብ ሃገሩ ንኽጥሕስ ይቀራረብ። ስዒቡ፡ ናብ ዘይ ፈልጦ ጣሻን ገረብን፡ እንባን ኩርባን፡ሩባን ፡ ኣፍላግን ቃላይን ባሕርን፡ ሰሃርን ምድረ በዳን፡ ንኽሰግር ይቀራረብ። ዓዲ ሰብ ኣትየ! አንተ ደሓንኩ፡ ጽቡቕ!! እንተ ዘይኮነለይ ድማ፡ ፈቲኑ ሞይቱ ይሓይሽ ካብ ኣብ ጸላም፡ ብገዛ ሃገራ ባርያ ኮንካ ምንባር፡ ጥምየትን ዓጸቦን፡ ፍትሒ ኣልቦነትን፡ ዕሽክርናን ክገላገል ይሓይሸኒ ኢሉ ቆራጽን ሓድገኛን ስጉምቲ ይወስድ። ኣብ ዓውት ንኽበጽሕ ወይ ንኸበጽሕ 50% ዕድል አዩ ዘለዎ።   3. ገለገል ሰብ ድማ፡ ዓደይ ገዲፈ ኣይኸይድን፡ ዝረኸበት ትርከበኒ፡ እንተ ዋርድያ ክኸውን ብረት ዓጢቐ፡ እንተ ክነብር ተጸቒጠ፡ ፍትሒ ኣልቦነት፡ ኣሎ፡ ጭቖና ኣሎ፡ ጥምየት እሎ፡ እንተ ይጽዓኑኒ ከም ኣድገ በቕሊ፡ እንተ ይቕተሉኒ፡ ኢሉ ዝነብር ዝበዝሕውን ክኸውን ይኽእል፡ ኣብ ዓዱ ይጽንሕ!!!   4. ናይ ዕዳጋ ምዝንባልን፡ ዝፈጠሮ ሽግራት ዕድመኡ የሕጽሮ። ዘይተመጣጠነ ዋጋ ናህሪ፡ ኣብ ዝደለኻዮ ዘይርከብ ሸመታ መነባብሮ፡ ሕክምናን መድሃኒትን፡ መጎዓዓዚን፡ ማይጽምእን፡ መብራህትን፡ ሓበራታ ዓለም ዘይምህላውን፡ …ወዘተ ተድማሚሩ ኣብ ኣእምሮ ጭንቀት የሕድር፡ ብሓፈሻ ናይ ጥዕና ጸገማት ይፈጥርሞ!! ኣብዘይ ዕድሚኡ ይቕዘፍ።   5. ደቂ  ሰብ ኣብ ዘይ ዕድሚኦም ይቕዘፉን ይጸንቱን። ከምዘለዉ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ።   6. ገዛኻ ንድሕሪት ገዲፍካ፡ ግዳም ሓደር ኮንካ፡ ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ሓደ ዓዲ፡ ካብ ሓደ ሃገር፡ ናብ ሓደ ሃገር ኣብ ምስግጋር፡ ዝገጥም ጸገማት ብዙሕ እዩ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ኣብ ዶብ ምርሻን፡ ብተመን ተነኺሱ ዝሞተ፡ ብዓሶ ተለኺፉ ዝሞተ፡ ብመግቢ ተቖላፍይዎ ዝሞተ፡ ክሰግር ውሕጅ ዝወሰዶ፡ ክሰግር፡ ራሻይዳ፡ ዝቐንጸሎ፡ ኣብ ሲናይ ኮላሊቱን ልቡን ንመሸጣ ቀሪቡ ዝተሰጠየን፡ ምድረበዳ ብማይ ጽምኢ ዝተኾልፈን፡ እዚ ኩሉ ተወዲኡ ብዳዕሽ ክሳዱ ዝተቖርጸን፡ ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉን ክንደይ ክንብሎ።   