ዝኽሪ ኢሳያስ ተወልደብርሃን (1943 -2016)

ንነብስሄር ኢሳያስ ተወልደብርሃን ከተፋንዉ ዝመጻእኩም ሰበ-ጽቡቕ ድላይ ካብ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣስቴር ምስ ስድርኣን ኣሕዋቱን ልኡል ምስጋና ይብጻሕኩም።

ነፍስሄር ኢሳያስ ውሉድ ኣቶ ተወልደብርሃንን ወ/ሮ ፍትግ ቀሺ ገብረየሱስን እዩ። ኣሕዋቱ እዝራ፣ ሳራ፣ ኤርምያስ፣ ያቆብ ፍረወይኒን ሳባን ይብሃሉ። ደቁ ድማ ማህሌትን ዳምርን ይበሃሉ።

ነፍስሄር ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ኢትዮጵያ ዓበየ። ምስዮናውያን ሽወደን ሙዚቃዊ ተዋህቦኡ ምስ ተገንዘቡ ንትምህርቲ ናብ ሽወደን ለኣኽዎ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ውሩይ ዝኾነ “ሻንዳል” ተባሂሉ ዝስመ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙረ ቤት ክህነት ተመረቐ።

ካብ 1968 ዓመተ ምህረት ክሳብ 1971 ኣብ ዩኒቨርስቲ ሙዚቃ “kungliga Musikhögskolan” ላዕለዋይ ትምህርቱ ሙዚቃ ደለበ። ካብ 1974 ክሳብ 1976 ድማ ኣብ ላዕለዋይ ዩኒቨርስቲ ኦፔራ (Stora Teatern) እዩ ዝተጋህደ። ኣብኡ ”Kärleksdrycken” ዝተባህለ ሙዚቃዊ ተዋስኦ ከም ”Nemorino” ኰይኑ ተዋስኤ።

ነፍስሄር ኢሳያስ ኣብ ጉተንበርግ ሓያሎ ኦፔራዊ ግዴታት ተጻወተ። ከም ምሳሌ ኣብ እዞም ዝስዕቡ ሙዚቃዊ ድርሰታት ተሳተፈ፦

– ኣብ “La Traviata” ከም “Alfredo” ኮይኑ ተዋስኤ።

– ኣብ “Orfius och Eurydike” ከም “Orfeus” ኮይኑ ተዋስኤ።

– ኣብ 1984 ነፍስሄር ኢሳያስ ኣብ ስቶክሆልም ተሰጋገር እሞ ኣብ “Gladänkan” ዝተባህለ ሙዚቃዊ ተዋስኦ ከም “Rosillon” ኮይኑ ኣብ ትያትሮ “Oscar” ንሓደ ዓመት ተዋስኤ።

ብ1986 ነፍስሄር ኢሳያስ ኣብ ንጉሳዊ ኦፔራ ስቶክሆልም ኣብ ሙዚቃዊ ድርሰት “Carmen” ከም “Don Jose” ኮይኑ ተቖጽረ። ኣብኡ ኣብ ሓያሎ ሙዚቃዊ ድርሰታት ሙዚቃ ተዋስኤ። ካብኦም ሒደት ንምጥቃስ፦

– ኣብ “Madam Butterfly” ከም “Pinkerton” ኮይኑ ተዋስኤ።

– ኣብ “Cosi Fan Tutte” ከም “Fernandez”

– ኣብ “Hoffmanns äventyr” ከም Hoffmann ኮይኑ ተዋስኤ።

ነፍስሄር ኢሳያስ በዓል ዓቢ ኣርቲስታዊ ህያብ ጥራይ ኣይነበረን፡ በዓል ዓሚቑ ልቦና ከኣ ነበረ። ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዝራኸበሉ እዋናት ትሕትና ዝተማህረ ዕብየት ለበሰ። ኢሳያስ ተወልደብርሃን ምስ ሳሕቆት እዩ ተወሊዱ፡ ምስኡ ዝወዓለ ልቡ ተፈንጨሐ።