7. ኣብ መዕቆቢ ምስ በጽሔ፡ ዘይክውንነት ትምኒት ወይ ትጽቢት፡ እኹል ሓበረታ ዘምህላውን፡ ንስደት ኣቃሊልካ ምርኣይን ዘምጽኦ፡ ቅልውላው፡ ኣብ ኣእምሮ ምንዋጽን፡ ነብሰ ቕትለትን የብጽሕ። ገለገል ድማ ክንድሰብ ኣኺሎም ከምዘለዉ ይርስዕዎሞ!!! ኣብ ዕሸልነት ኣተሓሳስባ ተቖሪኖም፡ ንምንታይ ገዛኦም ከምዝሓደጉ ረሲዖም ኣብ ዳግማይ ጸገምን ሽግርን ዝኣትዉ ኣለዉ። ስድር ቤት ሃኒጾም ኣብ ዘለዉዎ ሃገር ክነብሩን፡ ክፈርዩን ከምዝግብኦም ይርስዑ እዙይውን ድርብ ጸነተ ንሕብረተ ሰብ እዩ። ካብቲ ዘሎ ሽግራት ድርብ ሽግር ኮይኑ አዩ ዝርከብ።ጸነተ ኣብ ርእሲ ጸነተ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ።   8. ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ፡ ሽግራ ብደቂ ሃገራን፡ ኣብ ስደትን ብዝጋጥማ ጸገምን መከራን፡ መሰታ የብሉን ። ጓል ኣንስተይቲ ኤርትራ በቲ ዘጋጥማ ዘሎ መከራን ሽግርን፡ ዘራይ ዘይብላ፡ ኮይና ትርከብ ኣላ። ኣብ ሃገራ፡ ቆላዑ ኮረነላትን ጀነራላትን ተሰኪማ፡ ኣብ ስደት ብረሻይዳ፡ ብበደዊን፡ ብደላሎ፡ መሰጋገርቲ ተዓሚጻ ዘይትደልዮ ህዝጻን ከተዕቢ ተገዲዳ ትነብር ኣላ።ንምላጥ ኣብ ገገዛኻ ቁሊሕሊሕ ምባል ይሓይሽ። ቀጺሉ ዝስዕብ፡ ጓል ኤርትራ ዝምርዓዋ ከይረኸበት ዕድሚኣ እተሕልፍ ዘላ ኣብ ሃገርን ኣብ ስደትንውን፡ ብቐሊሉ ዝርኤ ኣይኮነን። እዚውን ኣብ ገገዛኡ ሰብ ይመርምር እዩ እቲ መልሲ። ተካኢ ወለዶ ዘይርከቦ ሕብረተ ሰብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ህዝቢ ጥራሕ እዩ እናጸነተ ኮበሮ ዝወቅዕ ዘሎ። ዘበነ ዓውንወን!!!!! ዘበነ ዓውንወን፡ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን? ዓውንወን ዝብል ሰብ እንታይ ምስ ዝኸውን እዩ? ዝዕውን ሰብ ወዘሮ ጸሃይቱ በርኺ ከምዚ ትብል፡ “ዓዱ ዝሓደገ ልቡ ይጠፍኦ፡ መንገዲ ይጋገ”። ኣቶ በረኸት መንግስታኣብ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ ወድ ሰብ ኣይኺድ ኣብዘይ ዓዱ፡ ጸጊብካ ይብልዎ ኣብ ጥራሕ ከብዱ፡ ተረቲዕካ ይብልዎ ከይፈረዱ” ይብለና። እሞ ስደት እንታይ እዩ፡ ዝሓዝካዮ ኣይተኽብሮን፡ ዝሰኣንካዮ ወይ ገዲፍካዮ ዝመጻእካ እና ዘከርካ ኣይንቕዲምት ኣይንድሕሪት ይገብረካ ማለት ዶ!! ይኸውን ሓቢርና ንርኣዮ። ዓወንወን ዝብል ሰብ ኣተሓሳስብኡ ካብ ሓቅን፡ ካብ ክውንነት ክርሕቕ እንከሎ ጥራሕ እዩ። 1. ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሉ ህዝቢ ዓለም ፍጡር፡ እይ። ናይ ሰብ ባህርይ ዘለዎ፡ ናይ ሰብ ዓቕሚ፡ ዘለዎ፡ ከም ኩሉ ህዝቢ ዓለም ኣብ መርየቱ ሓሪሱ ጓስዩ ኩዒቱ ክነብር መሰሉ እዩ። እንተ ኮነ ኣብ ጉዕዞ ተጋድሎ ቃልሲ ካብ 1947 ዝተዛብዔ፡ ታሪኽን ኣተሓሳስባ፡ ብመንነትካ ዘይምሕባንን፡ ዘይምኹራዕን፡ ንጓና ምኽባርን፡ ንገዛእቲ ምምላኽን ኣጉል ትምህርትን ፡ዝንቡዕን ኣተሓሳስባን፡ ሰነፍን ስንኩፍን ዝኾነ ስብከት ነገሰ።   2. እዚ ህዝቢ እዚ፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ወይ ሸውዓት ሽሕ ዘበን ነይሩ ኣብዚ ሰፈር ይነብር ከም ዝነበረ ጭብጥታት ኣሎ። ወለድና ኣሰር ገዲፎም ከይዶም፡ ኣብ ዘዝነብሩሉ ኣከባቢብ ብሕግን ስርዓትን ይመሓደሩ ነበሩ። ሕጊ እንዳባ እኩል መወከሲ እዩ። ስለምንታይ ድኣ ኣቦታትካ ዘጽኑሕልካ ገዲፍካ ኣብ ልመና ትኣቱ?።   3. ናዚ ዘለናዮ እዋን መራሕትን፡ ወነንትን ዝኾነ ስለ ዝደለይዎ እዩ። ኣገዲድካ ንህዝቢ እዚ መሪጸልካ ኣለኹ ተቐበል ወይ ትቕንጸል ዝብል ትእዛዛዊ መምርሒ እይ እቲ መልሱ። ውጽኢቱ እንሆ ኣብ ዓውንወን ክነብር ተገደደ ተደልየን። ገዛእቲ ዝዘርእዎ ይሓፍሱ ኣለዉ። እንተ ህዝቢ ኣቐዲሙ ስልዘይጠርጠረ ወይ ስለ ዝፈርሔ፡ ሓውን ወዲ ዓዱን እና ተቐትለ ስቕ ኢሉ ስለ ዝረኣየ፡ ቀስ እናበለ ከም ሓው ኽቕዘፍን፡ ክቕንጸለ ይርከብ ኣሎ። ወዲ ሕግን ስርዓትን ከምዘይነበረ፡ ከም ጠለ በጊዕ፡ በብተራ፡ ይሕረድን፡ ይቕንጸልን ኣሎ። ዘበነ ዓወንወን ዘበነ ጸነት ኣፍርየ።“ ገረብ ብሓኽላ” ሃገር በረሰ፡ ህዝቢ ጸነተ። ዘበነ ቕልውላው!!!!! ዘበነ ቕልውላው፡ ኣደ! ክትሓርስ እንከላ ዝስምዓ ዓቕሊ ጽበት ግዜ ቅልውላው ይባሃል። ኣደ ምስ ሓረሰት ከኣ ተገላጊላ ነብሳ ረኺባ ይባሃል። እምበኣር ኣደና ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ቕልውላው ኣላዶ???? ደቃ ደቂ ኤርትራ ከም ሰብን ከም ስድራቤትንከ ኣብ ቕልውላው ኣለናዶ??? ከም ሕብረተ ሰብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቕልውላው ኣሎዶ??? ኣብ ሃገር ዘሎ ሽፍታዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቕልውላው ኣሎዶ??? ኣብ ስደት ዝነብር ሕብረተ ስብ ኤርትራ ኣብ ቕልውላው ኣሎዶ???? ቅልውላው!!! ኣብ ኣእምሮ ደቂ ኤርትራ ጥዑይ፡ ወይ እሩም ፡ ወይ ኩውንነት፡ ብጭብጢ ዝድገፍ ንኸይሓስቡ፡ ኣብ ሰንፈላልንን፡ ኣብ ዘይተኣማመነሉን፡ ኣብ ዘይንከባበረሉን፡ ሕብረተሰብ ኮና ኣለና። ሓደ ዜጋ ኣብ ርእሲ ሓደ ዜጋ ተነዓዒቖም ንኽነብሩ ገይርዎም ዘሎ ኣተሓሳስባ ቅልውላው ኮይኑ ይራኣየኒ። ኣድከም ምልጋእ ክምስሉ “ኣይርጉኦ ኣይጸባ” ይብሉ እንታይ ማለት ኮን ይኸዉን?  ኣይ ረጌኡ ሓቑንካዮ ጠስሚ ኣየውጽእ፡ ተመሊስካ ከም ጸባ ኣፍሊሕካ ከይትሰትዮ ጸባ ዘይኸውን ማለት እዩ ትርጉሙ። ኤርትራውያን፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ተኸፋፊሉ ይርከብ። ገለገለ፡ ሰብ ባጀላ ከይተርፉ፡ ኣብ ኤርትራ ጸሓይ ዓሪባ እናርኣዩ፡ ፍርቂ መዓልቲ እዩ ዘሉ ኢሎም ዝምሕሉን ዝጥሕሉን ኣለዉ። ቀጺልካውን፡ አዚ ህግደፍ ዝባሃል ዘይገብሮ ተኣምር የብሉን፡ ንግመል ከንፍራ ጀሚሩ። ኢዱ ነዋሕ እያ! ኣብ ገዛኻ ኣትያ ሓኒቓ ተውጻኣካ። ዋል ኣብ ስደት ንዝነብር ተርክበሉ አያ።ኣብ ስደት ህግደፍ ከም ተኾርባ ኣብ ዓለም ተዚሪኣ እያ ዘላ። ዝብል ብ03 ዝስደድ መንፍሕን፡ ብሰብ ባጀላ ዓው ኢልካ ብምድግጋምን ሓቅነት ዘለዎ ክመስል ይኽእል። መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ጽሑፉ፡ “ትምህርቲ ሻዕብያ፡ ተዘይቀተለ፡ የዕነኒ” ብሓቂ፡ ሰብ ገዝኡ ሓዲጉ፡ ግዳም ሓደር ኮይኑ፡ ዑቕባተኛ ተባሂሉ፡ ኣብ ስደት፡ ከም ስደተኛ ተቆጽሩ ከብቕዕ!!!! እንታይ ረኸቦ ድኣ ናብ ኤርትራ ኤምባሲ ወይ ናብ ህግደፍ ወከልቲ ተጣዒሰ ኢሉ፡ ተደፊኡ ዝልምን???? ባርነት ስለ ዝናፈቐዶ ይኸውን ትብሉ??? ወይስ ናይ ኣእምሮ ቅልውላው???? ኤርትራ ከም ሃገር፡ ካብ ሱዳን ኣይትበልጽ፡ ካብ ስሪላንክ ኣይትበልጽ፡ ካብ መክሲኮ ኣይትልዕል፡ ካብ ኣውስትራልያ ኣትትሕት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከም ኩለን ሃገራት ማዕረ መንበር ኣለዋ። እንታይድኣ!! እዩ?? ኤርትራ!!! ኤርትራ!!! ፍልይቲ ዘግብራ? ብህዝባ ስለ ዘይትግደስ፡ ደቃ ክትሸይጥ ስለ እትዉዕል፡ ጀነራላታ መናእሰይ ክቐዝፉ ስለ ዝዉዕሉ፡ ደቂ ደቆም ንዝኾና ደቂ ኣነስትዮ ክብረን ጊሂሶም!! ኣጥኒሶም ኣብ ንብዓት ዓለም ስለ ዘንበሩ፡ ድዩ??? ኤርትራ ከም ሃገር ፈራዪ መርየት፡ ፈራዪ ባሕሪ፡ ፈራዪ ማዕድናት፡ ጥዕም ንፋስ ንወድሰብ ሂወት ዝህብ ሃገር ዘልዋ ህዝባ ንኸይረብሕ፡ ኣብ ድንቁርናን፡ ጥምየትን ኣእትያ፡ ገዛዉቱ እናፍረሰት፡ ኣብያተ ንግዱ እናዓጸወት፡ ንብረቱ እንኸተረት እትነብር ሃገር፡ ፍትሒ ኣልቦነት ዝነገሳ፡ ኣብ ዓለም ብህውከትን ብጭቆናን እትፍለጥ ሃገር ኤርትራ ኤርትራ ኢልካ ምጭዳርሲ!!