ሃገራዊ ግዴታት ነብስሄር ኢሳያስ ኣብ መጽሓፈይ ተመዝጊቡ ኣሎ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ቅድሜና ከነማልኦም ኢና። ኢሳያስ ኣብ ሽወደን እትው ምስ በለ ኤርትራውያን ኣብ ፈቐድኡ ሃደነ፡ ብዘይካ ክልተ ሰራሕተንያታት እቶም ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ካብ ፍቕሪ ሃገር ርሒቖም ጸንሕዎ። ኣብ 1967 ግን ኣብቲ ጊዜ ም/ፕረዚደንት ተ.ሓ.ኤ. ዝነበሩ ቺፍ ኤክሲኪዩቲቭ ተድላ ባይሩ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ ኣንበበ ነፍስሄር ኢሳያስ ሰማይን ምድርን ገልቢጡ ረኸቦም። ካብታ ዕለት ጀሚሩ ብትብዓት ኣብ ቃልሲ ሃገሩ ተዓጥቀ። ወ/ሮ ኣስቴር እውን ካብ ፈረንሳ ምስ ስድራ ቤታ ክትጽንበር ምስ መጽኤት ኣብ መንጎኦም ፍቕሪ በርሄ እሞ ኣብ ሓዳርን መርዓን ህንጸት ስድራቤትን ኣምርሑ። በረኸት ልኡል ጎይታ ኮይኑ ድማ ንብሉጻት ማህሌትን ዳምርን ወለዱ። ኣነ እውን ብሸነኸይ ብሸኽ እድሪስ መሓመድ ኣደምን ዓቢ መምህር ዑስማን ሳልሕ ሳበ ንሓጺር ጊዜ ከም ሓላፊ ጉዳያት ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ኤውሮጳ ኮይነ ምስ ቺፍ ኤክሲዩኪቲቭ ተድላ ባይሩ ክተሓባበር ተለኣኽኩ። ካብዚ ተበጊስና ኣብ ሃገረ ሽወደን ሓደ ድልዱል ማእከል ተ.ሓ.ኤ. ኣቐውምና።

ምስ ቡ ቪ ቪየልስታምስታም ዝተባህለ ውሩይ መራሒ ፕሮግራማት ተለቪዥን ብምትሕብባር ሓደ ኣደናቒ ፊልም ብዛዕባ ኤርትራ ክሰናዶ ተኻእለ። እዚ ፊልም ኣብ ተለቪዥን ሽወደን ኣርባዕተ ግዜ ተራእየ። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ኣብ ሽወደን ኮኾብ ኤርትራ ደየበት። ከም ውጽኢት Invandrarverket ንትስዓተ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ብስደት ክኣትዉ ፍቓድ ዓደለና፡ እዚ ዕድል ኣብ ሬድዮ ስለ ዝተቓልሐ እንሆ ሃገረ ሽወደን ካልኣይቲ ሃገር ኤርትራውያን ኮይና ኣላ። ኣብዚ ኹሉ ንጥፈታት ግደ ነፍስሄር ኢሳያስ ምሉእ ዘይጉዱል ነበረ።

ቁጽሪ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን እንዳ በዝሔ ምስ ኸደ ነፍስሄር ኢሳያስ ንኣኼባታት ዝኸውን ቦታ ብምዝግጃው መሐበሪ ኤርትራውያን ከቕውም ከኣለ። ኣብ ማስ ሜድያ ብስፍሓት ዝተቓልሐ ተባዕ ስጉመቲ ተወስደ። ንሱ ድማ ንኤምባሲ ኢትዮጵያ ሰውራዊ ወራር ብምግባር፡ ንሰነዳትን ንብረትን መንግስቲ ኣብ ጽርግያ ምዝሕዛሕ ነበረ። እዚ ስጉምቲ ምስ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ንጥፈታት ተደማሚሩ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ነጻነት ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍል ቅሩብ ምዃኑ ንህዝብን መንግስቲን ርዱእ እንዳ ኾነ ከደ።

ኢሳያስ ተወልደብርሃን ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ. ዝተሳተፉ ምሁራት ነበረ። ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ ነፍስሄር ኢሳያስ ከም ኩሎም ሃገራውያን ደሞክራስያውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሕታት ዝተሳተፉ ጽኑዕ ሓርበይና እዩ ዝነበረ። ኣብዞም ዝሓለፉ 16 ዓመታት ኢሳያስ ተወልደብርሃን ሓደ ካብቶም መስረትቲ ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ ስትስራተጂ ዓድን ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያትን ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍልጠቱን ገንዘቡን ዓቢ ግደ ዝተጻወተ ግዙፍ ሃገራውን ደሞክራስያውን መሪሕ ኣካል ነበረ።

ዓርከይን ሓወይን ኢሳያስ ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ዘዳለወልካ ብዝሁርን ሰትን ዝተነስነሰ ኣዳራሽ ኣቲኻ ኣሎኻ፡ ኣብቲ ሰማያዊ ዓድኻ ኣስተርሑ። ኢሳያስ ዓርከይን ሓወይን ኣኽናፍካ ዘርግሓዮም ምስ መላእኽቲ ብጾትካ ብረር ኣብ ዘለኣለማዊ ሃገርካ ዘምር ኢሳያስ! ኢሳያስ ዓርከይን ሓወይን ዓዲ ኣርሒቐ ቢልካ ኣይትሰከፍ ኣነስ ክሰምዓካ እየ። ዓርከይን ሓወይን ኪድ የዕርፍ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ወይልና ድኣ ንሕና ኣብዛ ዓለም ንሓጺር ጊዜ ተረፍቲ እምበር። ቻው ኢሳያስ ዓርከይን ሓወይን ኣሪቨደርቲ ዓርከይን ሓወይን!!!

ሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣቦ መንበር ሰልፊ ጉባኤ ኤርትራ – ስትራተጂ ዓዲ