ነብስኻ ምትላልዶ ኣይኮነን? እንተዘይኮነ ካብዚ ንላዕሊ እንትይ ቕልውላው ኣሎ????? እምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትር ካብዚ ዘበነ ጸነት፡ ዘበነ ቕልውላው፡ ዘበነ ዓወንወን ኽገላገል ኮይኑ! ከም ሰብ ቅኑዕ  ሕልናን፡ ቅኑዕ መንፈሰ፡ ሕግን ስርዓትን ተኸቲሉ ክነብር ከም ዝኽእል ክፈልጥ ይግባእ። ብኣተሓሳስባኡ ክውንነትን፡ ካብ ሆሆ!!! ወጺኡ፡ ዓቕሙ ፈሊጡ፡ ከም ኩሉ ህዝቢ ዓለም ናቱ ሓልዩ፡ እንዳማቱን ከይደለየ፡ ልዕሊማንምን፡ ከምዘይኮነ፡ ካብ ማንም ከምዘይትሕት ፈለሊጡ፡ ክነብር ከምዘለዎ ብነብሱ ክተኣማመን ክፈልጥ ይግባእ። ሽላ መጸካ፡ ነብሪ ደገምካ፡ ሕንጉጉ መጸካ እናተባህለ፡ ኣብ ፍርሒ ዓለም ክነብር ተገሩ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ፈጠራ ሓሶት ኣብ ርእሲ ሓሶት ብሽፍታዊ ስርዓት ዝንዛሕ ወርን መምርሕን እዩ። እዚ ከነለልዮ፡ ክንፈልጦን ዝግባኣን ሓቂ እዩ።ኩሉ ዜጋ ክቃለሶ ሓላፍነት እዩ። ዜጋ ሓልፍነቱ ፈሊጡ ድማ ንሕግን ንፍትሕን ክደልያን፡ ከኽብራን፡ ካብ ዘበነ ጸነተ ክናገፍን፡ ካብ ዘበነ ዓወንወን፡ ክሰናበትን፡ ካብ ዘበነ ቕልውላው፡ ክገላገልን፡ ተገላጊሉ፡ ሰላም ራህዋን፡ ከንግስ ሓላፍነቱን ግደቱኡን እዩ። ብቐዳምነት ነብሱ ክምርምርን፡ ክሰርዕን ኣስዒቡ ኣብ ገዛኡ፡ ኣብ ስድራ ቤቱ፡ ኣብ ቤተ ሰቡን፡ ኣብ ዓዱን፡ ኣብ እንዳኡን፡ ኣብ ወረዳኡን፡ ኣብ ከተማታቱን፡ ኣብ ኣውራጃታቱን፡ ሕግን ፍትሕን ስርዓትን ንክህልዎ ክጽዕር ይግባእ። ኣብ ሃገሩን ሰላም ንኸስፍን፡ ህዝቡ ብሕልናዊ፡ ስነ ምግባርን፡ ሞራላዊን፡ ክሕደትን ጥልመትን ሓዲጉ፡ ብኣላዝቦን፡ ብኣኻእሎን፡ ብኣፍልጦን፡ ብምክብባርን፡ ብምትሕልላይን፡ ብሓቢርካ ምንባርን፡ ኣዕሚቑ  ፈሊጡን ኣለልዩ ክነብር  ይምሕጸን። ዓለም ደቂሳ እናሓደረት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገሩ ኮነ ኣብ ስደት ኣብ ዓለም ንኽነብር ከም ዕንቂ ክትጸቦስ፡ ኣብ ምንትምንታይ ኮን ይቑጸር????? ንሕማቅ መዓልቲ የለኹላ በላምስላ ኣድከም ምልጋእ ሃይለ ገብረትንሳኤ ዘብሄረ ሰራየ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 4 ለካቲት 2018